ወራር ዩክሬን፡ ፑቲን ነታ ናይ ኑክሌር መልጎም ይጥውቓ ዶ ይኸውን?

መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency via Getty Images

ብንስሃ ክጅምር እሞ፤ ንብዙሕ እዋን፡ "ፑቲን እዚ ክገብር ኣይኽእልን" ኢለ እሓስብ ነይረ፡ ንሱ ግና ከይዱ ገይርዎ።

"ንክሬምያ ብፍፁም ኣይጎብጣን፡ ብሓቂ?" ኢለ ነይረ፡ ገይርዎ፡ ጎቢጥዋ።

"ኣብ ዶንባስ (ደቡብባዊ ምብራቕ ዩክሬን) ኵናት ኣይኸፍትን" ነዚ'ውን ውዒልዎ።

"ንሱ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሙሉእ ወራር ኣይክኸፍትን" ግና ሕዚ ንዩክሬን ወሪርዋ ኣሎ።

ስለዚ " 'ብፍፁም ኣይውዕሎን' ዝብል ሓረግ ኣብ ቭላድሚር ፑቲን ኣይሰርሕን" ኢለ ወዲአ ኣለኹ።

እዚ ድማ ምቾት ዘይብሉ ሕቶ ኣስዒቡ ኣሎ።

"ፍፁም ንመልጎም ኒዩክለር ቀዲሙ ክፀቅጥ ኣይኽእልን። ፑቲን ንመልጎም ኒዩክለር ክፀቅጥ'ዶ ይኾን?"

እዚ ሱቕ ኢሉ ክልሰ ሓሳባዊ ሕቶ ኣይኮነን። መራሕቲ ኔቶ ኣብ ልዕሊ ሩስያ "ተጻባኢ መግለፂ" የውፅኣ ኣለዋ ዝበለ መራሒ ሩስያ ፑቲን፡ ኣስዒቡ ሓይሊ ኑክለር ሃገሩ ብፍሉይ ኣብ ተጠንቀቕ ክቖሙ ኣዚዙ።

ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" (ኣብ ባይታ ግና ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሙሉእ ወራር'ዩ ፈፂሙ) ከምዝጀመረ ከፍልጥ እንከሎ፡ ተስፋ ዘቑርፅ መጠንቀቕታ'ዩ ኣሕሊፉ።

"ካብ ደገ ኢድ ንምእታው እትሓስቡ፡ እንተድኣ ጦብሎቕ ኢልኩም ኣብ ታሪኽኩም ርኢኹሞ ዘይትፈልጡ መዘዝ ከጋጥኩም'ዩ" ኢሉ።

ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ኤዲተር ጋዜጣ ኖቫያ ዲምትሪ ሙራቶቭ፡ "ቃላት ፑቲን ኵናት ኒኩሌር ከምዝስዕብ ብቐጥታ'ዩ ዘጠንቅቕ ኔሩ" ኢሉ'ዩ ዝኣምን።

ኣብቲ ሻቡ ብተለቬዥን ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ፑቲን ከም መራሒ ክሬምሊን ዘይኮነስ ኣርሓ ናይዛ ፕላኔት ከምዝኾነ'ዩ ዝዛረብ ኔሩ፡ ከምቲ እኳ ሓደ ወናኒ ክባር መኪና ቁልፊ መኪንኡ ንምርኣይ ኣብ ኣፃብዕቲ ሒዙ ዘሽከርክሮ።

ፑቲን'ውን ቓታ ኒኩሌሩ'ዩ ዘሽከርክር ኔሩ። ብዙሕ ግዘ ኢልዎ'ዩ፡ "ሩስያ እንድሕር ዘይሃልያ፡ ፕላነት ንምንታይ ተድልየና?" ዋላ ሓደ ግና ኣቓልቦ ኣይገበረሉን።

እዚ ዘረብኡ ግና መጠንቀቕታ'ዩ፡ "እንሕር ሩስያ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ዘይተራእያ፡ ኩሉ ነገር ከምዝዓኑ" ይብል ዲምትሪ ሙራቶቭ።

ኣብ 2018 ኣብ ሓደ ሰነዳዊ ምድላው ፕረዝደንት ፑቲን "… እንተድኣ ዝኾነ ሰብ ንሩስያ ንምፅናት ወሲኑ ግብረ መልሲ ናይ ምሃብ ሕጋዊ መሰል ኣለና። እወ፡ ንወድሰብን ዓለምን መቕሰፍቲ'ዩ ክኾን። ግና ኣነ ዜጋን ፕረዝደንትን ሩስያ እየ። ሩስያ ዘይብላ ዓለም ንምንታይ ንደልያ" ክብል ርኢቶ ሂቡ ኔሩ።

ዓመተ 2022 በፂሕና። ፑቲን ኣንፃር ዩክሬን ምሉእ ወራር ከፊቱ፤ ሓይልታት ዩክሬን ግና ንወራር ሩስያ ንምምካት ብርቱዕ ተጋድሎ ይገብሩ ኣለዉ፤ ሃገራት ምዕራብ'ውን ንክሬምሊን ኣስደሚመንኣ እየን፡ ንቑጠባን ፋይናንስን ሞስኮ ዘልምስ ማዕቐብ ንምንባር ኩለን ሓቢረን።

እዚ ማዕቐብ ንህላወ ስርዓት ፑቲን ኣብ ሕቶ ከእትዎ ይኽእል'ዩ።

ኣብ ሞስኮ መሰረት ዝገበረ ተንታኒ ምክልኻል ፓቨል ፈልግንሀር፡ "ፑቲን ኣብ መዋጥር'ዩ ዘሎ። ብዙሕ ኣማራፅታት የብሉን። ሓንሳብ ምዕራባውያን ንርእሰማል ማእኸላይ ባንኪ ሩስያ ምስ ኣደስከልኦ ፋይናንሳዊ ስርዓት ሩስያ ክዓኑ'ዩ። እዚ ድማ እቲ ስርዓት ዘይሰርሕ ክገብሮ'ዩ" ይብል።

"ንሱ ዝህልዎ ኣማራፂ፡ ሓደ ኣውሮጳውያን ከንሳሕባ ብምትስፋው ናብ ኣውሮጳ ዝልእኾ ነዳዲ ምቁራፅ፡ ካልኣይ ኣማራፂ ድማ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ብሪጣንያን ዴንማርክን ዝርከብ ሰሜናዊ ባሕሪ ኒኩሌር ምትኳስ" ይብል እቲ ተንታኒ።

ግና ቭላድሚር ፑቲን ኣማራፂ ኒኩሌር እንተድኣ መሪፁ፡ ኣብ ጥቕኡ ዘለዉ ከተባብዕዎ'ዶ ክፍትኑ ይኾኑ ወይስ ደው ንከብል ፀቕጢ ክገብሩ ይኾኑ?

ተሸላሚ ኖቤል ዲምትሪ ሙራቶቭ፡ "ፖለቲከኛታት ሩስያ ምስ ህዝቢ ኮይኖም ኣይፈልጡን። ኩሉግዘ ምስ መራሒ ምስወገኑ'ዮም" ይብል።

ኣብ ናይ ቭላድሚር ፑቲን ሩስያ ድማ መራሒ ሓያል'ዩ። ንኹሉ እቲ ስርዓት'ዩ ዝዝውሮ።

ፓቨል ድማ፡ "ኣብ ጎኒ ፑቲን ንምዃን ድሉው ዝኾነ የለን። ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኢና ዘለና" ይብል።

እቲ ኣብ ዩክሬን ተኸፊቱ ኵናት ናይ ፑቲን ኵናት እዩ። እዚ መራሒ ሩስያ ወተሃደራዊ ባህግታቱ እንተድኣ ኣዐዊቱ፡ ዩክሬን ሉኣላዊት ሃገር ኮይና ናይ ምቕፃል መፃኢኣ ኣብ ሕቶ ምልክት'ዩ ዝኣቱ።

ምናልባት ድማ ሩስያ ዘይሓሰበቶ ስዕረት እንተተጎልቢባ፡ ፑቲን ናይ መወዳእታ ኣማራፂ ጌሩ ዝወስዶ ስጉምቲ፡ ንዓለም ኣብ ሓደጋ ዘጥሕል ክኾን ይኽእል።