ጳጳስ ፍራንሲስ ኣእጋር መራሕቲ ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳን ስዒሞም

መግለጺ ቪድዮ, ጳጳስ ፍራንሲስ ኣእጋር መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ብምስዓም ንሰላም ተማሕጺኖም

ጳጳስ ፍራንሲስ ኣእጋር እቶም ኣብ ግጭት ዝጸንሑ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ስዒሞም።

እዞም መራሕቲ ብቫቲካን ተዓዲሞም ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ሱባኤ ኣቲዮም ቐኒዮም።

እቶም ጳጳስ ነቲ ብዙሕ ዘየጋጥም ተግባር ኣብ ዝፈጸምሉ "ሰላም ክትገብሩ ከም ኣሕዋት ይልመነኩም፡ ብምሉእ ልበይ ይልምነኩም፡ ብሓባር ንቕድሚት ንጎዓዝ" ክብሉ ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ምክትሉ ዝነበረ ሪክ ማቻርን ኣብ 2013 ናብ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝኣትዉ 400,000 ዝኸውን ሰብ ተቐቲሉ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ዝፈረምዎ ስምምዕ ሰላም ግና ነቲ ኲናት መኸተም ገይርሉ ኣሎ።