ጓል-ኣንስተይቲ፡ ካብ ናብራ ስደተኛ ኣብራሪት ነፋሪት ክትከውን ዝበቕዐት ሶርያዊት ማያ ጋዛል

ማያ ጋዛል

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/ Andrew McConnell

ማያ ጋዛል ካብ ኵናት ሓድሕድ ሶርያ ካብ ዝሃደሙ ሚልዮናት ሰባት ሓንቲ'ያ።

ስድራኣ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት'ዮም ኣብታ ተሰዲሶም ዝመጽእዋ ዓባይ ብሪጣንያ መንበሪ ፍቃድ ረኺቦም፡ እንተኾነ ንሳ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽትረክብ ዓቢ መሰናኽል እዩ ኣጋጢምዋ።

ዘይስገር የለን፡ ንኹሉ ሰጊራ ሕጂ ምኩርቲ ኣብራሪት ነፋሪትን ብሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ስደተኛታትን ክትከውን በቒዓ ኣላ።

"ኩሉ ግዜ ነፋሪት ንምብራር ናብ ኣየር ክድይብ እንከለኹ፡ ኩለእንተናይ ብሓብን እዩ ዝምላእ፡ ሕጂ ፓይለት'የ፡ ኣብ መጀመርታ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ'ውን ከይምዝገብ ዝተኸልከልክሉ ሰብ እየ ነይረ" ትብል ማያ።

ማያ ጓል 16 ዓመት እንከላ እያ ምስ ኣሕዋታን ምስ ኣዲኣን ናብቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ኣቡኣ ንምጽንባር ካብ ከተማ ደማስቆስ ተሰዲዳ።

ካብ ደማስቆስ ካብ ዝወጽኣትሉ ኣብ ሻዱሻይ ዓመታ ኸኣ ኣብራሪት ናይ ውልቂ ነፋሪት ክተከውን ዘብቕዓ ምስክር ወረቐት ረኺበና፡ ሕጂ ኸኣ ዓባይ ናይ ንግዲ ነፋሪት ከተብርር ትኽእለሉ ትምህርቲ ትወስድ ኣላ።

እቲ ዝሓለፈቶ ሽዱሽተ ዓመታት ግን ንማያ ምቹእ ኣይነበረን።

ማያ ናብ ከተማ በርኒግሃም ምስ ኣተወት፡ ትምህርታ ክትቅጽል እዩ ተስፍኣ ነይሩ፡ እዚ ግን ብቀሊል ዝርከብ ኣይነበረን።

ጓል 22 ዓመት ኮይና ዘላ ማያ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ከምዝመስለኒ ካብ ሶርያ ከም ዝመጽኣኹ ምስ ፈለጡ፡ ጠቅሊለ ዘይተማሃርኩን ናብ ዓበይ ብሪጣንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝመጽኣኹን እዩ መሲልዎም፡ ክኸውን ግን ኣይነበሮን" ኢላ።

ተስፋ ዘቁርጽ ኩነት

ማያ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ድሮ ኣብ ሶርያ እንከላ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዛዚማ'ኳ እንተነበረት በቲ ዝነበራ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትምህርታ ክትቅጽል ኣይተፈቐዳን።

ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ብፊዚክስን ብቁጽርን ክትፍተን እኳ እንተኣመልከተት ተቐባልነት ግን ክትረክብ ኣይከኣለትን።

ማያ ጋዛል

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/ Andrew McConnell

ዩኤንኤችሲኣር፡ ማያ እቲ ካብ ሶርያ ዘምጽኣቶ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት [ሰርቲፊኬት] ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍልጦ ስለዘይተውሃቦ ብዝነበራ ደረጃ ትምህርታ ክትቅጽል ከምዘይተፈቐዳ እዩ ዝሕብር።

"ዝኾነ ሰብ ዛንታይ ክሰምዕ ድሉው ኣይነበረን፡ እዚ ኸኣ ብኸቢድ ጸልዩኒ'ዩ፡ ናብ ትምህርቲ ከይደ ምቕባል ምስ ኣበዩኒ ተስፋ ይቆርጽ ነይረ" ትብል ማያ።

ብመሰረት ካብ ዩኤንኤችሲኣር ዝተረኸበ ሓበሬታ 6.6 ሚልዮን ሶርያውያን ኣብ ስደት ክህልዉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም 20 ሽሕ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሕቶ ዕቑበኦም ዝጸደቐሎም እዮም።

ማያ ብምስዓብ "ኣብ ዜናታት ካብ ዝርእይዎን ዝሰምዕዎን፡ ገለ ሰባት ስደተኛታት ሰልዶም ክሰረቅዎም ዝመጽኡ ዝመስሎም ኣሎ፡ ኣነ ብነብሰይ ጥራይ ሓሲበ ኣይኮንኩን ዝዛርብ ዘለኹ፡ ከምኡ ክኸውን'ውን ኣይደልይን እየ፡ እታ ስደተኛ ትብል ቃል ኣብ ነብስኻ ክትለግብ እንከላ ግን ንኽትለምዳ ቀላል ኣይኮነትን"

'ብዙሕ ለውጥታት'

ማያ ጋዛል ኣብ ህጻንነታ

ምንጪ ስእሊ, Maya Ghazal

ማያ ንእሽተይ እንከላ፡ ስራሓ ምስ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ክተሓሓዝ እያ ትሓልም ነይራ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ፖሎቲካዊ ስነፍልጠት ብምጽናዕ ናይ ሃገራ ኣምባሳደር ክትከውን ናይ ወትሩ ሕልማ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገራ ዝተኸሰተ ኵናት ሓድሕድ ዝነበራ ተስፋ በኒኑ።

ኣብ ሶርያ እንከላ ዘሕለፈቶ እዋን ቁልዕነትን ስሙር ጉርብትናን ግን ክሳብ ሕጂ እያ ትዝክሮ።

ኣቡኣ ኣብ ጫፍ ከተማ ደማስቆስ ፋብሪካ ክዳውንቲ ዝነበሮ ብዓል ጸጋ እዩ ነይሩ፡ እታ ከተማ ብዕጡቓት ምስ ተኸበበት ግን ዝነበረቶ ገዲፉ ካብታ ሃገር ካብ ምስዳድ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይነበሮ ማያ ትገልጽ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብምኻድ ኸኣ ዑቕባ ሓቲቱ።

ማያ ምስ ኣዲኣ ድሕሪ ምትራፋ ምስቲ ዝነበረ ኵናት ብምትሕሓዝ ትምህርታ ንምዝዛም ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ክተቐያይር እያ ተገዲዳ።

ኣብ 2015 ግን እታ ኣብ ሶርያ ተሪፋ ዝነበረት ስድራ ጽቡቕ ህይወት ኣለዎ ናብ ዝበለቶ ዓባይ ብሪጣንያ ኣምሪሓ፡ ንማያ ግን ዘይከምዝሓሰበቶ ኩሉ ዝኳሕኳሓቶ መዓጹ ተረጊጡ'ዩ ጸኒሕዋ።

ማያ ጋዛል ኣብ ህጻንነታ

ምንጪ ስእሊ, Maya Ghazal

ብደረጃ ዓለመ 83 ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ትምህርቲ ዕድል ተነፊግዎም እዩ ዘሎ።

ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ዝውስኸሉ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድሎም ኸኣ እናቀሃመ ከምዝመጽእ ዩኤንኤችሲኣር ይሕብር።

ብደረጃ ዓለም 37 ሚኢታዊት ካብ ዘይስደተኛታት ዕድል ናይ ዝልዓለ ትምህርቲ ክረኽቡ እንከለዉ ካብ ስደተኛታት ግን እቶም 3 ሚኢታዊት ጥራይ እዮም ነዚ ዕድል እዚ ዝረኽብዎ።

ማያ "እቲ ተደጋጋሚ ምንጻግን ብተደጋጋሚ ንዓይ ኣትሒትካ ምርኣይን እቲ ዝያዳ ሓይሊ ዝሃበኒ ሮቋሒ'ዩ" ትብል።

ናይ ኣንፈትለውጢ

ማያ ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ብዲፕሎማ ምህንድስና ክትምሃር ዕድል ረኺባ ናብ ዩኒቨርሰቲ ንኽትኣቱ ንኸተመልክት ምስ ኣዲኣ ናብ ሎንዶን ኣብ ዝኸደትሉ ጥቃ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮው'የን መደቀሲ ሒዘን ነይረን።

ኣብ ሆቴላ ኮይና ኸኣ ነተን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓልባ ዝበራ ነፈርቲ ብኣንክሮ ክትዕዘበን ጀሚራ፡ ብቅጽበት ኣብ ርእሳ ዝኳሳሕኮሐ ተምሳጥ፡ ኣብራሪት ነፋሪት ንኽትከውን ሓዲሽ ሕልሚ ኣስሪጽላ።

ሕልማ ክውን ክትገብር ኣብ እተበገስትሉ ግን ገለ የዕሩኹታን ቤተሰባን "ጓል ኣንስተይቲ ኢኺ ንምንታይ ኢኺ ፓይሎት ክትኮኒ መሪጽኪ? መንከ ከስርሓኪ'ዩ" ይብልዋ ምንባሮም ማያ ትዝክር።

ማያ ጋዛል

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/ Andrew McConnell

ብመሰረት ካብ 'ኣየር ላይን ፓይሎትስ ኣሶሴሽን' ዝተረኸበ ሓበሬታ ምብራር ነፈርቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተባሕተን ዝተዓብለለን ስራሕ ኮይኑ፡ 20 ሚኢታዊት ጥራይ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ይሕብር።

ማይ ኸኣ ከም ሕልማ ኣብ 2017 ኣብ ዩኒቨርስቲ ሎንዶን ናይ 'ኣቭየሽን' ክትምሃር ተቀባልነት ረኺባ።

ኣብ ትርፊ ሰዓታታት እናሰረሕት፡ ካብ ሰብ እናተለቀሐትን ወጻኢታታ ብምንካይን ኸኣ ንትምህርቲ ዝኾና ሰልዲ ኣብ ምውህላል ተጸሚዳ።

"እታ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ነፋሪት ዝተሳፈርኩላ፡ ሓቂ ክዛረብ ኣይፈተኽዋን፡ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣይነበረን" ትብል ማያ።

ብምቅጻል "እዝነይን ርእሰይን ቃንዛ ገይሩለይ፡ ናብ ሰማይ ክንበርር ጀሚርና እታ ራድዮ እንታይ ትብል ከምዘላ ግን ክሰምዓ ኣይክኣልኩን" ትውስኽ።

ማያ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ትኣቱ ኣብ ራብዓይ ዓመታ ግን ንበይና ነፋሪት ከተብርር ጀሚራ።

በይና ነፋሪት ከተብርር ኣብ ዝተዳለወትሉ፡ ካብ ክፍሊ መቆጻጸሪ ምስ ነፋሪታ ዝራኸብ ዝነበረ ሬድዮ ርከብ ሽማ ምስ ጸውዓ፡ ውሽጣ ብሓበን ምልእ ኢሉ።

"እታ ንመጀመርታ ግዜ ንበይነይ ዝበረርኩላ ሓጻር እያ ነየራ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፊ ነፈርቲ ኮሊለ እየ ዓሊበ፡ ኣዝዩ ህንጡዩነት ዝነበሮ እዩ ነይሩ ኣብ ውሽጠይ ግን ፉሕ ፉሕ ዝብል ሓጎስ'ዩ ዝፍልፍል ነይሩ" ብምባል ትዝክር ማያ።

ንሕልሚ ሕልሚ ምስ ተደመሮ

ማያ ኣብ ዲግሪ 2:1 እያ ረኺባ፡ ካብዚ ብምብጋስ ትምህርታ ብማስተርስ ዛዚማ ኣብራሪት ዓብይቲ ነፈርቲ ክትከውን ሃቂና'ያ ትሰርሕ ዘላ።

ነዚ ንምግባር ብውሕዱ 150 ሰዓታት ናይ በረራ ግዜ ከተመዝግብ ኣለዋ፡ ነዚ ንምግባር ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ሰዓት ካብ 200 ክሳብ 275 ፓውንድ ከድልያ እዩ።

ማያ ጎኒ ጎኒ ትምህርታ ኣብ ጉዳያት መሰል ስደተኛታት'ውን ትነጥፍ'ያ፡ ከም መርኣይኡ ኸኣ ሎሚ ዓመት ብዩኤንኤችሲኣር ናይ ክብሪ ኣምባሳደርነት ተዋሂብዋ ኣሎ።

ማያ ጋዛል

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/Lana Corrine

ኣጂንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ኮቪድ ዝሰዓበ እገዳታት ናይ መገሻ ምስ ተላዓለ፡ ማያ ናብ ዝተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታት ብምኻድ ዝሓለፈቶ መሰናክልን ዘመዝገበቶ ዓወትን ንስደተኛታት ተመክሮኣ ከተካፍል'ያ ትደሊ።

ማያ ትምህርቲ ልክዕ ከም መግብን ማይን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ቀዳምነት ሂባ ክትሰርሓሉ እትደሊ ነገር ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰደተኛታት ዘለዎም ኣጠማምታ ንምቕያር ምዃኑ ትጠቅስ።

"ንስደተኛታት ምሕጋዝ እቲ ዝቐለለ ነገር እዩ፡ እዚ ካብ ፍሽኽታ እዩ ዝጅምር፡ ነቲ ዝነብርዎ ዘለዎ ከተማ ኣብ ምፍላጥ ከምኡ እናበለ ኸኣ ሞያ ከጥርይሉ ዝኽእሉ ዓውዲ ኣብ ምጥጣሕን ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ክዓቢ ይኽእል" ትብል።

ማያ፤ እቲ ንሳ በጺሓቶ ዘላ ንካልኦት ተስፋን ምንቅቃሕን ክፈጥር ከምዝኽእል እያ ትሕብር።

"ሰባት ዓወት ብቀሊል ከምዘይመጽእ ክነግሮም ይደሊ'የ፡ ኣነ ካብ ሶርያ ካብ ማእከል ኩናት ሓድሕድ መጺአ ስደተኛ ዝነበርኩ ሰብ እየ፡ መጀመርታ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ መጻእኩ፡ ሓደ መሰናክላት ሰጊሩ ናብ ዓወት ዝበጽሐ ኣርኣያ ዝኾነኒ ሰብ ይደሊ ነይረ'የ" ትብል።

ብምስዓብ "ሰብ ተስፋ ክቆርጽ ከምዘይብሉ፡ ኣብ ነብሱ ክተኣማመን ከምዘለዎን ስኑ ነኺሱ ክሰርሕ ከምዘለዎ ምዝኽኻር ኣገዳሲ'ዩ" ትውስኽ።

ሰባት ዛንታኣ ኣብ ዝሰምዕሉ ብኣግርሞት ከምዝጥምትዋ እትሕብር ማያ፡ እቲ ናታ ዓወት ሰባት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዎም ኣረዳድኣ ኣብ ምቕያር ክሕግዝ ከምዝኽእል ትትስፎ።

"ስደተኛ ስለዝኾንኩ፡ ጓል ስለዝኾንኩ፡ ሃይማኖተይ ሙስሊም ስለዝኾነን ዓረብ ስለዝኾንኩን ክኸውን ኣይነበሮን ግን፡ ኣብ ልዕለይ ዝነበረ ኣጠማምታ ትሑት እዩ ነይሩ"

ሕጂ ግን ትብል ማያ "ሕጂ ግን ልክዕ ከምዛ ነዛ ነፋሪት ዝቖጻጸራ ዘለኹ ንሕይወተይ'ውን ክቆጻጸራ ክኢለ'የ" ትብል ብሓበን።

መግለጺ ቪድዮ, ማሕለኻ ደቂ ኣንስትዮ፡ ወርሓዊ ጽግያት