ቺለ፡ 38 ተሳፈርቲ ዝሓዘት ወተሃደራዊት ነፋሪት ጠፊኣ

ዋንነት ሓይሊ ኣየር ቺለ ዝኾነት ሲ-130 ዝዓይነታ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, File photo

መግለጺ ስእሊ, ዋንነት ሓይሊ ኣየር ቺለ ዝኾነት ሲ-130 ዝዓይነታ ነፋሪት

ሓይሊ ኣየር ቺለ፡ 38 ሰባት ሒዛ ናብ ኣንታርቲካ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪቱ ከም ዝጠፈአት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እዛ ሲ-130 ዝዓይነታ ጉዕዞ ነፋሪት፡ ካብ ፑነታ ኣሬና ብኣቆጻጽራ ቺለ ሰዓት 4:55 ናይ ምሸት ምስ ነቐለት ሰዓት 6:00 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ማእከል ምቁጽጻር በረራ ዝነበራ ርክባት ከም ዘቋረጸት እቲ መግለጺ ይሕብር።

ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ እቶም 17 ኣባላት ክፍሊ በረራን፡ 21 ተሳፈርትን ጂስቲካዊ ቀረባት ንምብጽጻሕ'ዮም ዝጓዓዙ ነይሮም።

ሓይሊ ኣየር ቺለ፡ ነዛ ዝጠፈአት ነፋሪት ናይ ምድላይ መስርሕ የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኢ.ኤፍ.ኢ ዝተባሃለ መደበር ዜና ሰለስተ ካብቶም ተሳፈርቲ ሲቪል ምኳኖም ጠቒሱ ኣሎ።

ሰብ መዚ ቺለ እታ ነፋሪት፡ ኣብ ደሴት ንጉስ ጆርጆ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ፕረዚደንት ኢድዋርዶ ፍረይ ሞንታለቫ ተበጊሳ እናበረረት እነከላ ከም ዝጠፈአት እዮም ዝሕብሩ።

ፕረዚደንት ቺለ ሰበስትያን ፒነረ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ምጥፋእ ናይዛ ነፋሪት 'ከም ዘርመሞ' ብምሕባር፡ ነቲ ናይ ምድላይ መስርሕን ቀጻሊ ምዕባለታቱን ኣብ ርእሰ ከተማ ሳንትያጊ ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ይከታተሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።