ጆ ባይደን ፑቲን ንዩክረይን ንምውራር ከምዝወሰነ ዘእምን መርትዖ ከምዝረኣየ ገሊጹ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ንምፍጻም ከምዝወሰነ ዘእምን መርትዖ ከምዝረኣየ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ገሊጹ።

ጆ ባይደን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትፍጽሞ ወራር “ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት” ክኽሰት ይኽእል’ዩ ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝበለ ትካል ስለያ ኣመሪካ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪዪቭ ዕላማ ወራር ሩስያ ክትከውን ከምእትኽእል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተተርኢሱ ከምዝኾነ’ውን ተፈሊጡ።

ሩስያ ብግድኣ ዩክረይን ናይ ምውራር መደብ ኣለዋ ንዝብል ክሲ ክትነጽጎ ጸኒሓ ኣላ።

ምዕራባውያን ሃገራት: ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ክጥዕማ ምእንቲ ኣብ ተነጸልቲ ምብራቓዊ ክፋል ዩክረይን ናይ ሓሶት ቅልውላው ከምዘሎ ንምርኣይ ትፍትን ከምዘላ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ሩስያ ኣብ ውሽጢ ዩክረይንን ዶባትን ካብ 169 ሽሕ ክሳብ 190 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ከምዘለዋ ኣመሪካ ግምታታ ኣቐሚጣ።

እቲ ቁጽሪ ኣብቶም ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዝርከቡ ብገዛእ ርእሶም ዝመሓደሩን ብናይ ሩስያ ወተሃደራዊ ደገፋት ዝግበረሎምን ግዝኣታት ዶኔትስክን ሉሃንስን ዝሓውስ እዩ።

እዞም ክልላት ኣብ 1922 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ናብ ዩክረይን ዝተጸምበሩ ኮይኖም መብዛሕቲኦም ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ እዩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ካብ ዋይት ሃውስ ብቐጥታ ዝሃቦ መግለጺኡ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ዩክረይን ናይ ምጥቃዕ መደብ ከምዘለዎም ኣመሪካ እኹል ሓበሬታ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ባይደን ኣስዒቡ “ካብዚ ግዜ እዚ ጀሚረ ፑቲን ነቲ ውሳነ ከምዝወሰነ ኣሚነ’የ” ኢሉ። ቅድሚ ሕጂ ባይደን ኮነ ካልኦት ሰበ ስልጣናት ኣመሪካ፡ ሩስያ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ክትወስዶ እትኽእል ስጉምቲ ብርጉጽ ከምዘይፈልጡ ተዛሪቦም ነይሮም።

እንተኾነ ግን ፕረዚደንት ባይደን፡ ሩስያ ሕጂ እውን እንተኾነ ዲፕሎማስያዊ መገዲ ክትመርጽ ትኽእል’ያ ብዝብል ነቲ ምትፍናን ንምዝሕሓል ናብ ሰለማዊ ዘተ ንኽትመጽእ ከምዘይረፈደ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ዘሎ ምትፍናን ትማሊ ዓርቢ እንዳወሰኸ ብምምጽኡ መራሕቲ ናይቶም ክልተ ተነጸልቲ ግዝኣታት፡ ዩክረይን ደብዳባት ንምፍጻምን ስጉምቲ ንምውሳድን ወጢና ኣላ ብዝብል ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ንኽርሕቑ መምርሒ ኣውሪዶም ነይሮም።

እንተኾነ ግን ዩክረይን መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም መደብ ከምዘይብላ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ዲሚይትሮ ኩሌባ “እዚ ናይ ሩስያ ስኑዕ ሓበሬታ’ዩ” ክብል ነጺግዎ።

መራሒ ሪፐብሊክ ህዝብታት ዶኔትስክ ዴኒስ ፐሺሊን ነበርቲ እቲ ከባቢ ለቂቖም ንኽወጽኡ ዝሃቦ መምርሒ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝወጽአ ቪድዮ’ዩ።

እንተኾነ ግን ቢቢሲ ብዝገበሮ ምጽራይ እቲ ንሱ ዝተዛረበሉ ቪድዮ ቅድሚ እቲ ምትፍናን ሰማይ ምዕራጉ ክልተ መዓልታት ኣቐዲሙ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ፑቲን ነቶም ካብ ተነጸልቲ ከባቢታት ዝመዛበሉ ሰባት ናይ ሓደጋ ግዜ ረድኤት ንምግባር ኣብ ዶብ መዕቖቢ ስደተኛታት ንኽጣየሽ ትእዛዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጣ።

ብዙሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ኣውቶብሳት ተጻዒኖም ናብ ሩስያ ከምዝጉዓዙ መራኸብቲ ሓፋሽ ሩስያ ኣቃሊሔን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ለቒቖም ንኽወጽኡ መምርሒ ምውራዱ ሩስያ ነቲ መጥቃዕቲ ንምውሳድ ሓይላ ንምድላብ ንእትገብሮ ዘላ ምድላዋት ዓለም ንምዝንጋዕ ዝተገበረ “ዘሕፍር ተግባር ሩስያ” እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ዋይት ሃውስ ነበርቲ ክወጽኡ ምግባር ሩስያ ኵናት ንምውላዕ ስኑዕ ሓበሬታ ትጥቀም ከምዘላ ዘርኢ ኣብነት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።