ቅውላው ዩክሬን፡ ሩስያ፡ ስለምንታይ ሰራዊታ ናብ ዩክሬን ኣንቀሳቒሳ? ፑቲን'ከ እንታይ እዩ ዕላማኡ?
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዛዕባ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ንኣዋርሕ ክኽሕድ'ኳ እንተጸንሐ፡ ሓሙስ 24/02/22 ወጋሕታ ግን 'ፍሉይ' ብዝበሎ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ንዞባ ዶንባስ ዩክሬን ምውቃዕ ከም ዝተጀመረ ገሊጹ። እዚ፡ ብተለቪዥን ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣብ ኪየቭ ርእሰ ከተማ ዩክሬንን ካልኦት ከባቢታት ዝተኻየደ ደብዳብ እዩ ኣሰንይዎ።
ውሳነ ፕረሲደንት ፑቲን፡ 'ሰላም ንምምላስ' ብዝብል እዩ ነቲ ተበጺሑ ዝጸንሐ ውዕል ሰላም ጥሒሱ፡ ወተሃደራቱ ናብቲ ብተቓወምቲ ዩክሬን ዘተታሕዘ ምብራቓዊ ዞባ ክንቀሳቐሱ ኣዚዙ ዘሎ።
ሩስያ፡ ካብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣትሒዛ ብውሕዱ 200,000 ዝዀኑ ወተሃደራታ ናብ ዶባት ዩክሬን ከተጸግዕ ጸኒሓ እያ። እዚ ኸኣ፡ 'ቀዳማይ ስጕምቲ ንወራር' ተባሂሉን፡ ነቲ ዞባ ብስግኣት ወጢርዎ ጸኒሑ እዩ። ከም ሳዕቤኑ'ውን፡ ንሓፈሻዊ ጸጥታዊ ኵነታት ኤውሮጳ ከናግዖ ከም ዝኽእል ይግምገም።
ወተሃደራት ሩስያ ናበይ እዮም ተላኢኾም? ስለምንታይ?
ሩስያ፡ ኣብ 2014 ንዩክሬን ኣብ ዝወረረትሉ እዋን፡ እቶም ብፑቲን ዝድገፉ ተቓወምቲ'ታ ሃገር፡ ንዝሰፍሐ ምዕብራቓዊ ክፋል ተቘጻጺሮም፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ድማ ኣንጻር ሰራዊት ዩክሬን ክቃለሱ ጸኒሖም እዮም።
ሽሕ'ኳ፡ ነዚ ጕዳይ ማእከል ዝገበረ 'ኣህጕራዊ ውዕል ሚንስክ' ተፈሪሙ እንተጸንሐ፡ ፑቲን ወተሃደራቱ ናብተን ክልተ በዞም ተቓወምቲ ዝተታሕዛ ቦታታት ከም ዝለኣኸ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጕተረዝ ከኣ፡ ነቲ ሩስያ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት "ሰላም ንምምላስ" ዝብል ቃል ነጺግዎ።
ሩስያ ኣንጻር 'ታ 44 ሚልዮን ዝህዝባ ምስ ሩስያን ኤውሮጳዊ ሕብረትን እትዳወብ ሃገር ሓድሽ መጥቃዕቲ ክትህንድስ ምጽናሓ እየን ሃገራት ምዕራብ ዝኣምና። ጸብጻባት ከም ዘመልከትዎ፡ ታንክታት ሩስያ 'ዶነስክ' ኣብ ዝበሃል፡ ካብ ዩክሬን ክንጸሉ ዝደልዩ ሓይልታት ዝቘጻጸርዎ ቦታ ክጽግዓ ጸኒሐን፣ ኣጋር ወተሃደራት ሩስያ ኸኣ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ዶብ ዩክሬን ከም ዝተጸግዑ እዋናዊ ሓበሬታ ሳተላይት ከርኢ ጸኒሑ እዩ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ማዕረ ክንደይ ግዙፍ እዩ?
ዩክሬን፡ ነቲ ኣብ ምብራቕ ተካይዶ ዘላ ግፍዒ ደው እንተዘየቢላ፡ ሓላፍነት ናይቲ ክስዕብ ዝኽእል ምፋሳስ ደም ክትስከም እያ? ክብል፡ ፑቲን ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ። እንተዀነ፡ ማዕረ-ማዕረ'ዚ ሩስያ ነቲ ዝደለየቶ መጥቃዕቲ ምኽኑይ ንምግባር ከገልግልዋ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ምሁዛት፡ 'ኣብ ባይታ ዘየለዎ' ፍጻመታት ከተቃልሕ ጸኒሓ እያ።

ፑቲን፡ ምስ ዩክሬን ዘለዎ ሽግር እንታይ እዩ?
ሩስያ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዛ ነቲ ብዩክሬን ዝግበር ናብ ኔቶን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝኣመሱ ትካላት ምዕራብ ዝጸንሓ ባህግን ምንቅስቓስን ብዕቱብ ክትከታተሎን ክትቃወሞን ጸኒሓ እያ። ፑቲን ድማ፡ ኣብ ዩክሬን ኵርኩር ምዕራብ እምበር ናጻ ዝዀነ መንግስቲ ከምዘየለ ክገልጽ ጸኒሑ።
በዚ መሰረት፡ ካብ ምዕራብን ካብ ዩክሬንን፡ እታ ሃገር ናብቲ 30 ሃገራት ዝኣባላቱ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ከም ዘይትጽንበርን፡ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ ክትከውንን ከም ቅድመ ኵነት ሓቲቱ።
ከም ኣካል ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ ዩክሬን ምስ ሩስያ ዓሚቝ ባህላውን ማሕበራውን ምትእስሳር እዩ ጸኒሕዋ፣ ቋንቋ ሩስያ ድማ ብሰፊሕ ኣብታ ሃገር ይዝረብ። እንተዀነ እዚ ምትእስሳር'ዚ ነቲ ኣብ 2014 ዝተኻየደ ወራር ስዒቡ ብሕሱም ተሃስዩ እዩ።
ሩስያ፡ እቲ ንሳ ትድግፎ ዝነበረት መንግስቲ ዩክሬን ኣብ 2014 ምስ ተዓልወ እያ፡ ኣብታ ሃገር ወራር ዝፈጸመት። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ድማ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝተፈጥረ ኵነታት ልዕሊ 14,000 ህይወት ሰባት ከም ዝወሰደ ይግመት።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ስለምንታይ እዩ ጕዳይ ምብራቕ ዩክሬን ሓደገኛ?
ክሳብ ሕጂ፡ እቶም "ህዝባዊ ሪፑብሊክ ዶነስክን ሉሃንክስን" ክልተ ግዝኣታዊ ሕቶ ዘልዓሉ ምንቅስቓሳት ብሩስያ እዮም ክምርሑ ጸኒሖም።
ከም ናጻ ግዝኣት ክፍለጡ ኣለዎም ብዝብል ምጕት ፑቲን ሒዞም ከኣ፡ ወተሃደራት ሩስያ ንፈለማ ግዜ ኣብቲ ቦታ ከም ዝረገጹን፣ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከቝሙ ከም ዝኽኣሉን ክግለጽ ጸኒሑ'ሎ።
ምንቅስቓስ ሩስያ ናብቲ፡ መዓልታዊ ኣማኢት ጥሕሰት ውዕላት ምቍራጽ ተዅሲ ዝካየደሉ ዞባ ምንቅስቓስ ማለት ከኣ፡ ንተኽእሎ ቅሉዕ ኲናት ኣዕሪግዎ ጸኒሑ። እዘን ክልተ ኣከራኸርቲ ዞባታት፡ ብመሰረት ውዕል 'ሚንስክ' ኣብ ውሽጢ ዩክሬን ፍሉይ ቦታ እዩ ዘለወን። ምንቅስቓስ ፑቲን ግን ነዚ ኵሉ'ዚ ዝድምስስ እዩ።
ነቲ ኵነታት ዝያዳ ተኣፋፊ ዝገብሮ፡ እዞም ተቓወምቲ ነቲ ሒዞምዎ ዘለው ቦታታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንብምሉኡ ዞባ ዶነክስን ሉሃንስክን ዝሓቱ ምዃኖም እዩ። "ንሕና ኣፍልጦ ሂብናዮም ኢና፣ እዚ ማለት ከኣ ንዅሉ ታሪኻዊ ሰነዳቶም ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ፡" ይብል ፑቲን።
ሩስያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣታ፡ "ጃምላዊ ቅትለት" ትፍጽም ኣላ፡ ብዝብል ንዩክሬን ብምኽሳስ ድሮ ንወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ድልውነታ ከተርኢ ጸኒሓ እያ። ኣብቲ ዞባ፡ ልዕሊ 700,000 [ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ] ፓስፖርት ሩስያ ብምዕዳል'ውን፡ ነቲ ትገብሮ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ "ዜጋታተይ ንምድሓን" ብዝብል ከተመኽንዮ ክተዋድድ ከም ዝጸንሐት ግሁድ ኰይኑ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ፡ ኣበይ ክትበጽሕ ትኽእል?
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ምናልባት ነቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ምጥሓስ ውዕል ሰላም ምብራቕ ዩክሬን ደው የብል ይኸውን። ሩስያ ኣቐዲማ፡ "ወራር ዝበሃል የለን" ክትብል'ኳ እንተ ተሰምዐት፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ግን፡ ሩስያ ትደልዮ ዘላ ነገራት እንተዘይረኺባ 'ወተሃደራዊ-ተክኒካዊ' ስጕምቲ ክግበር ከም ዝከኣል ኣተንቢሁ ነይሩ።
እንተዀነ ክካየዱ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ጽቡቕ ስለዘይሰጐሙ፡ ሃገራት ምዕራብ እቲ ኵነታት ናብ ካልእ ማእዝን ክሰግር ከም ዝኽእል ኣብ ስግኣት እየን ጸኒሐን። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ "ነታ 2.8 ሚልዮን ዝቕመጥዋ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ዒላማ ክገብሩዋ ከም ዝኽእሉ ኢና ንኣምን፡" ክብል'ውን ኣጠንቂቝ ነይሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







