ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ‘ን10 ዓመታት ግብሪ ከምዘይከፈለ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣቃሊዓ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ 2016-2017 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ንፕረዝደንትነት ኣብ ዝወዳደርሉ ከምኡ'ውን ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝኣተወሉ ፈላማይ ዓመት 750 ዶላር ጥራሕ'ዩ ግብሪ ከምዝኸፈለ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣቃሊሓ።

ናይ ኣስታት 20 ዓመታት መዝገብ ግብሪ እቲ ፕረዝደንት ከምዝረኸብ ዝገለፀ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ትራምፕ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ግብሪ ከፊሉ ከምዘይፈልጥ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ ግብሪ ንዘይምኽፋል፡ በብዓመቱ ክሳራ ጸብጻባት ከምዝገብርን ዝተፈላለዩ ናይ ምትላል ስልትታት ከምዝጥቀምን እቲ ጋዜጣ ኣቃሊዑ።

ትራምፕ ግና ንፀብፃብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ "ስኑዕ ዜና" ብምባል ነጺግዎ።

"ብሓቂ ግብሪ ከፊለ እየ። ኣብ ቀረባ ግዘ ግብሪ ዝኸፈልኩሉ ቅብሊት ምስ ረኣኹም ክተረጋግፁ ኢኹም። ኦዲት እዩ ዝኸውን ዘሎ" ኢሉ።

"ቀደሙ እውን እንተኾነ፡ ኣገልግሎት እቶት ውሽጢ ዓዲ ብግቡእ ኣየተኣናግዱንን፡ ብሕማቅ እዮም ዘአንግዱኒ። ኣብ ኣገልግሎት እቶት ትፈልጥዎም ኣለውኹም" ኢሉ።

ህንጻ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰነዳት ትካላት ንግዱን ብሃብቱን ብምሕባእ ዝንቀፍ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ 1970 ንነጀው ግብሪ ዝኸፈለሉ ቅብሊት ንህዝቢ ዕላዊ ዘይገበረ ፈላማይ ፕረዝደንት እዩ።

ኒውዮርክ ታይምስ፡ ነቲ መረዳእታ፡ ካብ ሕጋዊ ፍቃድ ካብ ዘለዎ ሰብ ከምዝረኸቦ እዩ ሓቢሩ ዘሎ።

ትራምፕ 3 ሕዳር ንዝካየድ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ምስ መወዳድርቱ ጆ ባይደን ንምክታዕ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ ግዘ እዩ እዚ ጸብጻብ ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ።