ንሚያንማር ናብ ኲናት ሓድሕድ ዝሸምም ዘሎ ደማዊ ውግኣት

ኣባላት ፒዲኤፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ፒዲኤፍ

ኣብ መላእ ሚያንማር፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ዕጡቓት ሚሊሻታት ዝበጽሖም ዘሎ መጥቃዕቲ ክምክቱ ላሕ ይብሉ ኣለው።

እቲ ኣንጻር ብዕልዋ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝገጥም ዘሎ ጉጅለ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝሓቖፈ ኮይኑ ንርእሱ ሓይሊታት ምክልኻል ህዝብታት -'ፒ-ዲ-ኤፍ' ኢሉ ዝጽውዕ እዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ንሰራዊት ዝዋግኡ ዘለው መናእሰይ ኮይኖም ዕምቆትን ስፍሓትን እቲ ናዕቢ ከምኡ'ውን እቶም ተቓወምቲ ዝፍጽምዎም ዝነበሩ መጥቃዕታት መልክዕ እቲ ጎንጺ ካብ ተቓውሞ ናብ ሓድሕዳዊ ኲናት ክቕየር ገይሩ'ዩ።

ልክዕ ከም ትማሊ፡ ሓደ ለካቲት 2021 [ኣቆጻጽራ ኤውሮፓ] ኣብ ሚያንማር ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተፈጸመ ብሰላማዊ መገዲ ዝጀመሩ ህዝባዊ ተቓውሞታት'ዮም ናብዚ ብደረጃ ሃገር ብረት ዝተሓንገጠ ተቓዋሚ ሓይሊ ዓብዮም ዘለው።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ እታ ሃገር ናዕቢ ተላዒሉ ምህላው 'ኤሲሊድ' [Armed Conflict Location and Event Data Project] ካብ ዝተባህለ ጎንጺ ዝከታተል ጉጅለ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ካብ ባይታ ዝተረኽቡ ሓበሬታታት'ውን ዝተዋደደ ጎንጺ ከም ዝቐጸለን እቲ ናዕቢ ቅድሚ ሕጂ ኣንጻር እቲ ሰራዊት ተቓውሞ ኣርእየን ናብ ዘይፈልጣ ከተማታት ከም ዝተጋፍሐን ይሕብሩ።

በዚ ምኽንያት ዝስዕብ ዘሎ ሞት ምፍላጥ'ኳ እንተዘይተኽኣለ፡ ኤሲሊድ ካብ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገርን ካልኦት ጸብጻባትን ብመሰረት ዝኣከቦ ሓበሬታ ግን፡ ሰራዊት ሚያንማር ብሓደ ለካቲት 2021 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው ኣብ ዘሎ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።

እቲ ኣብ ሚያንማር ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ እናዓበየ መጺኡ።

ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብደረጃ እታ ሃገር ዝካየዱ ዝነበሩ ሰልፍታት ተቓውሞ ንምዕፋን ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም'ዮም።

ይኹን'ምበር ሕጂ ሰላማውያን ሰባት'ውን ብረት ስለ ዘልዓሉ ቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ይወስኽ ከም ዘሎ መረዳእታ 'ኤሲሊድ' ይሕብር።

ሓላፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቻሌት፡ እቲ ኣብ ሚያንማር [በርማ] ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኲናት ሓድሕድ ክብሃል ከም ዘለዎን፡ እቲ ሰራዊት ዴሞክራሲ ናብ ንቡር ክመልስ ጸቕጢ ንምግባር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ሓያል ስጉምቲ" ክወስድ ከም ዘለዎን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ወሲኹ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ቅልውላው ዝሃቦ ምላሽ "ህጹጽነት ዝጎድሎ" እዩ ብምባል እቲ ኩነታት "ኣዕናዊ" ከም ዝኾነ ብምግላጽ እቲ ጎንጺ ንዞባዊ ርግኣት ስግኣት ምዃኑ ተዛሪባ።

እቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለው ጉጅለታት ብሓባር ብምዃን ንርእሶም ምክልኻል ሓይሊ ህዝብታት (PDF) ኢሎም ዝጽውዑ ኮይኖም፡ መብዛሕትኦም መናእሰይ እዮም።

ኣባላት ፒዲኤፍ ስልጠና እናወሰዱ፡ ሕዳር 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ፒዲኤፍ ስልጠና እናወሰዱ፡ ሕዳር 2021

ሄራ [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] ጓል 18 ዓመት ኮይና ኣብ ማእከላይ ሚያንማር ኣዛዚት ቦጦሎኒ'ያ።

ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝስዓበ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ክትጽንበር እንከላ ናይ መሰናድኦ ትምህርታ ወዲኣ ነይራ።

ንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢኮኖሚክስ ክተጽንዕ መደብ ነይሩዋ።

እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ንጎኒ ኣጽኒሓ ኣባል እቲ ሕጂ ኣንጻር ሰራዊት እታ ሃገር ዝዋጋእ ዘሎ ምክልኻል ሓይሊ ህዝብታት ኮይና፡ ትሕተ ቕርጽን ሰራዊትን እታ ሃገር ተዕኑ ኣላ።

"ነቶም ወተሃደራዊ ምልኪ ዝተዓስቡ ወተሃደራት ብምቕታለይ ምንም ኣይስምዓንን። ብሰንኮም ህዝብና ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትዩ ኣሎ። ቆልዑ ካብ ወለዶም ይንጸሉ ኣለው፤ ንጹሃን ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ይሳቐዩን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ይጠሓስን ኣሎ" ትብል።

ንሳ: ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ዝተኻየደ ሰልፍታት ተቓውሞ ፍሉጥቲ ተመሃሪት ማያ ቲዊ ቲዊ ብጥይት ድሕሪ ምቕታላ ኣባል ፒዲኤፍ ከም ዝኾነት ትዛረብ።

ሄራ፡ ኣብ ትሕቲ ፒዲኤፍ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ክትወስድ ምስ ጀመረት ስድራቤታ ኣዝዮም ሰጊኦም ነይሮም። ድሓር ግን ንሳ ከም ዝቖረጸት ምስ ፈለጡ ልዝብ ኢሎም።

" 'እንድሕር ናይ እማንኪ ኾይንኪ ክሳብ መወዳእታ ክኸውን ኣለዎ፤ ኣብ ሞንጎ ተስፋ ከይትቖርጺ' ኢሎምኒ። ድሕሪኡ ነቲ ስልጠና ዝህበኒ ዝነበረ ኣዘራሪበ ንሓሙሽተ መዓልቲ ስልጠና ወሲደ ናብቲ ሰውራ ተጸንቢረ። ናይ እማን ብረት ኮነ ካልእ ኣጽዋር ክስከም ሓሲበዮ ኣይፈልጥን" ትብል።

ቅድሚ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ከም ሄራ ዝበሉ ሰባት ጨና ዴሞክራሲ የስተማቕሩ ስለ ዝነበሩ ሰራዊት ስልጣን ምቁጽጻሩ ኣይፈትውዎን።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሕጂ ካብቶም ኣብ ዶባት እታ ሃገር ብልጭ ህልም እናበሉ ንዓሰርታት ዓመታት ኣንጻር ሰራዊት እታ ሃገር ዝዋግኡ ዝነበሩ ብሁራዊ ሚሊሻታት ስልጠናን ድጋፍን ይረኽቡ ኣለው።

line

እቲ መረዳእታ ከመይ ተኣኪቡ?

  • 1 ለካቲት 2021፡ ኣብዚ ዕለት ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብርክት ዝበሉ ሰልፍታት ተቓውሞ ክለዓሉ ምኽንያት ኮይኑ
  • 2 ለካቲት 2021፡ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታን ከባብያዊ ናይ ምክልኻል ሓይልታትን ጎንጺ ተላዒሉ። ድሕሪኡ ህይወት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝጠፍአ ይግለጽ
  • ኣብ ቀረባ ሳምንታት ድማ መጥቃዕቲ ቦንባ፣ ተባራዕቲ ነገራትን ነታጕን ክፍጸም ተራእዩ

ቢቢሲ፡ ካብቲ 'ኤሲሊድ' ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝተኣከቡ መረዳእታት እያ ወሲዱ።

እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየዱ ፖለቲካዊ ጎነጻትን ሰልፍታት ተቓውሞምን ኣመልኪቱ መረዳእታ ዝእክብ ትካል እዩ።

ካብ ጸብጻባት ዜና፣ ሲቪክ ማሕበረሰብ ዝሕትሞም ሓበሬታታትን ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ዓለምለኻዊ ትካላትን ውሽጢ ዓድን ዝህቡዎም ሓበሬታታት ድሕነት ሓበሬታ ይእክብ።

እንተኾነ፡ ክልቲኦም ወገናት ብፕሮፖጋንዳ ኲናት ስለ ዝጽመዱ እቲ ትኽክለኛ ምስሊ ክትሕዝ ዝክኣል ኣይኮነን። ጋዜጠኛታት'ውን ከይጽብጽቡ ይኽልክሉ'ዮም።

ቢቢሲ ኣገልግሎት ቡርሚስ'ውን ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ሰነ 2021 ዘሎ ብኽልቲኡ ወገነ ዘጋጠመ ሞት ሓበሬታ ኣኪቡ'ዩ። እዚ ድማ ምስቲ 'ኤሲሊድ' ዝረኸቦ ሓደ ዓይነት ነይሩ።

line

ፒዲኤፍ፡ ዝተፈላለየ ብርኪ መነባብሮ ዝነበሮም ሰባት ዝሓቖፈ'ዩ።

ሓረስቶት፣ ዓዲ ውዒል ዝነበራ ኣዴታት፣ ዶኳትርን ኢንጅነራትን ኣብ ጎኒ እዚ ኣንጻር ሰራዊት ኣፈ ሙዝ ዘቕንዐ ሓይሊ ኮይኖም ኣለው።

ወተሃደራዊ ምሕደራ ክነውድቕ ኣለና ዝብል ዕላማ ሓደ ገይሩ ኣብ መስመር ኣኽቲቱዎም ኣሎ።

ፒዲኤፍ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣወዳድባ ክህልዎ አንከሎ፡ ኣብ ከተማታትን ዝበዝሕ ክፋል እታ ሃገርን ነቲ መሪሕነት ዝወስዱ ዘለው መብዛሕትኦም ካብ ብሄር ባማር ዝኾኑ ምስ መናእሰይ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ተጸንቢሮም ነቲ ቓልሲ ይመርሑዎ ኣለዎ።

ኣብ ቀረባ ታሪኽ እታ ሃገር፡ ዕጡቅ ሓይሊ ሚያንማር ካብ መናእሰይ ባማር ተቓውሞ ክገጥሞ ንፈለማ እዋን እዩ ነይሩ።

"ብዙሓት ሰባት ናብዚ ሚሊሻ ብምኻድ 'ምክልኻል ሓይሊ' ዝብል መስሪቶም ኣለው። ስለዚ ድማ እየ ንነዊሕ ግዜ ብዛዕባ እዚ ሓያል ነገር ክንገብር አንተዘይክኢልና ናይ ሶርያ ኩነታት ክድገም'ዩ ይብል ነይረ" ትብል ባቻሌት።

ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ብጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝሰርሖ ጸብጻብ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ግዝኣት ቺን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ነፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ብጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝሰርሖ ጸብጻብ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ግዝኣት ቺን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ነፈርቲ

ናጋር፡ ቅድሚ እዚ ቅልውላው በዓል ሃብቲ'ዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ዞባ ሳጊንግ ብዙሓት ዋህዮታት ፒዲኤፍ ይቆጻጸር።

እቲ ኣንጻር ሰራዊት ዘካይዱዎ ዘለው ውግእ ግን ዝመጣጠን ከም ዘይኾነ ይዛረብ።

ኣብ መጀመርታ ብረት ከም ዘይነበሮምን እቲ ኲናት ብመንቲግ ጀሚሮም ድሕሪኡ ሓጺነ መጺን ተጠቒሞም በዓል ሓንቲ ጥይት ጠበንጃ ምስርሖምን ቦንባታት ከም ዘፍረዩን ገሊጹ።

ሰራዊት ሚያንማር ግን ካብ ሩሲያን ቻይናን ዝገብራሉ ሓገዝ ሓዊሱ ብዙሓት ከበድቲ ኣጽዋር ዝተዓጠቐ እዩ።

ብኣንጻሩ፡ ፒዲኤፍ ድማ ካብቲ ሕብረተሰብ ድጋፍ ኣለዎ። እቲ ኣብ ባይታ ዝጀመረ ተቓውሞ ድማ ሕጂ ናብ ዝተወደበ ጉጅለ ዓብዩ ከቢድ ተቓውሞ የካይድ ኣሎ።

መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ስደት [NUG] ድማ ገለ ዋህዮታት ፒዲኤፍ ክውደብ ሓገዝ ዝገበረ ኮይኑ ምስ ካልኦት'ውን ቀጥታዊ ዘይኮነ ርክባት ኣለዎ።

ፒዲኤፍ ኣብ ልዕሊ ከም መደብር ፖሊስ ዝበሉ ትካላት መንግስቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ኮይኑ፡ ካብ ሰራዊት ብረት ማሪኾም፡ ከም ባንክን ዓንዲ ቴሌኮምን ድማ ኣዕኒዮም እዮም።

ናጋር፡ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም ኣብ መጻኢ ዕጫ ሃገሮም ክውስኑ ከም ዝተገደዱ ይዛረብ።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን ጸገማት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ምፍታሕ ውጽኢታዊ ኣይኮነን። ዓለም ንሃገርና ዕሽሽ ኢላታ'ያ፤ ስለዚ ንባዕለይ ባዕለይ ከዕጥቖ'የ" ኢሉ።

ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ

ሄራ፡ ምስ ዓበይቲ ኣሕዋታ ናብቲ ዕጡቕ ጉጅለ ክትጽምበር እንከላ፡ ቀንዲ ዕላምአን "ወተሃደራዊ ምልኪ ካብ ስሩ ምምሓው" ከም ዝኾነ ትዛረብ።

"እቲ ሰራዊት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ቐቲሉ'ዩ። መነባብሮ ሰባት፣ ንብረትን ሃብትን ኣዕኒዩ'ዩ። ብተወሳኺ ነቲ ህእቢ ኣሳቕዩዎ። እዚ ብዝኾነ መልክዑ ክቕበሎ ኣይኽእልን" ኢላ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ሞት ኣስታት 40 ደቂ ተባዕትዮ ሓዊሱ ብዙሓት ጃምላዊ ቕትለታት ሰላማውያን ሰባት ነይሮም።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ድማ ልዕሊ 35 ደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ተቐቲሎም።

ቢቢሲ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተፈጸመ ቕትለት ብህይወት ንዝተረፈ ሰብ ረኺቡ ኣዘራሪቡ'ዩ።

ብሸውዓተ ታሕሳስ 2021 ወተሃደራት ኣብ ማእኸላይ ሚያንማር ንእትርከብ ናጋትዊን ዝተባህለት ዓዲ ወሪሮም።

መብዛሕትኦም ነበርቲ ክሃድሙ እንከለው ኣብኡ ዝጸንሑ ደቂ ተባዕትዮ ብግፋ ተኣሲሮም።

እቶም ነበርቲ ክምለሱ እንከለው ኣስክሬን ሽዱሽተ ኣእዳዎም ዝተኣሰረን ኣብ ክሳዶም ገመድ ዝኣተዎምን ሰባት ረኺቦም።

እቶም ክልተ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዝነበሮም ኮይኖም ሰለስተ ሰባት ድማ ኣረጋውያን እዮም ነይሮም።

እዚ ብህይወት ክተርፍ ዝኽኣለ ውልቀሰብ ንተቓወምቲ ይእልሹ ከም ዝነበሩ ይዛረብ። ንሱ ኣብ ሞንጎ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ዝሞተ መሲሉ'ዩ ብህይወት ክተርፍ ክኢሉ።

"ስማትናን ቴለፎናትናን ይደልዩ ነይሮም። 'ፒዲኤፍ ዲኻ? ኢሎም ይሓቱ ነይሮም። ኩሉ ሰብ ኣይኮንኩን ኢልዎም። ጽንሕ ኢሉ ሓደ ሕጽር ዝበለ ሰብኣይ መጺኡ 'ንስኻትኩም ናይ ፒዲኤፍ ተቓለስቲ ኢኹም ብምባል ሰባት ክቐትል ጀሚሩ" ይብል።

በዓልቲ ቤት ሓደ ካብቶም ግዳያት ዝኾነት መበለት ድማ ኣካላት በዓል ቤታ ምልክታት ምስርጣይ ከም ዝተርኣዮ ተዛሪባ።

"ሓሳቡ ብዝግባእ ክገልጽ ዘይኽእል ዓብዪ ሰብኣይ ከይተረፈ'ዮም ቀቲሎም። እዚ ፈጺመ ኣይርስዖን። ብዛዕብኡ ክሓስብ ከለኹ ወትሩ'የ ዝነብዕ" ኢላ።

ሰራዊት ሚያንማር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንገለ ክፋል እታ ሃገር ክቆጻጸሮ ከም ዘይክኣለ ተኣሚኑ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ዛው ሚን ቱን ነቶም ተቓወምቲ ኣሸበርቲ እዩ ዝብሎም።

"ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ እንተፈጺሞም፡ ወተሃደራትና ስጉምቲ ክወስዱሎም ኣዚዝና ኣሎና። ጸጥታ እዛ ሃገርን እቲ ዞባታትን ንምውሓስ ኣድላዪ ሓይሊ ብምጥቃም ንፍትን ኣሎና" ይብል።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፍታት ተቓውሞ ጉድኣት ዝበጽሖ ሰልፈኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ያንጎን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፍታት ተቓውሞ ጉድኣት ዝበጽሖ ሰልፈኛ

ብወግዒ ዝፍለጥ ቑጽሪ ሰራዊት ሚያንማር ኣስታት 370 ሽሕ ወተሃዳራት እዩ። ብተግባር ግን ካብኡ ዝተሓተ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ድማ ትሑት ምልመላ ወተሃደራት እዩ ነይሩዋ። እቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጸም ንድሓር ድማ ብዙሓት ኣባላት እቲ ሰላዊት ሰሊሞም'ዮም።

ብተመሳሳሊ ቑጽሪ በቲ ኻልእ ሸነኽ ዘለው ተዋጋእቲ [ኣባላት ፒዲኤፍ] ምግማት ኣይክኣልን።

ብተወሳኺ እቶም ብመንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ስደት ዝተጣየሹ ኣባላት ፒዲኤፍ በቶም ኣብ ከባቢ ዶባት እታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ብሄራዊ ዕጡቓት ሰልጢኖም፣ መዕቖቢ ተዋሂቡዎምን ተዓጢቖምን እዮም።

ቅድም ኢሉ፡ ገሊኦም ዕጡቓት እተን ዝተፈላለያ ብሄራት ምስቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ገይሮም'ኳ እንተነበሩ ሕጂ እቶም ስምምዓት ምቁራጽ ተጻብኦ ፈሪሶም'ዮም።

ካብዚ ብዝብገስ ፒዲኤፍ፡ ነቶም ሰራዊት እታ ሃገር 'እቶም ዕጡቓት ሃገር ከፍርሱ ዝንቀሳቐሱ'ዮም እናበለ ዘቕርቦም ዝነበረ ፕሮፖጋንዳታት ኣሚንና ንቕበል ብምንባርና ይቕሬታ ንሓትት' ክብል ነቶም ብሄራውያን ሚሊሻታት ይቕሬታ ሓቲቶም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኩሉ ማዕረ መሰላት ዝረኽበላ ፌደራላዊት ሃገር ንምምስራት ወግዓዊ ብዘይኾነ መገዲ ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።

1px transparent line