ቅልውላው ሮሂንጊያ፡ መራሒት ሚያንማር ሱቺ ካብ መዝነተን ክወርዳ ይግባእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፡ መራሒተ ሚያንማር ኣን ኡንግ ሳን ሱቺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ሮሂንጋዊያን ንዘፅሕዎ ኢ-ሰብኣዊ ግህሰት፡ ካብ ስልጣነን ክለቃ ምተገብአ ኢሎም።
ዋና ዳይሬክተር ዘይድ ራዓድ ኣል ሑሴን ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ፡ ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሳን ሱቺ፡ ንዝተፈፀመ ግህሰት''ካብ ልቢ ተጣዒሰ ይቕረታ" ኢለን ጥራሕ ምሕላፈን ግቡእ ኣይኮነን።
ኣል ሑሴን ነዚ ርኢቶ ዝሃቡ፡ መራሕቲ ወተሃደራት ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋዊያን ንዝፈፀምዎ ምፅናት ዓሌት ክኽሰሱ ይግባእ ዝብል ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕላዊ ድሕሪ ምዃኑ እዩ።
ሚያንማር ግና፡ ንግህሰት ሰብኣዊ ጥሕታት ኣይተፃወርናዮን ብምባል ተቓዊማ።
ስልታዊ ምፅናት ብምጥቃም ዝኽሰስ ዝሰራዊት እታ ሃገር ግና፡ ቅድሚ ሕዚ ጌጋ ከምዘይፈፀመ እዩ ዝኣምን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕላዊ ዝኾነ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንብዙሕ ዓመታት ንዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ዝተቓለሳ ሱኪ፡ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋውያን ንዝተፈፀመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዘይምክልኻለን ኮኒንወን።
"ኣብ ስልጣን ስለዝነበራ ዝኾነ ነገር ክገብራ ምተገብአ" ዝበሉ ኣል ሑሴን፡ " ካብ ሱቕታ ሓሊፈን ግና ዝገበርኦ ነገር ኣይነበረን፡ ካልእ እንተረፈ ካብ ስልጣነን ክለቃ ምተገብአ" ኢሎም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት።
"ኣፈኛ ወተሃደራት በርማ ምዃን ኣይመድለየን ነይሩ፤ ኣነ ነዛ ሃገር ንምምራሕ እናተዳለኹ እየ፡ ግና ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኮይነ ኣይኮንኩን ክመርሕ ዝደልይ ምባል ምኸኣላ ነይረን" ኢሎም ንክፍተት ሳን ሲቺ ብምጉላህ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣን ሳን ሱቺ'ኸ እንታይ ኢለን?
ጓል 73 ዓመት ኣን ሳን ሱቺ፡ ወተሃደራት በርማ ዝፍፅምዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዘይምቁፅፃረን፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ወተሃደራዊ ኣረመንያዊ ጨፍጫፍ ንክገትኣ ፅዕንቶ በፂሕወን እዩ።
ንዓሰርተታት ዓመታት መሰል ሰብኣዊ መሰል ማሕበረሰብ ንክረጋገፅ ብጅግንነት ክቃለሳ ዝፀንሓ ሱቺ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ውልቀ መላኺ ብምቅዋመን ን21 ዓመታት ተኣሲረን ነይረን እየን።
ኮሚቴ ኖቤል ትማሊ ረቡዕ ከምዝሓበሮ ድማ፡ ብ1991 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተውሃባ ሽልማት ክቕንጠጥ ከምዘይኽእል ገሊፁ።
ወተሃደራት ሚያንማር፡ ብዝፈፀምዎ ኣረመኔያዊ ተግባር ምፅናት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሙስሊም ሮሂንጋዊያን እንትሞቱ፡ ካብ 2017 ንነዘ ልዕሊ 700 ሸሕ ሮሂንጋውያን ካብ መረበቶም ተመቢሎም ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላዲሽ ተሰዲዶም እዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







