ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝተዘርግሐ ኖርድ ስትሪም 2 ምስ ቅልውላው ዩክረይን-ሩስያ እንታይ'ዩ ዘራኽቦ?

ኣብ ባሕሪ ትቦታት እተንጽፍ መርከብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መስመር ነዳዲ 'ኖርድ ስትሪም 2' ኣገልግሎት ምሃብ ንክጅምር፡ እቲ ናይ መወዳእታ ፍቓድ ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ትፍጽሞ ዘላ ተግባራት፡ ተወንዚፉ ከም ዘሎ ጀርመን ትገልጽ።

እቲ ካብ ሩስያ ናብ ጀርመን ዝዝርጋሕ መስመር ነዳዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እኳ እንተተዛዘመ ዛጊት ስርሑ ኣይጀመረን።

'ኖርድ ስትሪም 2' እንታይ እዩ?

ኖርድ ስትሪም 2፡ ጋዝ ካብ ሩስያዊት ወደብ ሰይንት ፒተርስበርግ ናብ ላብሚን ጀርመን ንምልኣኽ ዝተሰርሐ ብትሕቲ ባሕሪ ባልቲክ ንኣስታት 1200 ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ መስመር ነዳዲ እዩ።

እቲ 10 ቢልዮን ዩሮ ወጻኢ ዝተገበረሉ ፕሮጀክት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እዩ ተዛዚሙ።

ንፍርቂ ወጻኢ እቲ ፕሮጀክት ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ገዚፍ ኩባንያ ነዳዲ ጋዝፕሮም ክሽፍኖ እንከሎ እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ከኣ ከም ሼልን ኤንጂን ዝኣመሰሉ ኩባንያታት ጸዓት ምዕራብ እዮም መዊሎምዎ።

ኖርድ ስትሪም 2 ጎድኒ ጎድኒ እቲ ካብ 2011 ጀሚሩ ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ መስመር ኖርድ ስትሪም እዩ ተዘርጊሑ።

እዞም ክልተ መስመራት ብሓባር ዓመታዊ 110 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜተር ጋዝ ናብ ኣውርጳ ከብጽሑ ይኽእሉ። እዚ ሓደ ርብዒ ናይቲ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዓመት ዘሕልኽኦ ጋዝ እዩ።

ቅልውላው ዩክረይን ከመይ ኣቢሉ እዩ ንተስፋታት ኖርድ ስትሪም 2 ዝጸሉ ዘሎ?

እቲ መስመር ነዳዲ ዛጊት ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይረኸበ ኮይኑ ሕጂ ከኣ ጀርመን ኣወንዚፋቶ ምህላዋ ገሊጻ ኣላ።

ጀርመን ነዚ ዝገለጸት፡ ሩስያ ንተነጸልቲ ዞባታት ምብራቕ ዩክረይን ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባን ሰራዊታ ምልኣኻን እዩ።

መራሒ ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ "ብመንጽር እዚ ሓደስቲ ምዕባለታት ነቲ ኩነታት ብፍላይ ከኣ ንኖርድ ስትሪም 2 ብዝምልከት ዳግመ ግምት ክንገብር ኣሎና" ክብል ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሞስኮ ንዩክረይን እንተወሪራ ነቲ መስመር ነዳዲ ክዓጽዎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣንጻር ኖርድ ስትሪም 2 መርገጺ ዘለወን መነመን እየን?

ኣሜሪካን ብሪጣንያን ተጎራበትቲ ሩስያ ምስ ዝኾና ፖላንድን ዩክረይንን ብምዃን ኣንጻር ኖርድ ስትሪም 2 ተሪር መርገጺ ሒዘን ጸኒሐን እየን።

እቲ መስመር ነዳዲ ስርሑ እንተጀሚሩ፡ ሩስያ ኣብ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ኣውሮጳ ንዘለዋ ጽልዋ ክብ ከብሎ ከምዝኽእል ይሰግኣ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንኖርድ ስትሪም 2 "ሓደገኛ ፖለቲካዊ መሳርሒ" ክብል እዩ ገሊጽዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ ኣውሮጳ ነቲ መደብ ክተቋርጾ ከምዘለዋ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ 2006 ሩስያ ብሰንኪ እቲ ምስ ዩክረይን ዘጋጠመ ፋይናንስያዊ ምስሕሓብ፡ ነቲ ብዩክረይን ዝሓልፍ ቀረብ ነዳዲ ኣቋሪጻቶ እያ።

ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ኣውሮጳ ከቢድ ሕጽረት ቀረብ ጸዓት ተኸሲቱ ነይሩ።

ኣብ መጻኢ'ውን ሩስያ ብፖለቲካዊ ምኽንያታት ቀረብ ጋዝ ክተቋርጽ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ህንጸት እቲ ፕሮጀክት ዝዋስኡ ኩባንያታት እገዳ ብምግባር፡ ንኖርድ ስትሪም 2 ንምቁራጽ ኣቐዲማ ፈቲነታት ኣካዪዳ ነይራ እያ።

እንተኾነ ግና ምስ በርሊን ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከይሕርፍፍ ብምስጋእ ነቶም ናይ ሩስያ ኩባንያታት ጥራሕ እያ ዕላማ ጌራ።

ኖርድ ስትሪም 2 ንመን እዩ ብዝያዳዘገድስ?

ሩስያ ናብ ኣውሮጳ እትገብሮ ሰደድ ጋዝ ንምዕባይ ልዑል ድልየት ኣለዋ።

ነቲ ነዳዲ ናብ ኣውሮጳ ንምልኣኽ ኣብ ክንዲ እቲ ብጎረባብቲ ሃገራት ፖላንድን ዩክረይንን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝዝርጋሕ ትቦታት ብትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ መስመር ክትጥቀም እያ እትደልይ። እቲ መርበብ ትቦታት ዝኣረገን ዘይውጽኢታውን ኪንዮ ምዃኑ፡ ፖላንድን ዩክረይንን ልዑል ክፍሊት እየን ዝጠልባ።

ቅድሚ ቅልውላው ዩክረይን ምኽሳቱ፡ መራሒት ጀርመን ነበር ኣንግላ መርከል፡ ኖርድ ስትሪም 2 ተግባራዊ ክኸውን ብዙሕ እያ ጽዒራ።

ጀርመን 35% ናይ ጋዝ ጠለባታ ካብ ሩስያ እተእትዎ ብምዃኑ፡ ኖርድ ስትሪም 2 ነቲ ጋዝ ናብ ጀርመን ንምብጻሕ ዝሓሸ መገዲ ምዃኑ መርከል ትገልጽ ነይራ።

ሰራሕተኛ ኖርድ ስትሪም 2

ምንጪ ስእሊ, TASS via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ሃገራት፡ ሩስያ ንፖለቲካዊ ምኽንያታት ናብ ኣውሮጳ እተቕርቦ ጋዝ ደው ከተብሎ እያ ብዝብል ይሰግኣ

ኖርድ ስትሪም 2 መዓስ ስርሑ ይጅምር ይኸውን?

ጀርመን ነዚ ዳሕረዋይ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዳ'ውን እቲ ፕሮጀክት ዓቢይ ሕጋዊ ብድሆ እዩ ገጢምዎ ጸኒሑ፤ ክሳዕ ክረምቲ 2022 ከኣ ኣገልግሎት ናይ ምጅማር ተኽእሎ ዘሎ ኣይመስልን።

ሩስያዊ ኩባንያ ጋዝፕሮም 50% ወናኒ ኖርድ ስትሪም 2 ከምኡ'ውን ምሉእ ብምሉእ ወናኒ ናይቲ በቲ መስመር ዝለኣኽ ጋዝ ብምዃኑ ጀርመን ነቲ መስመር ፍቓድ ንምሃብ ፍቓደኛ ከይኮነት ጸኒሓ ኣላ።

እዚ ንሩስያ ኣብ ቀረብ እቲ ጋዝ ዝለዓለ ስልጣን ዝህብ ምዃኑ እትገልጽ ጀርመን ዋንነት እቲ መስመር ናብ ካልእ ሃገር ክሰጋገር ትጠልብ።