ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ሮሂንግያ ብዘተኣናገዶ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ናይ 150 ቢልዮን ዶላር ክሲ ቐሪብዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዓሰርተታት ኣብ ሃገራት ኣመሪካን ዩኬይን ዝነብሩ ተወለድቲ ሮሂንግያ፡ ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ዓሌቶም ዝተኸፍተ ናይ ጽልኣት ዘረባ ክቆጻጸር ኣይከኣለን ብዝብል ክሲ መስሪቶም።
ንሳቶም፤ በቲ ብመገዲ ፌስቡክ ኣቢሉ ዝተቓለሐ ናይ ጽልኣት ዘረባ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓሌት ዝበጽሐ ጃምላዊ መጥቃዕቲ፡ 150 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ኣለዎ ክብሉ አዮም ሓቲቶም።
ኣብ 2017 ኣብታ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ቡዲሂስት ዝነብሩላ ሃገረ ሚያንማር ወተሃዳራት ብዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ መጥቃዕቲ ኣስታት 10 ሽሕ ሮሂነጋውያን ተቐቲሎም እዮም።
ሕዚ ሜታ ዝብል ስም ዝተውሃቦ ፌስቡክ ግን ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን።
እቲ ኩባንያ 'ንዓመታት ናይ ጽልኣት ዘረባን ሓደገኛ ስኑዕ ሓበሬታን ኣብ መርበቡ ክቃላሕ ገይሩ' ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ።
ምቕማጡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነ ሓደ ንሰደተኛታት ሮሂንግያ ዝውክል ናይ ሕጊ ጠበቓ ትካል ናብ ፌስቡክ ዝጸሓፎን ቢቢሲ ዝተመልከቶን ደብዳበ ከምዚ ይብል ይርከቦ፡
- ናይ ፌስቡክ ኣልጎሪዝም [ቅድም ሰዓብ ጥቓዓት ዘተኣናግደሉ መገዲ] ኣብ ልዕሊ ሮሂንግያ ዝተኻየደ ናይ ጽልኣት ዘረባ ዘወዓውዕ ነይሩ፤
- እቲ ኩባንያ ንፖለቲካዊ ኩነታት ሚያንማር ብደንቢ ዝርድኡን ሓቃዊነት ጥቕዓት ዝቆጸጸሩን ሰባት ከምዘይቆጸረን ጻዕሪ ኣይገበረን፤
- እቲ ኩባንያ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮሂንግያ ናይ ጽልኢት ዘረባ ዝጉስጉሱ ጥቃዓት ኣይኣለየን ፤
- ካብ ሚድያን ሲቪል ማሕበራትን መጠንቀቕታት ይወሃቦ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ እዋኑ ስጉምቲ ኣይወሰደን።
ኣብ ኣመሪካ ሳን ፍራንሲስኮ ድማ፤ ሓደ ጠበቓ ሕጊ 'ፌስቡክ ንገንዘብን ዕዳጋን ክብል ብህይወት ህዝቢ ሮሂንግያ ተጣሊዑ' ዝብል ዕላዊ ክሲ መስሪቱ ኣሎ።
ብዜና ወኪል ሮይተርስ ዝተስርሐ ምርመራዊ ጋዜጠኝነት ዝተረኽበ ውጽኢት ድማ ይጠቕሱ።
ንኣብነት ሓደ ካብቶም ኣብ ፌስቡክ ዝተቓልሑ ጸብጻባት ኣብ 2013 ዝተጠቀዐ፡ "ከምቲ ሂትለር ንጁ ንምጥፋእ ዝገበሮ ገይርና ክንቃለሶም ኢና" ዝብል ይርከቦ።
ካልእ ድማ፡ "ነዳዲ ገይርካ ሓዊ ስደደሎም፤ ካብኡ ምስ ኣላህ ቀልጢፎም ክራኸቡ እዮም" ዝብል ይርከቦ።
ፌስቡክ ኣብ ሚያንማር 20 ሚልዮን ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኾይኑ፡ ንብዙሓት ዳርጋ ብሕታውን ቀንድን ምንጪ ሓበሬታ እዩ።
ኣብ 2018 ኩባንያ ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ሮሂንግያ ዝተኻየደ ጎስጓስ ጽልኢት ዘረባ ኣብ ምክልኻል እኹል ጻዕሪ ከምዘይገበረ ኣሚኑ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ዝተኻየደ፡ ብፌስቡክ ዝተመወለ ዘይሻራዊ ጸብጻብ፡ ፌስቡክ ጽልኣት ንኽዝራእን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንክፍጸምን ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጠረ የረድእ።
ሮሂንግያ ኣብ ሚያንማር ብመንግስትን ብህዝብን ንዓሰረተታት ዓመታት ክግለሉ እዮም ጸኒሖም።
ኣብ 2017 ገለ ዕጡቓት ሮሂንግያ ኣብ ልዕሊ መደብራት ፖሊስ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ ወተሃደራት ራኺ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ሚያንማር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም።
ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፤ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ተሰዲዶም።
መሬት ምቅጻል፣ ጾታዊ ዓመጻትን መቕተልትን ሓዊሱ ብዙሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሞም ይዝረብ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2018 ፌስቡክ ነቲ ጎስጓስ ጽልኣት ምላሽ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ ዝሕቱል ከምዝነበረ ከሲሱ እዩ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ፌስቡክ ተጠቀምቲ ብዝጥቅዕዎ ትሕዝቶ ከይክሰስ ዝከላኸለሉ ሕጊ ኣሎ፤ እንተኾነ እዚ ሕጊ ኣብ ሚያንማር ስለዘየሎ ከም መከላኸሊ ኣይሰርሕን፤ ክቕጻዕ ኣለዎ ዝብል ክሲታት እዩ ዝቐርብ ዘሎ።
ቢቢሲ ካብ ሜታ ምላሽ ንምርካብ ሓቲቱ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







