ሕክምና መጥባሕቲ ዝተገብረሎም ጳጳስ ፍራንሲስ ‘ምምሕያሽ ኣርእዮም' ተባሂሉ

ፖፕ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ሆስፒታል ሮማ ሕክምና መጥባሕቲ ዝተገበረሎም ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጳጳስ ፍራናሲስ ምምሕያሽ ጥዕና ከምዘርኣዩ ተገሊጹ።

እቶም ጳጳስ ዕውት ሕክምና መጥባሕቲ ታሕተዋይ ኣካል ናይ ረጒድ መዓንጣ (ዳንዱር) ከምዝተገበረሎም ቫቲካን ኣፍሊጣ።

ኣብ 84 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ እቶም ጳጳስ ነቲ ምሉእ መደንዘዚ ወሲዶም ዝተገበረሎም ሕክምና ስዒቡ ኣብ ጽቡቕ ምምሕያሽ ጥዕና ከምዝርከቡ ወሃቢ ቓል ቫቲካን ማቲዮ ብሩኒ ተዛሪቦም።

ኣብ 2013 ዝተመረጹ ኣቡነ ፍራንሲስ ንፈለማ እዋን’ዮም ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ዘለዉ።

ቅድሚ ሕክምነኦም ነቲ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከበ ብኣሽሓት ዝቑጸር ኣማኒ ዘረባ ኣስሚዖም ነይሮም።

ንሶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፤ ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ስሎቫኪያ ክኸዱ ምዃኖምን ቅድሚኡ ግን ኣብ ሃንጋሪ ተረኺቦም ኣብ ዋና ከተማ ቡዳፔስት ቅዳሴ ከምዝመርሑ ሓቢሮም።

እቶም ጳጳስ ምስ ጸገም ጥዕና ታሕተዋይ ኣካል ረጒድ መዓንጣ ብዝተሓሓዝ ሓገዝ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ቅድም ክብል ካብ ቫቲካን ኣብ ዝተወሃበ መግለጺ ተሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ዘጋጠሞም ጥገም ጥዕና ኣብ ግድግዳ ዓብዪ መዓንጣ ሕብጠት ዘኸትል ኮይኑ እዚ ንምጽባብ መዓንጣ መንቀሊ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ’ሎ።

ምንፋሕ ከብድን ተደጋጋሚ ሕማም ከብድን ከኣ ካብ ሞንጎ ቀንዲ ምልክታቱ’ዮም።

ብዛዕባ እቲ ነቶም ጳጳስ ዝተገበረ ሕክምናን ካብ ሆስፒታል መዓዝ ከምዝወጽኡን ዝምልከት ግን ብወገን ቫቲካን ዝተወሃበ ዝርዝር መብርሂ የለን።

ኣብ 1936 ኣብ ኣርጀንቲና ቦነስኣይረስ ዝተወለዱ ኣቡነ ፍራንሲስ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ እናሃለዉ ገለ ክፋል ሳንብኦም ክእለ ተገይሩ ነይሩ።

ኣብ 2014 ከኣ ብሰንኪ ሕማም ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ክስርዙ ተገዲዶም ምንባሮም ይግለጽ።