ቺለ፡ 38 ተሳፈርቲ ዝሓዘት ወተሃደራዊት ነፋሪት ጠፊኣ

ምንጪ ስእሊ, File photo
ሓይሊ ኣየር ቺለ፡ 38 ሰባት ሒዛ ናብ ኣንታርቲካ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪቱ ከም ዝጠፈአት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እዛ ሲ-130 ዝዓይነታ ጉዕዞ ነፋሪት፡ ካብ ፑነታ ኣሬና ብኣቆጻጽራ ቺለ ሰዓት 4:55 ናይ ምሸት ምስ ነቐለት ሰዓት 6:00 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ማእከል ምቁጽጻር በረራ ዝነበራ ርክባት ከም ዘቋረጸት እቲ መግለጺ ይሕብር።
ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ እቶም 17 ኣባላት ክፍሊ በረራን፡ 21 ተሳፈርትን ጂስቲካዊ ቀረባት ንምብጽጻሕ'ዮም ዝጓዓዙ ነይሮም።
ሓይሊ ኣየር ቺለ፡ ነዛ ዝጠፈአት ነፋሪት ናይ ምድላይ መስርሕ የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኢ.ኤፍ.ኢ ዝተባሃለ መደበር ዜና ሰለስተ ካብቶም ተሳፈርቲ ሲቪል ምኳኖም ጠቒሱ ኣሎ።
ሰብ መዚ ቺለ እታ ነፋሪት፡ ኣብ ደሴት ንጉስ ጆርጆ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ፕረዚደንት ኢድዋርዶ ፍረይ ሞንታለቫ ተበጊሳ እናበረረት እነከላ ከም ዝጠፈአት እዮም ዝሕብሩ።
ፕረዚደንት ቺለ ሰበስትያን ፒነረ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ምጥፋእ ናይዛ ነፋሪት 'ከም ዘርመሞ' ብምሕባር፡ ነቲ ናይ ምድላይ መስርሕን ቀጻሊ ምዕባለታቱን ኣብ ርእሰ ከተማ ሳንትያጊ ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ይከታተሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







