ኢራናውያን ስድራ፡ ደሃይ ግዳያት ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ንምፍላጥ ኣብ ትፅቢት ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ከምዝፀብፀቦ ኣብ ጎቦታት ዝግሮስ ዝወደቐት ነፋሪት አለሻ ቀፂሉ ውዒሉ።ሎ
ስድራ ናይቶም ብሰንበት ኣብ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ዝነበሩ 66 ሰባት፤ ደሃይ መቕርቦም ንምፍላጥን ንምቕባፅን ኣብ ትፅቢት ፀኒሖም'ዮም።
ነፋሪት መገዲ ኣየር 'ኣሰማን' ኣብ ጎቦታት ዝግሮስ'ያ ተሓምሺሻ። ኩሎም ተሳፈርታ ከምዝሞቱ ድማ ይእመን።
ትማሊ ሰንበት ዝተገበረ ፈተነ ኣለሻ ብሰንኪ ከቢድ ኩነታት ኣየር ተቛሪፁ።
እታ ካብ ቴሄራን ናብታ ኣብ ደቡብ-ምዕራብ እትርከብ ከተማ ያሱጅ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ካብ መሬት ምስተልዓለት ድሕሪ ሓደ ሰዓት'ያ ተሓምሺሻ።

ምንጪ ስእሊ, Mehrad Watson
እታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት 25 ዓመት ከምዘገልገለት ትካል ሲቪል ኣቪየሽን ኢራን ኣፍሊጡ።
60 ተጓዓዝቲ፣ ክልተ ኣካለት ፀጥታ፣ ክልተ ሰራሕተኛታት በረራ፣ ፓይለትን ሓጋዚኡን ኣብታ ነፋሪት ነይሮም።
ፕረዚደንት ኤራን ሓሰን ሮሃኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ሓደጋ "ከቢድ ጓህን ሓዘንን" ዝፈጠረ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ተደጋገምቲ ሓደጋታት ምሕምሻሽ ነፈርቲ ዘጋጥማ ኢራን፤ ዝኣረጋ ነፈርቲ ከምእትጥቀም ይዝረበላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







