ዩክሬይን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ምስ ሩሲያ ክትራኸብ ጠሊባ

ኣብ ቀረባ መዓልታትን ወተሃደራትን ፖሊስን ዩክሬይን ልምምድ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቀረባ መዓልታትን ወተሃደራትን ፖሊስን ዩክሬይን ልምምድ ኣካይዶም

ዩክሬይን ብምኽንያት እቲ ምስ ኣብ ሩሲያ ዘዋስና ዶባት ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ምስ ሩሲያን ወሰንቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ጸጥታ ኤውሮጳን ኣኼባ ክካየድ ጸዊዓ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ዲሚትሮ ኩሌባ ሩሲያ ብዛዕባ እቲ ናብ ዶባት ዘጸግዓቶ ሰራዊት መብርሂ ክትህብ ፍቓደኛ ኣይኮነትን ኢሉ።

"ቀጻሊ ስጉምቲ" ድማ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ብዛዕባ መደባት ሩሲያ "ግልጽነት" ንክህሉ ሃገሩ ኣኼባ ከም ዝሓተተት ተዛሪቡ።

ሩሲያ ዋላ'ውን ናብ ዶባት ዩክሬይን 100 ሽሕ ዝኣኽሉ ሰራዊት እንተኣጸገዐት ንዩክረይን ንምውራር መደብ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ።

እንተኾነ ገለ ሃገራት ምዕራብ ሩሲያ ወተሃደራዊ ምድላው ትገብር ኣላ ክብላ እንከለዋ ኣመሪካ ኣብ ዝኾነ እዋን ደብዳብ ነፈርቲ ክትጅምር ትኽእል እያ ክትብል ተጠንቅቕ።

ካብዚ ብዝብገስ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ካብ ዩክሬይን ክወጽኡ ጸዊዐን ኣለዋ፤ ገሊአን ድማ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክወጽኡ ገይረን።

ማዕኸን ዜና ሲቢኤስ ንሰለስተ ምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ ኣመረካ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ንኩሎም ሰራሕተኛታታ ካብ ኬቭ ክተውጽእ ምድላው ትገብር ኣላ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ዩክሬይን ኩሌባ ብዓርቢ ሩሲያ ዕላምኣ ግልጺ ክትገብር ጠሊቡ ነይሩ።

"ሩሲያ ብዛዕባ ዘይምክፍፋል ድሕነት ኣባል ሃገራት ድሕነትን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ ክትዛረብ እንከላ ቁውም ነገር ሃልዩዎ፡ ወጥሪ ንምህዳእን ኩለመዳያዊ ድሕነት ንምጥንኻርን ወተሃደራዊ ግልጽነት ንምርግጋጽ ቆራጽነት ክህልዋ ኣለዎ" ኢሉ።

ፕሬዝደንት ቮሎዲሚር ዜለንስኪ ግና ምዕራባውያን ሩስያ ንዩክረይን ከምእትወራ ዘረጋግጽ ሙሉእ ጭብጢ እንተዳኣሃልዩወን ገና ዝረአ ከም ዝኾነ ሓቢሩ፡፡

ብሰንበት ዳርጋ ንሓደ ሰዓት ምስ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ብስልኪ ዝተዘራረበ ኮይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ "ዲፕሎማሲ ምጥቃም ኣገዳሲ ምዃኑ ተሰማሚዖም"።

ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብስልኪ ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምፍጻም ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎ ምዃኑ ገሊጹሉ፡፡

እቲ ወራር ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክጅምር ከም ዝኽእል እተጠንቅቕ ዘላ ኣመሪካ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣቢሉ ክጅምር ከም ዝኽእል ትገልጽ፡፡

ሩስያ ግና ነዚ መጠንቀቕታ ‘‘ናብ ነገር ዘእቱ ግምት’’ ክትብል ትነጽጎ፡፡