ታይምስ፡ ንጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን ብሉጻት ሰባት እዚ ዓመት ኢሉ ረቚሑዎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ምክትሉ ካማላ ሃሪስን ብመጽሄት ታይምስ ናይ ዓመተ 2020 ዝበለጹ ሰባት ተባሂሎም ተሮቊሖም።
ንዲሞክራትስ ወኪሎም ኣብ መረጻ ኣመሪካ ተወዳዲሮም ዝተዓወቱ ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስስ፡ ምስ ላዕለዋይ ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካዊ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ናብ መዛዘሚ ድሕሪ ምብጻሕ እዮም ንኽልቲኦም ስዒሮም ዝበለጹ ሰባት ናይ ዓመተ 2020 ክኾኑ ክኢሎም።
መጺሄት ታይምስ ካብ 1927 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝበለጸ ሰብ እናበለ ኣፍልጦ ክህብን ክሽልምን ጸኒሑ እዩ።
ላዕለዋይ ኤዲተር መጽሄት ታይምስ ኤድዋርድ ፈልሳታል “ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን ታሪኽ ኣመሪካ ኣብ ምቅያር፡ ዘርኣይዎ ተደናጋጽነት፡ ቃንዛ ዓለም ኣብ ምሕዋይ ዘመንጭውዎ ዘለዉ ሓሳባት ታይምስ ዝበለጹ ሰባት 2020 ኢሉ ክሮቅሖም ካብ ዝደረኹ ነጥብታት’ዮም” ኢሉ።
ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ምክትሉ ካማላ ሃሪስን ነዚ ሽልማት ኣመልኪቶም ክሳብ ሕጂ ዝሃብዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
መጽሄት ታይምስ ዓመታዊ ፡ ንውልቀ ሰባት፡ ንጉጅለን ሓሳባትን ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ብሕማቕ ይኹን ብጽቡቕ ጽልዋ ነይርዎም ንዝበሎም ይሽልም እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንክሊማዊ ለውጢ እትቃለስ ስዊድናዊት ኣብቲ ግዜ እቲ ጓል 16 ዓመት ዝነበረት ግሬታ ቱንበርግ ዝበልጸት ሰብ ናይ 2019 ተባሂላ ብመጽሄት ታይምስ ምሽላማ ይዝከር።
መጽሄት ታይምስ ካብ 1927 ጀሚሩ ነዚ ሽልማት ዓመታዊ ክህብ እንከሎ፡ ኣብ 2013 ፖፕ ፍራንሲስ፡ 2017 ፕረዚደንት ሩስያ ቫላዳሚር ፑቱን፡ ኣብ 1963 ማርቲን ሉተር ኪንግ ብጽቡቕ ሽሞም ካብ ዝተዓወቱ እዮም።
ኣብ 1938’ውን ኣዶልፍ ሂትለር፡ ዋላ ድኣ ብጽቡቕ ስም ኣይኹን ኣብቲ እዋን ብዝነበሮ ጽልዋ ነዚ ሽልማት እዚ ክዕወተሉ ክኢሉ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







