ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሮማ ፍራንሲስ ንፈለማ እዋን ንኢማራት ዓረብ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጳጳስ ፍራንቸስኮ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ምእታዎም፡ ናብቲ ሓውሲ ደሴት ዝኾነ ዓረባዊ ክፋል ዓለም፡ ንፈለማ እዋን ብኣቡን ዝተገበረ ታሪኻዊ ዑደት ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ኣቡዳቢ ምስ ኣተው ብልኡል ሸኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ኣል-ናህያን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
እቶም ጳጳስ ፅባሕ ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ክሳተፉሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ቅዳሰ ከም ዝመርሕን፡ዝተፈላለዩ እምነታት ዝሳተፉሉ ኮንፈረንስ ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር።
ጳጳስ ፍራንቸስኮ፡ ብዛዕባ እቲ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኢዳ ዝሓወሰትሉ ኲናት የመን፡ ቅድሚ መገሽኦም ርእይቶ ሂቦምሉ ነይሮም።
"እቲ ህዝቢ [ኣብ የመን] ነዊሕ ግዘ ብዝወሰደ ኲናት ይውዳእ ኣሎ። ህፃናት ድማ ብጥምየት እናተሳቐዩ መግቢ ክረኽቡ ኣይከኣሉን" ክብሉ ገሊፆም።
" ድምፂ ኣውያት እቶም ህፃናትን ወለዶምን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ በፂሑ ኣሎ" ክብሉ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም ነይሮም።
ሕጂ ኣብ ዝገብርዎ ምብፃሕ ግን፡ ነቲ ዛዕባ ደጊሞም ኣብ ቅድሚ ህዝብን ብውልቀን ከልዕልዎ'ዶ ኣይከልዕልዎን ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ኣብቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ስምረት (ጥምረት) ተጠርኒፋ ኣብ ጉዳይ የመን እናተሳተፈት ትርከብ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ዝበዝሑ ፊሊፒናውያንን ህንዳውያንን ዝርከብዎም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ካቶሊካውያን ኣብታ ሃገር ከም ዝነብሩ ይዝረብ።
ገለ ካብኣቶም ነቶም ጳጳስ ንምርኣይ ዝተዳለዉ ኮይኖም፡ ወኪል ዜና ኤ ኤፍ ፒ ዘዘራረቦ ሓደ ውልቀ ሰብ " ብዛዕባ'ቲ ሙሉእ ዓለም ክሰምዖ ዝደልይ 'ተጻዋርነት' ዝምልከት ዘተ ንምክያድ መገዲ ዝኸፍት'ዩ" ክብል ንዑደት እቶም ጳጳስ ገሊፅዎ።
ጳጳስ ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝፀንሑለን መዓልታት፡ ምስ ኢማም ናይቲ ኣብ ግብፂ ካይሮ ዝርከብ ዓብዪ መስጊድ ኣል-ኣዝሃር ዝኾኑ፡ ሸኽ ኣሕመድ ኣል-ጣይብ'ውን ክራኸቡ እዮም።
ቫቲካናውያን፡ ፡ኣብተን ኣዕራብ ሃገራት ኣብያተ ክርስትያን ናይ ምህናፅ ዕድል ንኽፍጠር፡ ካብ ዑደት እቶም ጳጳስ ተስፋ ምግባሮም፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብኛ ሙራድ ባታል ሺሻኒ ሓቢሩ።
ሰበ-ስልጣን ቫቲካን፡ ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ዘገልግላ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ክህልዋ ከም ዝግባእ ይዛረቡ።
ሓደ በዓል ስልጣን "ናብ ኩሉ ተባፂሕና ኢና። ተወሰኽቲ ኣብያተ ክርስትያን የድልያና እየን። ተወሰኽቲ ካህናት'ውን ከምኡ" ክብል ን ሮይተርስ ኣረዲኡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







