ቅልውላው ሮሂንጊያ፡ መራሒት ሚያንማር ሱቺ ካብ መዝነተን ክወርዳ ይግባእ

ሮሂንጊያ ኣብ ሚያንማር እቶም ዝወሓዱ ዓሌት እዮም፡ ኣብ ባንግላድሽ ዝተወሰደ ስእሊ 19 ታሕሳስ 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሮሂንጊያ ኣብ ሚያንማር እቶም ዝወሓዱ ዓሌት እዮም

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፡ መራሒተ ሚያንማር ኣን ኡንግ ሳን ሱቺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ሮሂንጋዊያን ንዘፅሕዎ ኢ-ሰብኣዊ ግህሰት፡ ካብ ስልጣነን ክለቃ ምተገብአ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ዘይድ ራዓድ ኣል ሑሴን ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ፡ ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሳን ሱቺ፡ ንዝተፈፀመ ግህሰት''ካብ ልቢ ተጣዒሰ ይቕረታ" ኢለን ጥራሕ ምሕላፈን ግቡእ ኣይኮነን።

ኣል ሑሴን ነዚ ርኢቶ ዝሃቡ፡ መራሕቲ ወተሃደራት ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋዊያን ንዝፈፀምዎ ምፅናት ዓሌት ክኽሰሱ ይግባእ ዝብል ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕላዊ ድሕሪ ምዃኑ እዩ።

ሚያንማር ግና፡ ንግህሰት ሰብኣዊ ጥሕታት ኣይተፃወርናዮን ብምባል ተቓዊማ።

ስልታዊ ምፅናት ብምጥቃም ዝኽሰስ ዝሰራዊት እታ ሃገር ግና፡ ቅድሚ ሕዚ ጌጋ ከምዘይፈፀመ እዩ ዝኣምን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕላዊ ዝኾነ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንብዙሕ ዓመታት ንዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ዝተቓለሳ ሱኪ፡ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋውያን ንዝተፈፀመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዘይምክልኻለን ኮኒንወን።

"ኣብ ስልጣን ስለዝነበራ ዝኾነ ነገር ክገብራ ምተገብአ" ዝበሉ ኣል ሑሴን፡ " ካብ ሱቕታ ሓሊፈን ግና ዝገበርኦ ነገር ኣይነበረን፡ ካልእ እንተረፈ ካብ ስልጣነን ክለቃ ምተገብአ" ኢሎም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት።

"ኣፈኛ ወተሃደራት በርማ ምዃን ኣይመድለየን ነይሩ፤ ኣነ ነዛ ሃገር ንምምራሕ እናተዳለኹ እየ፡ ግና ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኮይነ ኣይኮንኩን ክመርሕ ዝደልይ ምባል ምኸኣላ ነይረን" ኢሎም ንክፍተት ሳን ሲቺ ብምጉላህ።

ወይዘሮ ሱኪ፡ ምስ መራሒ ሰራዊት እታ ሃገር ኮማንደር ሚን ኣንግ ሀሌንግ ኢድ ንኢድ እንትጨባበጡ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወይዘሮ ሱኪ፡ ምስ መራሒ ሰራዊት እታ ሃገር ኮማንደር ሚን ኣንግ ሀሌንግ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን

ኣን ሳን ሱቺ'ኸ እንታይ ኢለን?

ጓል 73 ዓመት ኣን ሳን ሱቺ፡ ወተሃደራት በርማ ዝፍፅምዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዘይምቁፅፃረን፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ወተሃደራዊ ኣረመንያዊ ጨፍጫፍ ንክገትኣ ፅዕንቶ በፂሕወን እዩ።

ንዓሰርተታት ዓመታት መሰል ሰብኣዊ መሰል ማሕበረሰብ ንክረጋገፅ ብጅግንነት ክቃለሳ ዝፀንሓ ሱቺ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ውልቀ መላኺ ብምቅዋመን ን21 ዓመታት ተኣሲረን ነይረን እየን።

ኮሚቴ ኖቤል ትማሊ ረቡዕ ከምዝሓበሮ ድማ፡ ብ1991 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተውሃባ ሽልማት ክቕንጠጥ ከምዘይኽእል ገሊፁ።

ወተሃደራት ሚያንማር፡ ብዝፈፀምዎ ኣረመኔያዊ ተግባር ምፅናት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሙስሊም ሮሂንጋዊያን እንትሞቱ፡ ካብ 2017 ንነዘ ልዕሊ 700 ሸሕ ሮሂንጋውያን ካብ መረበቶም ተመቢሎም ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላዲሽ ተሰዲዶም እዮም።

መግለጺ ቪድዮ, ማሕበረሰብ ሙስሊም ሮሂንግያ ኣብ ከቢድ ቅልውላው መንነት ተሸሚሞም።