ቫቲካን፡ ጳጳስ ፍራንሲስ ስደተኛታት ዝሓዛ መራኽብ መዕለቢ ክረኽባ ጸዊዑ

ጳጳስ ፍራንቸስኮ ኣብ ጥምቀት መዓልቲ መደረ እናኣስመዐ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዘሃቦ ህዝባዊ መደረ፡ ሰበ-ስልጣን ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዛዕባ እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ክልተ መርከብ ዘለው 49 ስደተኛታት ''ድንጋጸ'' ከርእዩ ተማሕጺኑ።

ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ዝሃቡዎ ህዝባዊ መደረ፡ እቶም ስደተኛታት ውሑስ ወደብ ከም ዘድልዮም ካብ ልቡ ዝነቐለ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ዓዲ ጥልያንን ማልታን፡ ነተን ስደተኛታት ዝሓዛ ክልተ መራከብ ኣብ መሬተን ከይኣትዋ ከልኪለን ኣለዋ።

እቲ ጳጳስ ንልዕሊ 60000 ሰባት ኣብ ቀጽሪ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጥምቀት መዓልቲ ኣብ ዘስⶁዖ መደረ፡ ''ንሰበ-ስልጣን ኤውሮጳዊ ሕብረት ድንጋጸ ከርእዩ ካብ ልበይ ዝነቐለ ምሕጽንታ የቕርብ'' ኢሉ።

ካብተን መራኽብ ሓንቲ ናይ ሆላንድ ባንዴራ እተንበልብል ግን ከኣ ብጀርመናውያን ወሃብቲ ረድኤት እትንቀሳቕ ኮይና 22 ታሕሳስ 32 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ከተድሕን እንከላ፡ እታ ካልኣይቲ መርከብ ሲ-ኣይ እትበሃል ብኻልእ ጀርመናውያን ወሃብቲ ሬድኤት እትንቀሳቐስ ኣብ 29 ታሕሳስ 17 ሰባት ክተድሕን ኪኢላ'ያ።

እተን መራኸብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

ማልታ ነተን ክልተ መራኽብ ዘድሊ ስንቂ ክወስዳን ካብ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ኣብ ማያታ ክኣትዋ ኣፍቂዳ። እነተኾነ ግን እተን መራኽብ ኣብ ወደባ ከይዕሽጋ ከልኪላ ትርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ ጣልያን ብወገኑ፡ ዓዲ ጣልያን ንዓመታት ስደተኛታት ክትቕበል ከም ዝጸንሓትን ሕጂ ድማ ማልታ ገለ መራኽብ ክትቕበል እዋኑ እዩ ኢሉ።

ስደተኛታት ኣብ መርከብ ኣብ ገማግም ማልታ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

ኣኳርየስ ዝተብህለት መርከብ ሃገራት ማልታን ጣልያንን ወደባተን ስለዝዓጸዋላ ኣብ ቀላይ ንመዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ እስፐይን ኣብ ወደባ ክትዕሽግ ኣፍቂዳትላ።

ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ ጣልያን ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ጉዳይ ስደተኛታት ንምብዳህ ዝያዳ ሓገዝ ሓቲቱ'ሎ።

ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ግብረሰናይን፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ነተን መራኽብ ክቕበላ ጸዊዖም።

ስደተኛታት ኣብ መርከብ ኣብ ገማግም ማልታ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty