ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኮኒኖም

ፖፕ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ሃገራት ዓለም ንስደተኛታት ዝኣልያሉ መገዲ ኮኒኖም።

ኣብ ግሪካዊት ደሴት ሌስቦስ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ እቶም ጳጳስ፡ ነቲ ሃገራት ኣውሮጳ ንስደተኛታት ዝነጽጋሉ ኩነታት “ናይ ስልጣነ ውድቀት” ክብሉ ነቒፎም።

ፖፕ ፍራንሲስ፡ ንፈለማ እዋን ብ2016 ናብ ደሴት ሌስቦስ ዝበጽሑዋ ኮይኖም፤ ኣብቲ ሽዑ እዋን ድማ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ከም ቀንዲ መሰጋገሪ ይጥቀሙላ ነይሮም።

ካብቲ እዋን ንደሓር ሓድሽ ናይ ስደተኛታት ዋሕዚ ክረኣይ ብምጅማሩ ከኣ፤ ብዙሕ ዝተቐየረ ነገር የለን ክብሉ እቶም ጳጳስ ሓዘኖም ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣየር ተመሊኣ እትንሳፈፍ ንኡሽተይ ታንኳ ተጠቒሞም ካብ ፈረንሳይ ናብ እንግሊዝን ክሰግሩ ዝፈተኑ 27 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይዝከር።

በቲ መትረብ [ካናል] ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ቁጽሮም ኣዝዩ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዛጊድ ልዕሊ 26,000 ሰባት ናብ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ቁጽሪ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓፈሻዊ ድምር ክነጻጸር ከሎ ልዕሊ ዕጽፊ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ካልኦት ብዙሓት ስደተኛታት ድማ ካብ ቤላሩስ ናብ ፖላንድ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ብሰንኪ ሓያል ቁሪ ህይወቶም ከምዝስእኑ ይሕበር።

“ኣብ ኣውሮጳ ነዚ ጉዳይ ቆላሕታ ምሃብ ከምዘይምልከቶም ኮይኖም ዝሓልፉ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ” ኢሎም ፖፕ ፍራንሲስ።

ወሲኾም ድማ “ናይ ገዛእ ርእሲኻ ረብሓ ጥራሕ ምትኳርን ሃገራውነትን ኣዝዩ መዕነዋይ ዝኾነ ሳዕቤናት ከምዘኸትል ታሪኽ ኣምሂሩና’ሎ” ክብሉ ሓቢሮም።

እቶም ጳጳስ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓዊ ዝዓነወ መዓስከር ሞሪያ ንዝነበሩ 2,000 ሓተትቲ ዕቑባ ዝተዳለወ ጊዚያዊ መዕቖቢ ተረኾቦም’ዮም ነዚ መልእኽቲ ዘሕለፉ።

ዓለም ንለበዳ ኮሮናቫይረስን ክሊማዊ ለውጢን ኣብ ምቅላስ ክትሓብር ኣብ እትረኣየሉ እዚ እዋን ንጉዳይ ስደተኛታት ግን ሓበራዊ ቆላሕታ ከምዘይተወሃበ ብንጽጽር ኣረዲኦም።

ቀንዲ መንቀሊታት ክፍትሑ እምበር፤ እቶም ብሳዕቤናቶም ዝህሰዩ ዘለዉ ድኻታት ግዳያት ክኾኑ ከምዘይብሎምን እቲ ኩነታት ንፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ ክውዕል ከምዘይግባእን ፖፕ ፍራንሲስ ገሊጾም።

ንሶም ኣብ ቅድሚ ስደተኛታት ተረኺቦም ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ንሃገራት ኣውሮጳ ዝምልከት ኮይኑ ፖለቲከኛታት ንጉዳይ ስደተኛታት ብኣግባቡ ኣብ ምእላይ ከምዝደኸሙ ዝነቅፍ’ዩ ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፌርጋል ኬን ካብ ሌስቦስ።

እቶም ጳጳስ ቅድሚ ሎሚ’ውን ንጉዳይ ሓተትቲ ዕቑባ ዝምልከት መልእኽቲ የሕልፉ ምንባሮም ዘዘኻኸረ እቲ ጋዜጠኛ ናይ ሎሚ ዘረብኦም ግን ዝተፈለየን ግሁድን ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ምስቶም ጳጳስ ዝተረኸበት ፕረዚደንት ግሪክ ካትሪና ሳኬለሮፑሉ፤ ጉዳይ ስደተኛታት ንግሪክ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹለን ሃገራት ኣውሮጳ ከምዝምልከት ተዛሪባ።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 8 ሽሕ ሰባት ብመሬትን ባሕርን ናብ ግሪክ ዝተሳገሩ ኮይኖም፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተመዝገበ 15 ሽሕ ቁጽሪ ስደተኛታት ግን ነክዩ’ሎ።

ግሪክ እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ጉዳዮም ክሳብ ዝፍጸም ዝጸንሑሎም ዕጹዋት መዕቖቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ደሴታት ትሃንጽ ምህላዋ ይፍለጥ።

ግሪክ፡ ስደተኛታት ገና ኣብ ጀላቡን መራኽብን እናሃለዉ ናብ ድሕሪት ክምለሱ ተገድድ ምህላዋ ንዝገለጽ ክሲ ትነጽግ።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣኒያ ፕሪቲ ፓተል ብወገና፡ ግሪክ ንስደተኛታት ደፊኣ እትመልሰሉ ኩነታት እንግሊዝ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ነቶም ብጀላቡ ዝመጹ ክምለሱ ንኽተገድድ ተሞክሮ ከምዝኾና ትዛረብ።