ኢራናውያን ስድራ፡ ደሃይ ግዳያት ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ንምፍላጥ ኣብ ትፅቢት ኣለው።

ስድራ ግዳያት ደሃይ ንምፍላጥ ተኣኻኺቦም ይርከቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ስድራ ግዳያት ደሃይ ንምፍላጥ ተኣኻኺቦም ይርከቡ

መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ከምዝፀብፀቦ ኣብ ጎቦታት ዝግሮስ ዝወደቐት ነፋሪት አለሻ ቀፂሉ ውዒሉ።ሎ

ስድራ ናይቶም ብሰንበት ኣብ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ዝነበሩ 66 ሰባት፤ ደሃይ መቕርቦም ንምፍላጥን ንምቕባፅን ኣብ ትፅቢት ፀኒሖም'ዮም።

ነፋሪት መገዲ ኣየር 'ኣሰማን' ኣብ ጎቦታት ዝግሮስ'ያ ተሓምሺሻ። ኩሎም ተሳፈርታ ከምዝሞቱ ድማ ይእመን።

ትማሊ ሰንበት ዝተገበረ ፈተነ ኣለሻ ብሰንኪ ከቢድ ኩነታት ኣየር ተቛሪፁ።

እታ ካብ ቴሄራን ናብታ ኣብ ደቡብ-ምዕራብ እትርከብ ከተማ ያሱጅ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ካብ መሬት ምስተልዓለት ድሕሪ ሓደ ሰዓት'ያ ተሓምሺሻ።

ATR 72-500

ምንጪ ስእሊ, Mehrad Watson

መግለጺ ስእሊ, እታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ስርሓት ፈረንሳይ-ጥልያን ነይራ

እታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት 25 ዓመት ከምዘገልገለት ትካል ሲቪል ኣቪየሽን ኢራን ኣፍሊጡ።

60 ተጓዓዝቲ፣ ክልተ ኣካለት ፀጥታ፣ ክልተ ሰራሕተኛታት በረራ፣ ፓይለትን ሓጋዚኡን ኣብታ ነፋሪት ነይሮም።

ፕረዚደንት ኤራን ሓሰን ሮሃኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ሓደጋ "ከቢድ ጓህን ሓዘንን" ዝፈጠረ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ተደጋገምቲ ሓደጋታት ምሕምሻሽ ነፈርቲ ዘጋጥማ ኢራን፤ ዝኣረጋ ነፈርቲ ከምእትጥቀም ይዝረበላ።