ሳን ሱቺ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ክልተ ጋዜጠኛታት ንዝሃቦ ፍርዲ ደጊፈን

ኣን ሳን ሱቺ መደረ እንተስምዓ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መራሒት ሚያንማር ኣን ሳን ሱቺ፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ሕጊ እታ ሃገር ጥሒሶም ንዝበሎም ክልተ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ዝበየኖ ፍርዲ ስዒቡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንዝቐርብ ዘሎ ተቓውሞ ተኸላኺለን።

ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ዋ ሎን ኪያው ሶእን ሕጊ ስለዝጠሓሱ፡ እቲ ዝተበየኖም ፍርዲ ምስ 'ሓሳብካ ብነፃነት ምግላፅ ዘራኽብ የብሉን' ኢለን።

ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ዝተኣሰሩ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ሮሂንጋዊያን ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ምፅናት መርመራዊ መደብ ንምስራሕ መንግስታዊ መረዳእታ ይፍትሹ ብምንባሮም እዩ።

ወተሃደራት ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋዊያን ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብካልእ መንገዲ ምፍታሕ ምተኽኣለ ነይሩ ኢለን።

ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ዝኾና ኣን ሳን ሱቺ፡ ዋላ እኳ ብስሩዕ ንፕረዚደንትነት ዝተመረፃ እንተዘይኮና፡ ብብዙሓት ግና ከም ፕረዚደንት እታ ሃገር እየን ዝረኣያ።

ነዚ ድማ እዩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋዊያን ንዝተፈፀመ ጨፍጫፍን ብዛዕባ እቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ግብረ መልሲ ንክህባ ፀቕጢ ዝግበር ዘሎ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 'ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝተገበረ ወፍሪ' ብምባል ንሚያንማር ምክሳሱ ይዝከር።

ሱቺ ንነዊሕ እዋን ግብረ መልሲ እንከይሃባ እዃ እንተፀንሓ፡ ትማሊ ኣብ ቬትናም ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ጉባኤ ቁጠባ ግና ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተዛሪበን።

ኣብ ዝሃብኦ መደረ ድማ፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ዘመሓላለፎ ብይን፡ ልዕልነት ሕጊ ዘረጋግፅ እዩ፤ ወቐሳታት የቕርቡ ዘለዉ ሰባት ግና፡ እዚ ውሳነ ኣየንበቡዎን ኢለን።

ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ንውሳነ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ከምዘለዎም ድማ ሓቢረን።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ግና፡ ኣን ሳን ሱቺ 'ልዕልነት ሕጊ ''ኣይተረደአንን፡ ጌጋ ፈፂመን' ብምባል ንመደረ ሳን ሱቺ ኮኒኑ።

ዳይሬክተር ፊሊ ሮበርትሰን፡ ''እቲ ትኽክለኛ ልዕልነት ሕጊ ኣይተረደአንን። ልዕልነት ሕጊ ማለት ኣብ ቤት ፍርዲ ንዝቐርብ መረዳእታ ምኽባር ማለት እዩ። ቤት ፍርዲ ካብ ፅዕንቶ ሓይልታት መንግስቲ ነፃ ክኸውን ይግባእ'' ኢሎም።

በዞም መለክዕታት እዚኦም ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝተወሰነ ፍርዲ ቅቡል ኣይኮነን ኢሎም እቶም ዳይሬክተር።

ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ዝሐለፈ ሰለስተ መስከረም፡ ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ብማእሰርቲ ሸውዓተ ዓመት ክቅፅዑ፡ ምውሳኑ ይዝከር።

ማሕበረሰብ ዓለም ግና ብይን እቲ ቤት-ፍርዲ ዘይፍትሓዊ ብምባል ንሚያንማር ይኹንን ኣሎ።

ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ሮሂንጋዊያን ብዘፈፀምዎ ኣረመኔያዊ ቅትለት ምኽንያት ልዕሊ 700 ሽሕ ሮሂንጋውያን ናብ ባንግላዲሽ ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም።

መግለጺ ቪድዮ, ማሕበረሰብ ሙስሊም ሮሂንግያ ኣብ ከቢድ ቅልውላው መንነት ተሸሚሞም።