ምብዛሕ ዕልዋታት ኣብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ኣብቂዑ ማለት ኣይኮኑን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ ዘጋጠሙ ወተሃደራዊ ዕልዋታት መንግስቲ፡ ገለ ሰባት ኣብዚ ኣህጉር ምናልባት ዲሞክራሲ ቅኑዕ ኣማራጺ ምሕደራ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።
ኣፍሪቃ፡ ናብቲ ኣብ 1980ታት ዝነበረ ግዜ ክመልሳ ብዝኽእል ወተሃደራዊ ምሕደራ ተጸልያ ኣላ።
ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ጊኒ፣ ሱዳንን ማሊን ስቪላዊ ምምሕዳር መንግስቲ ብሓይሊ ኣውሪደን ወተሃደራዊ ጁንታ ተኪአን እየን።
ወዮ ድኣ ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን ሕጂ ሕጂ ድማ ኣብ ጒኒ-ቢሳውን ተፈቲኖም ዝፈሸሉ ካልኦት ዕልዋታት መንግስቲ ኮይኖም እምበር እቲ ተርእዮስ ካብዚ ንላዕሊ ዘተሓሳስብ ክኸውን ይኽእል ነይሩ።
እዚ ጉዳይ እናወሰኸ ብዝኸደ ቑጽሪ ግን፡ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ኣይሰርሕን ዘሎ፣ ፈጺሙ'ውን ክሰርሕ ኣይኽእልን ዝብል ድምጺ ኣመና ይውስኽ ኣሎ።
ይኹን'ምበር ኣብ ትካል ምምኻር ስግኣት ኣፍሪቃ [ARC] ተንታኒ መጽናዕታት ሌናርዶ ቡሉ-ዚጌ ከምኡ'ውን ፕሮፌሰር ዲሞክራሲ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ኒክ ቺዝማን ሕጂ'ውን ኣፍሪቃ ብዲሞክራሲ ጥራይ እያ ክትስጉም ትኽእል ይብሉ።
እቲ ዝገርም፡ እቲ ስቪላዊ ምሕደራ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ምስ ተኣልየ ገሊኡ ህዝቢ ንውድቀት እቶም ዝተመርጹ መራሕቱ ብታሕጓስ ናብ ጎደናታት ወጺኡ ዝጽምብሎ ምዃኑ እዩ።
እንተኾነ እቲ ሕጂ ዝርኣይ ዘሎ ዋሕዚ ዕልዋታት መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ይመውት እዩ ዘሎ ኢልካ ምድምዳም ጌጋ'ዩ ዝኸውን።
ኣብተን ዕልዋ ዝተኻየደለን ሃገራት፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት ምልካዊ ስርዓት ብምንጻግ ኣብ ዲሞክራሲ ክነብሩ እዮም ዝደልዩ።
ብተወሳኺ ዋላ'ውን እቲ ኣፈጻጽማ ፖለቲካ ብዙሕነት ሰልፍታት፡ ተስፋ ምቑራጽን ሕርቃንን ክዓቢ እንተገበረ፡ ብማእከላይ ግን ዲሞክራሲ ልዑል ቑጠባዊ ዕብየትን ዝሓሸ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክህሉ ከም ዘኽእል ዩኒቨርሲቲ ኮርኔል ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር።
ብኣንጻሩ፡ ወተሃደራዊ ስርዓታት ቑጠባዊ ለውጢ ከየምጽኡ ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣፍሪቃ ካብ ዲሞክራሲ ክተትርፍ ትኽእል እያ፤ እንታይ ድኣ፡ እቶም ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ተመሪጾም ስልጣን ዝሓዙ ሰባት ካብ ፍቓድ ህዝቢ ወጻእ ኣብ ስልጣን ንክጸንሑ ኢ-ዲሞክራሲያዊ ስትራቴጂታት ክጥቀመ እንከለው እዩ እቲ ጸገም ዝመጽእ ዘሎ።
እዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።
ኣብ ከም ጊኒን ማሊን ዝበላ ሃገራት እቶም መራሕቲ ትኽክለኛ ዲሞክራሲ ስለ ዝምስርቱ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነት ኣይስእኑን።
እንተኾነ፡ ምስ ግሃዳዊ ኩነታት ኣፍሪቃ ዘይጠዓዓም ስርዓት መንግስትነት ስለ ዝኽተሉ እቲ ዝጀመርዎ ዲሞክራሲ ዕውት ኣይኸውንን።
እንታይ ድኣ፡ ብምኽንያት እቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘይምርግጋጽ [ቡርኪናፋሶን ማሊን ተደጋጋሚ ጅሃዳዊ መጥቃዕቲ የጋጥመን'ዩ] እቶም ፕረዝደንታት ነቲ ናይ ባዕሎም ዲሞክራሲ እምነት ክስእንሉ ይጅምሩ።
እዚ፡ እቶም ኣብ ቀረባ ዝተራእዩ ዕልዋታት መንግስቲ ስለ ምንታይ ህዝቢ ጸምቢሉዎም ዝብል ብምርኣይ ብቐሊሉ ምርዳእ ይክኣል።
ኣብ ጊኒ ፕረዝደንት ነበር ኣልፋ ኮን ብ2020 ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘኽእሎ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ገይሩ።
እቲ ብተኸታታሊ ዝስዓረሉ ሓፈሻዊ ምርጫ ኮነ ሕገ መንግስታዊ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ናጻን ፍትሓውን ስለ ዘይነበረ፡ እዚ ስትራቴጂ ማይ ዝዓቁር ኣይነበረን።
ክሳብ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝፍጸመሉ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ ኸኣ ምልካውነቱ እናሓየለ ከይዱ። ብዙሓት ክኣስር፣ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተቓወምትን ንመንግስቲ ዝቃወሙ ተሓለቕትን መጥቃዕቲ ክፍጸም ክገብር ጀሚሩ።
ብተመሳሳሊ ፕረዝደንት ማሊ ኢብራሂም ቦቡኬር ኬታ ብ2020 ዝተኻየደ መረጻ ሓገግቲ ኣካላት ብምትላል ይኽሰስ።
እቶም እናወሰኹ ዝመጽኡ ጸገማት ብልሽውናን ውሕስነት ምስኣንን'ውን ሕጋዊ ተቐባልነት ክስእን ገይሮምዎ።
ኣብ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ካብ ዲሞክራሲ እናርሓቐ፣ ዜጋታት እምነት እናስኣንሉ ብምምጽኦም ተቐባልነት ስኢኑ።
ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ህዝቢ ክጽንብሎ'ኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ቀረባ ኣፍሮባሮሜትር ዘካየዶ መጽናዕቲ ግን 76 ሚኢታዊት ጊናውያንን 70 ሚኢታዊት ማላውያንን ወተሃደራዊ ስርዓት ከም ዘይቕበሉዎ የርኢ።
ብተወሳኺ፡ ዲሞክራሲ ኣብ ጊኒ 77 ሚኢታዊት ህዝቢ ክድግፎ እንከሎ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ 70፣ ኣብ ማሊ ድማ 62 ሚኢታዊት ህዝቢ ይድግፎ ይብል።
ሰባት ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝድግፍሉ ምኽንያት ግን፡ ኾን ዶኾን ዝሓሸ ዕውት ስቪላዊ መንግስቲ ንክመጽእ ክሕግዝ ይኸውን ብዝብል እምበር ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ምሕደራ ንምንባር ድልየት ስለ ዘለዎም ኣይኮነን።
ይኹን'ምበር፡ ዝኾነ ዕልዋ ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ክገብር ብዙሕ ዝተለምደ ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኣብነት ኣብ ሱዳን፡ ብ2021 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ነቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ካብ ስልጣኑ ንዝኣለየ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምቅዋም ንኣዋርሕ ተቓውሞ ኣካይዶም።
ኣብዚ ግዜ ዋላ'ውን ኣማኢት ሰባት እንተቖሰሉን ኣስታት 79 ሰባት እንተሞቱን ሱዳናውያን ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ክሳብ ዘረጋግጹ ተቓውሞኦም ቐጺሎም እዮም።
ዲሞክራሲ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝደልይኦ'ዩ ክትብል ካብ ዝገብረካ ሓደ ምኽንያት ኸኣ ድኹም ኣፈጻጽማ ምልካዊ መንግስታት እዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ "ሓያል ሰብኣይ" ክገብሮ ዝኽእል እንታይ እዩ እንትብሃል ሩዋንዳ ብኣብነት ትልዓል።
ኣብታ ሃገር ቑጠባዉ ዕብየት ብምምጻእ ብልሽውና ክንኪ ክኢሉ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብሓፈሽኡ ግን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓታትን ወተሃደራዊ ጁንታን ዘጋጥም ዋሕዲ ተሓታትነት ንልዑል ብልሽውናን ዘይውጽኢታዊ ቑጠባዊ ፖሊስን ዝወስድ እዩ።
ከም ውጽኢቱ፡ ብማእኸላይ ናይ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ልዑል ቑጠባዊ ዕብየትን ምምላእ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ከምጽእ ይስትውዓል።
ብተወሳኺ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ምፍጻምን ኣዕነውቲ ንዝኾኑ ጎንጺታት ናይ ምቅላዕን ዕድሎም ትሑት እዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ዝመርሑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ልዕልነት ሕጊ ክሰፍንን ዲሞክራሲ ዘውሕስ ስርዓት ክትከልን እዩ ዝብል መብጽዓ እዮም ዝኣትው።
ኣብ ብዙሓት ኣጋጣሚታት ግን እቲ ስልጣን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ዝምለሰሉ ግዜ ክደናጎየ ይርኣይ።
ኣብ ገሊኡ፡ ኣብ ስልጣን ብምዃን ዝረኽቡዎ ውልቃዊ ረብሓ ስለ ዝህሉ ኮይኑ እዚ ብቐሊሉ ክስእኑዎ ኣይደልዩን።
ኣብ ካልኦት ድማ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ግዜ ዝወስኡ ከዐውቱዎም ዝደልዩ ፖለቲካዊ ፕሮጀክታት ብምህላዎም'ዩ።
ይኹን'ምበር ኩሎም ዕልዋታት መንግስቲ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ስለ ዘዳኽሙን ሓይሊ ጥይት ንሓይሊ ምርጫ ተበሊጹ ስልጣን ስለ ዝሕዝን ወተሃዳራዊ ሓይሊ ስልጣን ምቁጽጻሩ ካብ ዓዘቕቲ ዘውጽእ ኣይኮነን።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ካብ ዘይምርግጋእን ስእንት ጸጥታዊ ድሕንትን ዘናግፉ ድልዱል ዲሞክራሲያዊ ትካላት ምህናጽ እንተተኻኢሉ ምትላላት ፖለቲካዊ መራሕቲ ምቅላስ ይክኣል እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







