ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሮማ ፍራንሲስ ንፈለማ እዋን ንኢማራት ዓረብ ኣትዮም

ጳጳስ ፍራንሲስ ምስ ናይ ኣቡዳቢ ልኡል ዘይድ ኣል-ናህያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቶም ጳጳስ በቲ ናይ ኣቡዳቢ ልኡል ኣቀባብላ ተገይርሎም

ጳጳስ ፍራንቸስኮ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ምእታዎም፡ ናብቲ ሓውሲ ደሴት ዝኾነ ዓረባዊ ክፋል ዓለም፡ ንፈለማ እዋን ብኣቡን ዝተገበረ ታሪኻዊ ዑደት ኮይኑ'ሎ።

ኣብ ኣቡዳቢ ምስ ኣተው ብልኡል ሸኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ኣል-ናህያን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቶም ጳጳስ ፅባሕ ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ክሳተፉሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ቅዳሰ ከም ዝመርሕን፡ዝተፈላለዩ እምነታት ዝሳተፉሉ ኮንፈረንስ ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር።

ጳጳስ ፍራንቸስኮ፡ ብዛዕባ እቲ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኢዳ ዝሓወሰትሉ ኲናት የመን፡ ቅድሚ መገሽኦም ርእይቶ ሂቦምሉ ነይሮም።

"እቲ ህዝቢ [ኣብ የመን] ነዊሕ ግዘ ብዝወሰደ ኲናት ይውዳእ ኣሎ። ህፃናት ድማ ብጥምየት እናተሳቐዩ መግቢ ክረኽቡ ኣይከኣሉን" ክብሉ ገሊፆም።

መግለጺ ቪድዮ, ዘይዛሪ ቅልውላው የመን

" ድምፂ ኣውያት እቶም ህፃናትን ወለዶምን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ በፂሑ ኣሎ" ክብሉ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም ነይሮም።

ሕጂ ኣብ ዝገብርዎ ምብፃሕ ግን፡ ነቲ ዛዕባ ደጊሞም ኣብ ቅድሚ ህዝብን ብውልቀን ከልዕልዎ'ዶ ኣይከልዕልዎን ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ኣብቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ስምረት (ጥምረት) ተጠርኒፋ ኣብ ጉዳይ የመን እናተሳተፈት ትርከብ።

ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ናይ ሮማ ካቶሊካውያን ኣብታ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ናይ ሮማ ካቶሊካውያን ኣብታ ሃገር

ዝበዝሑ ፊሊፒናውያንን ህንዳውያንን ዝርከብዎም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ካቶሊካውያን ኣብታ ሃገር ከም ዝነብሩ ይዝረብ።

ገለ ካብኣቶም ነቶም ጳጳስ ንምርኣይ ዝተዳለዉ ኮይኖም፡ ወኪል ዜና ኤ ኤፍ ፒ ዘዘራረቦ ሓደ ውልቀ ሰብ " ብዛዕባ'ቲ ሙሉእ ዓለም ክሰምዖ ዝደልይ 'ተጻዋርነት' ዝምልከት ዘተ ንምክያድ መገዲ ዝኸፍት'ዩ" ክብል ንዑደት እቶም ጳጳስ ገሊፅዎ።

ጳጳስ ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝፀንሑለን መዓልታት፡ ምስ ኢማም ናይቲ ኣብ ግብፂ ካይሮ ዝርከብ ዓብዪ መስጊድ ኣል-ኣዝሃር ዝኾኑ፡ ሸኽ ኣሕመድ ኣል-ጣይብ'ውን ክራኸቡ እዮም።

ቫቲካናውያን፡ ፡ኣብተን ኣዕራብ ሃገራት ኣብያተ ክርስትያን ናይ ምህናፅ ዕድል ንኽፍጠር፡ ካብ ዑደት እቶም ጳጳስ ተስፋ ምግባሮም፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብኛ ሙራድ ባታል ሺሻኒ ሓቢሩ።

ሰበ-ስልጣን ቫቲካን፡ ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ዘገልግላ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ክህልዋ ከም ዝግባእ ይዛረቡ።

ሓደ በዓል ስልጣን "ናብ ኩሉ ተባፂሕና ኢና። ተወሰኽቲ ኣብያተ ክርስትያን የድልያና እየን። ተወሰኽቲ ካህናት'ውን ከምኡ" ክብል ን ሮይተርስ ኣረዲኡ።