ቅልውላው ዩክሬይን፡ ምዕራባውያን ንሩስያ ካብ ኣገልግሎት ምንቅስቓስ ባንኪ ‘ስዊፍት’ ኣጊደን

ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሸርፊ ወጻኢ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሸርፊ ወጻኢ

ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኣመሪካን መሻርኽተንን ንባንክታ ሩስያ ካብ ቀንዲ ዓለም ለኻዊ ናይ ክፍሊት ስርዓት ‘ስዊፍት’ ንምእጋድ ተሰማሚዐን፡፡

ናይ ሩስያ ማእከላይ ባንኪ ሃብቲ እውን ዝእገድ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ሩስያ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዘለዋ ገንዘብ ከም ድላያ ከይትጥቀም ዝገብር እዩ፡፡

እቲ ዕላማ ‘‘ሩስያ ካብ ዓለም ለኻዊ ናይ ገንዘብ ስርዓት ክትግለል ዝገብር’’ ሓበራዊ መግለጺ እተን ሃገራት የመልክት፡፡

ንዩክረይን ወሪራ ዘላ ሩስያ፡ ንወጻኢ ሰደድ እትገብሮ ናይ ነዳድን ዘይትን ኣብ ቅልጡፍ ስርዓት ክፍሊት ስዊፍት ዝተመርኮሰ እዩ፡፡

እቲ ማዕቀብ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ጎረቤታ ዩክረየን ኲናት ምእዋጃ ስዒቡ ካብ ዝተነበሩላ ማዕቀባት እቲ ዝሓየለ እዩ፡፡

ብስዊፍት ዝፍለጥ ‘ሶሳይቲ ፎር ዎርልድዋይድ ኢንተርባንክ ፋይናንሻል ቴሌኮምዩኒኬሽን’ ስሉጥ፣ ዶብ ተሳጋሪ ዓለም ለኻዊ ንግዲ ክካየድ ዝሕግዝ ውሑስ ናይ መልእክቲ መተሓላለፊ መንገዲ እዩ፡፡

ኣብ ቤልጅየም ማእከሉ ዝገበረ እዚ ስርዓት፡ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝርከቡ ልዕሊ 11000 ባንኪታት ምልእኣኽ ገንዘብ የሳልጥ፡፡

ቁጠባ ዓለም ኣብ ምድጋፍ ቀንዲ ተራ ዘለዎ ኮይኑ፡ ባዕሉ እገዳ ናይ ምግባር ሓላፍነት ግን የብሉን፡፡

በቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሲዱ ዘሎ ስምቲ እተን ዛጊድ ማዕቀብ ዝተነበረን ትካላት ሩስያ ተጠቃዕቲ ከም ዝኾና ዝተሓበረ ኮይኑ ከም ኣድላይነቱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ትካላት ገንዘብ ሩስያ ክቕጽል ከም ዝኽእል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ጀርመን ኣፍሊጡ፡

ዳርጋ ኩለን ባንኪታት ተጠቀምቲ ስዊፍት ብምዃነን፡ ባንኪታት ነዚ ኣገልግሎት ከይጥቀማ ምኽልካል እቲ ዝኸፍአ ስጉምቲ እዩ፡፡

እቲ ስጉምቲ ኣመሪካ፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ኣውሮጳን ካናዳን ዝተሰማምዓሉ እዩ፡፡

ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ላየን፡ ሃብቲ ማእከላይ ባንኪ ሩስያ ንምልማስ ዝገበረ ውሳነ እታ ሃገር ናይ ኲናት ቅልጽማ ካብ ምጥቃም ክትቁጠብ ዝገብር እዩ ኢላ፡፡

ሕብረት ኣውሮጳን መሻርኽቱን፡ እቲ ባንኪ ስራሕቱ ከየሳልጥን ሃብቱ ናብ ገንዘብ ከይቕይርን ንምግባር ተሰማሚዖም ኣለዉ፡፡

ብተወሳኺ ምስ መንግስቲ ሩስያ ርክብ ዘለዎም ሃፋትም ሩስያውያን፡ ዜግነት ሃገራት ኣውሮጳ ዝረኽብሉን ተጠቀምቲ ፋይናንሳዊ ስርዓት እተን ሃራት ዝኾኑሉን ‘‘ጎልደን ፓስፖርት’’ ከም ዝምንጠሉ ሓቢራ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክረይን ደኒስ ሽሚሃል፡ እቲ ስጉምቲ ‘‘ኣብዚ ጸልማት ሰዓት ዝተገበረ ሓቃዊ ሓገዝ’’ ክብል ንኢዱ፡፡