ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ዝካየድ ውግእ ደማዊን ወሳንን ክኸውን ትጽቢት ይግበር

ወተሃደራት ዩክረይን ምስ ታንኮም
መግለጺ ስእሊ, እቲ ደማዊ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ወግኣት ድማ ኣብዞም ቃልዕ ጎላጉል ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ

ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዩክረይን ዝርከብ ህዝቢ፡ ሩስያ ኣብቲ ከባቢ ከተካይዶ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ስርሒታት ከተሐይሎ ምዃና ንጹር ኮይኑ'ሎ። ዋላ፡ ነቶም ኣብ ጎደናታት ዘለዉ ኣኻልብ'ውን ርዱእ'ዩ ዝመስል፡ ካብ ርሑቕ ድምጺ ከቢድ ብረት ክስማዕ ከሎ ከይተረፈ ክነብሑ ይስምዑ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ድሮ ካብቲ ዞባ ናብቲ ብተዛማዲ ዝሃድአ ምዕራባዊ ክፋል ዩክረይን ሃዲሙ'ሎ። ሕጂ'ውን ነዊሕ ወተሃደራዊ ቃፍላይ ሩስያ ኣብ ሳተላይት ተራእዩ ኣሎ- ናብቲ ዞባ እናምርሐ።

ዩክረይን'ውን ብወገና፡ ድሩዓት መካይንንን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጸረ-ነፍርቲን ዝርከቦ ተወሳኺ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ናብቲ ከባቢ ኣንቀሳቒሳ'ላ። ክንድቲ ናይ ሩስያ ዝኸውን ግን ኣይኮነን።

ምናልባት ናይ ዩክረይን ምንቅስቓስ ስልታዊ ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይኽእል ወይ'ውን እቲ ዝድለ ቀረብ ዘይምህላዉ ዘንቀሎ ክኸውን ይኽእል። ክልቲኡ ምኽንያታት ኣብ ሓደ ህሞት ክኸውን'ውን ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዝካየድ ውግእ ደማውን ንውጽኢት ናይቲ ኲናት ዝውስንን ክኸውን ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ትጽቢት ይገብሩ።

ወኪል ቢቢሲ ኣብቲ ዞባ ጆናታን ቢል፡ ነቲ ኣንጻር ሓይልታት ሩስያ ከበድቲ ብረታት ዝትኮሰሉ መከላኸሊ መስመራት ክዕዘብ ሰራዊት ዩክረይን ኣፍቂዱሉ ነይሩ። ናብቲ ቦታ ብማእከል ሕርሻታትን ጎላጉልን ብድሩዓት መካይን ጥራይ ኢኻ ክትከይድ እትኽእል። እቲ ደማዊ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ወግኣት ድማ ኣብዞም ቃልዕ ጎላጉል ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ። ንሓይልታት ዩክረይን እቲ ድሮ ኣቐዲሞም ዝዃዓትዎ መከላኸሊ ድፍዓት ኣብ ረብሓኦም ከየውዓልዎ ኣይተርፉን።

እቶም ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ጋዜጠኛታት፡ ነፈርቲ ሩስያ ንምቁማት ንሰማያት ኣንቃዕሪሮም'ኳ እንተተጸበዩ፡ ጸረ-ነፈርቲ ዩክረይን ግዲ ኣስጊእወን ተወዝ ኣይበላን። ኣብቲ ከባቢ ሓንቲ ራዳር፡ ተወንጫፊ ሮኬታትን ጸረ-ነፈርቲን ዝተሓንገጠት ወተሃደራዊ መኪና ተዓዚቦም። ክስእልዋ ግን ኣይተፈቕደሎምን።

ተንቀሳቃሲ ስልታዊ ሚሳይል
መግለጺ ስእሊ, ብሃገራት ምዕራብ ዝተለገሰ ስቲንገር ዝዓይነቱ ጸረ-ነፈርቲ ዝርከቦ ተወሳኺ መከላኸሊ ሚሳይላት'ውን ኣብቲ ቦታ ይርአ

ብሃገራት ምዕራብ ዝተለገሰ ስቲንገር ዝዓይነቱ ጸረ-ነፈርቲ ዝርከቦ ተወሳኺ መከላኸሊ ሚሳይላት'ውን ኣብቲ ቦታ ይርአ። ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናትን) ነፈርቲ ውግእን ሩስያ፡ እንተ ኣጥቂዐን ድሉው ኮይኑ ክጸንሕ ምእንቲ ካብ ሳናዱቑ ወጺኡ ይርአ።

ከምዚኦም ዓይነት ብረታት ኣብቲ ኲናት ዓቢ ግደ'ዮም ተጻዊቶም- ዋላ'ኳ ሩስያ ሰማያት ናይ ምዕብላል ብልጫ እንተለዋ፡ ምሉእ ብምሉእ ግን ክትቆጻጸሮ ኣይትኽእልን'ያ።

ከበድቲ ብረታት ዩክረይን'ውን ክሳብ ሕጂ ውጽኢታዊ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ። ኣብ ቀንዲ ነዊሕ ቃፍላይ ከቢድ ብረት፡ ብቐሊሉ ብቕልጡፍ ክንቀሳቐስ ዝኽእል ስልታዊ ኣሃዱታት ከቢድ ብረት ዝተመቓቐለ'ዩ። ዋላ'ኳ ሩስያ ዓቢ ሰራዊት እንተለዋ፡ ምስጢር ሓይልታት ዩክረይን ግን ኣብ ኣቐዲሙ ምድላዋት ዝተገብረሉ መከላቐሊ መስመራትን ቅልጣፈ ምንቅስቓስን ዝምርኮስ'ዩ።

ሓደ ቮሎድሚር ዝተባህለ ዩክሬናዊ ወተሃደር ከምዝበሎ፡ ዒላማ መጥቃዕትታት ሩስያ ንዘይምዃን ብቐጻሊ ናይ ቦታ ምቅይያር ይገብሩ።

"ኣብ ሓደ ቦታ ንልዕሊ ሒደት መዓልታት እንተገይርና፡ ዒላማ ኢና ንኸውን" ድማ ይብል። እቲ ወተሃደር ካብ ዝገለጾ ኣገዳሲ ፍልልያት ድማ፡ ደብዳባት ዩክረይን ንሓይልታት ሩስያ ዒላማ ክገብሩ እንከለዉ፡ ደብዳባት ሩስያ ግን ንከተማታት ዒላማ ዝገበረ'ዩ።

"ህዝቢ ንምሽባር ንከተማታትና ይድብድቡ ኣለዉ። ህዝብና ተስፋ ክቖርጽ'ዮም ዝደልዩ" ከኣ ይብል።

ዩክረይን ውጽኢታዊ መከላኸሊ መስመራትን ከበድቲ ብረታትን ስጋብ ዝሃለዋ፡ ገስጋስ ሩስያ ቀሊል ኣይክኸውንን'ዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ዞባ ተመጣጣኒ ወተሃደራዊ ሓይሊ'ዮ ጸኒሕዎም- ካብ 30 ክሳብ 40 ሽሕ ወተሃደራት ዝኣክል።

ምዕራባውያን ሰበስልጣን ከምዝብልዎ ግን፡ ሩስያ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ሓይላ፡ ብክልተ ወይ ሰለስተ ዕጽፊ ንምውሳኽ ትህቅን ኣላ። ነዚ ንምግባር እኹል ግዜ ከምዘድልያ ግን ከይጠቐሱ ኣይሓለፉን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር፡ ሩስያ 20 ሚኢታዊ ካብ ሰራዊታ ከሲራ ኣላ።

ካልእ ብልጫ ዩክረይን ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓይልታታ ብውግእ ዝተሞኮሩ እዮም። ቅድሚ ወራር ሩስያ፡ ን8 ዓመታት ኣንጻር ብሩስያ ዝድገፉ ተነጸልቲ ሓይልታት ክዋግኡ ጸኒሖም'ዮም። ኣብ ዝተሃደመ መከላኸሊ ድፋዓት ኣዝጊቦም ይርከቡ። ዋላ'ኳ ድኻም ዝራኣዮም እንተኾነ፡ ሞራሎም ግን ልዑል'ዩ ዝመስል።

ዩክረይን ብዛዕባ ምንቅስቓስ ሓይልታት ሩስያ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት እትረኽቦ እዋናዊ ስለያዊ ሓበሬታ'ውን ካልእ ብልጫ'ዩ። ዋላ'ኳ ዝርዝር ሓበሬታ ክህቡ እንተዘይደለዩ፡ ሰበስልጣን ምዕራብን ዩክረይንን እቲ ሓበሬታ ከምዝወሃብ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ይኹን እምበር፡ ሕጂ'ውን ሩስያ፡ ዋላ'ኳ ከቢድ ክሳራ የጋጠማ 'ምበር፡ ሕጂ'ውን ናይ ቁጽሪ ጸብለልታ ኣለዋ። ንርእሰከተማ ኪቭ ንምሓዝ ዝተኻየደ ስርሒታት ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ናብ ምብራቕ ተንቀሳቕስ ኣላ። ኣብ ዝወሓደ ግንባራት ትዋጋእ ምሃላዋ'ውን፡ ነቲ ዝተመቓቐለን ነዊሕን መስመራት ሎጂስቲክ ከጽብቦ'ዩ።

ንሓይልታት ዩክረይን ዘለዎም ካልእ ብድሆ ድማ፡ ውሽጣዊ ጸላኢ እዩ። ኣብ ከተማ ክራማቶርስክ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ምስ ሓደ ከዳዓት ንምህዳ ንዝወፈረ ጉጅለ ሓለዋ ፖሊስ ተንቀሳቒሶም ነይሮም።

ኣብቲ ዞባ ካብ ካእል ክፋል ዩክረይን ንላዕሊ ንሩስያ ዝድግፍ ስምዒታት ኣሎ። ፖሊስ፡ ንገለ ተሓባበርቲ ሩስያ ከይኮኑ ዝጠርጠርዎም ውልቀሰባት ደው ኣቢሎም መንነቶም ክሓቱን ቴለፎናቶም ክፍትሽዎምን ይርኣዩ። ሓበሬታ ይኹን ብዛዕባ መከላኸሊ መስመራት ዩክረይን ዘርእዩ ስእልታት ንሩስያ ከይህቡ'ዩ ስግኣቶም።

ሓላፊ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ከምዝበሎ፡ ኣብ ቀይዲ ዘእትውዎም ሰባት፡ መብዛሕትኡ ናብ ትካላት ስለያ'ዮም ዘሰጋግርዎም።

"ኣብ ርእሶም እንታይ ከምዘሎ ኣይርዳኣንን'ዩ. . .ምናልባት ናይ ሩስያ ፕሮፖጋንዳ ክኸውን ይኽእል? ድሕሪ'ቲ ኲናት ዩክረይን ብዛዕባ'ቶም ምስ ሓይልታት ጎበጣ ዝተሓባበሩ ሰባት እንታይ ክትገብሮም ከምእትኽእል ክትሰርሓሉ ከድልያ'ዩ" ይብል ኮለነል ኣለክሳንደር ማሊሽ።

ሓያሎ ከተማታት ምብራቕ ዩክረይን ብነፈርቲ ውግእ፡ ከበድቲ ብረታትን ሚሳይላትን ሩስያ ተደብዲበን'የን። ኣብ መካነ መቓብር ናይታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መደበር ባቡር ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ 50 ሰባት ዝተቐትሉላ ከተማ ክራማቶርስክ፡ ሓደስቲ መቓብራት ይኳዓቱ ኣለዉ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ሓደ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተቀትለ ግዳይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክካየደሉ ተዓዚቦም።

ወዲ 34 ዓመት ኣለክሳንደር ቲስለንኮ፡ ኣብ ግንባራት ምስ ፍሉይ ኣሃዱ ዩክረይን እናተዋግአ እንከሎ'ዩ ተቐቲሉ። ኣዲኡ፡ ታቲያና፡ ቅድሚ ምቕታሉ እቲ ዝነበረሉ ቦታ ብግራድ ሚሳይላት ሩስያ ይድብደብ ምንባሩ'ዩ ተነጊሩዋ።

ታቲያ: እንኮ ውላዳ ኣብቲ ኲናት ዝሰኣነት ዩከሬናዊት ኣደ
መግለጺ ስእሊ, እንኮ ውላዳ ኣብቲ ኲናት ዝሰኣነት ዩከሬናዊት ኣደ

ታቲያና፡ ስእሊ ወዳ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብባንዴራ ዩክሬን ዝተጎልበበ ሰንዱቕ ሬሳ ሒዛ፡ ዘየቋርጽ ብኽያታ ቀጺላ። ኣለክሳንደር እንኮ ውላዳ'ዩ ነይሩ።

ብድሕሪ'ቲ ቀብሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ወድና ሂወቱ ንሃገሩ ዩክረይን ወፊይዋ ኣሎ። ብእኡ ኣዝየ እሕበን፡ ግና ዓቢ ክሳራ'ዩ። ኣብ ዘመነ ሂወተይ ክርስዖ ዘይክእል ክሳራ'ዩ። ንፑቲን'ዩ ዝረግሞ" ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት፡ ብዙሓት ከም ታቲያና ዝበላ ኣዴታት ዩክረይንን ሩስያን ክሓዝና እየን። እዚ ዝቕጽል ገጽ ናይቲ ኲናት ንክልቲኦም ወገናት ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን'ዩ። ክልቲኦም ከቢድ ክሳራ ከየጋጠሞም ኣይተርፍን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ወሳኒ ክኸውን'ዩ።