ጳጳስ ፍራንሲስ፡ 'ኣዝዮም ዘሕዝኑ ቅልውላዋት ዓለም ቆላሕታ ኣይረኸቡን' ኢሎም

ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማ ፖፕ ፍራንሲስ፡ ዓለም ነቶም ኣብዚ እዋን ዘጋጥሙ ዘለዉ ቅልውላዋትን ስቅያትን ስምዒት ኣልቦ ምዃና ሓቢሮም።
ብምኽንያት በዓል ልደት [ክሪስማስ] ኣብ ዘሕልፍዎ ዓመታዊ መልእኽቶም፡ ነቲ ኣብ ሶሪያ፣ የመንን ኢራቕን፣ ኣፍሪቃ፣ ኣውሮጳን እስያን ንዘለዉ ቅልውላወት ጠቒሶም።
ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ጎንጽታት ብደረጃ ዓለም ንምፍታሕ ኣብ ዝግበሩ ጻዕርታት ጽልዋ ከምዘሕደረ ተዛሪቦም።
ብዂናት ይሕመሳ ንዘለዋ ኢትዮጵያን ዩክሬንን ከምኡ’ውን ምስ ኣኽረርቲ ብዝካየድ ውግእ ኣብ ሕምስምስ ኣብ ዘሎ ዞባ ሳሕል ሰላም ንምሰፍን ጽሎት ኣካይዶም።
ጎንጽታት ንምፍታሕ ዝግበሩ ዓለምለኻዊ ዝርርባት ቦታ ይወሃቦም ከምዘየሎ ዝሓበሩ እቶም ጳጳስ እዚ ከኣ ንጎንጽታት ኣብ ክንዲ ዘላቒ ፍታሕ ምሃብ ኣቋራጽታት ንምውሳድ ይደፋፍእ ምህላዉ ኣረዲኦም።
“ጎንጽታት፣ ቅልውላዋትን ዘይምስናያትን ክውስኹ ንዕዘብ ኣለና” ብምባል፡ እዚኦም ድማ ኣብ ዝፍትሑ ከምዘይመስሉ ገሊኦም።
“ንለማመዶም ብምህላውና እቶም ኣዝዮም ዘሕዝኑ ነገራት ብስቕታ ይሕለፉ ኣለዉ” ኢሎም።
ብፍላይ ኣብ ሶሪያ፣ ኢራቕን የመንን ንዘለዉ ጎንጽታት ብምጥቃስ “ብዙሓት ብስቕታ ይርእይዎ ዘለዉ ዘሕዝን ኩነታት ይፍጠር ኣሎ” ክብሉ ነቲ ዘሻቕል ኩነታት ገሊጾም።
ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ፍሊስጤምን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዘይምስናይ ንኽትሓስብ ከምኡ’ውን ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ክርስዕ ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ ፖፕ ፍራንሲስ።
ንኩነታት ኣፍጋኒስታውያን ከምኡ’ውን ነታ ዕልዋ መንግስቲ ተኻየደላ ሚያንማር ኣብ መልእኽቶም ብምዝካር፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘሕደሮ ጽልዋ ድማ ነቲ ጎንጽታት ንምህዳእ ዝግበር ዓለምለኻዊ ጽዕርታት ከምዘተኣጓጎሎ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዓል ልደት ኣብ ውሽጢ ገዛ ኮይኖም መልእኽቶም ዘሕለፉ እቶም ጳጳስ ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም’ዮም ነዚ ዘረባ ኣስነሚዖም።
ኣሽሓት ዝግመቱ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ድማ ኣብቲ ኣደባባይ ተዓዲሞም ንመልእኽቲ ፖፕ ፍራንሲስ ተኸታቲሎም።
ብዘይካ እቲ ንቕልውላው ዓለም ኣመልኪቶም ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ድማ ንጽጉማት ክፋላት ማሕበረሰብ ምዝካር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







