30 ዓመታት ብጾምን ጸሎትን ዘሕለፈት ሚልዮነር ኣመሪካዊት ፈላሲት

እናቴ ሜሪ ጆሰፍ፡ ንስሳ ዓመታት ብሃብትን ክብርን ዝነበረት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, COURTESY OF MARK MILLER

መግለጺ ስእሊ, እናቴ ሜሪ ጆሰፍ፡ ንስሳ ዓመታት ብሃብትን ክብርን ዝነበረት ኣደ

ሓዲ ሲሶ ካብ ህይወታ፡ ብጾምን ጸሎትን፡ ብጽምዋን ድኽነትን ንፈጣሪ ከተገልግል፡ ኩሉ ዝነበራ ሃብትን ምቾትን ገዲፋ ን30 ዓመታት ኣብ ገዳም ዝመነነት ጓል 92 ዓመት ፈላሲት ሶር ሜሪ ጆሴፍ ኣብ ገዳም ካርመላት ዓሪፋ።

ዛንታኣ ካብቲ ብዙሕ ግዜ እንሰምዖ ንቡር ያታዊ ዛንታ ፍልይ ዝብል እዩ።

ወይዘሪት ኣን ብ1928 ኣብ ኣመሪካ ተወሊዳ። ኣብ ቑልዕነታ ድንግል ክትከውን ትምነ እኳ እንተነበረት፡ ኣብ ንእስነታ ብፍቕሪ ተጸሚዳ ኣብ ዕስራ ዓመታ ንሪቻርድ ሚለር ተመርዕያ፡ 10 ከብዳ ወሊዳ።

በዓል ቤታ ምክትል ፕረዚደንት ኩባንያ ፓሲፊክ ጋዝን ኤለክትሪክን ስለዝነበረ ርቡሕ እቶት ነይሩዎ።

ወይዘሮ ኣን ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ፡ ሽሕን ሚእትን አዕሩኽን ፈተውትን ነይሮምዋ። ኣብ ቤታ በብእዋኑ ኣማኢት መሓዙት እናዓደመት ክቡር ድግስ ትገብር፤ ብዘበናዊ ልብስን መጋየጺ ስልማት ደሚቓ፡ ኣብ ዓበይቲ ምርኢታት ትልሂትን ኦፔራን እትሳተፍ ኣዝዩ ጥጡሕ ናብራ ዝነበራ ስምይቲ ሰብ ነይራ።

እቲ ዝነኣሰ ወዳ ማርክ ሚለር ድሕሪ ዕረፍታ ኣብ ዝጸሓፎ ተኸታታሊ ትዊት፡ "[ኣደይ] ኣብ 27 ዓመታ ሓሙሽተ ቘልዑ ወሊዳ። ክልተ ጋንታታት ኩዕሶ ሰኪዐት ዝኣኽሉ ውሉድ ክህልዋ ስለዝደለየት ከኣ እንደገና ሓሙሽተ ቖልዑ ወሲኻ" ክብል ጽሒፉ።

ብፈተውትን አዕሩኽን እተኸበት ወይዘሮ ኣን ሽጋራ ተትክኽ፡ መስተ ትሰቲ (ትሰክር) ጠላዕን ካልእን ተዘውትር ነይራ።

"ሰባት ብኽቱር ፍርሕን ስምባደን ከይጋጨው ፈሪሖም ካብ መኪናኣ ወሪዶም ብእግሮም ክሳብ ዝኸዱ ብልዑል ፍጥነት እያ ትዝውር ነይራ። እንተኾነ ዳሕራይ ንኹሉ ወልፍታታ፡ መስተ፡ ሽጋራ፡ መነቓቕሒ ቖጽለ መጽሊ፡ ብሓደ መዓልቲ ኣቋሪጻቶ። ብሰንኩ ከኣ ካብ ነብሰ ቕትለት ድሒና።"

ኣን ራስል ሚለር ኣብ ንእስነታ፡ ሽጋራ ተትክኽ፡ ትሰትን ጠላዕ ትጻወትን ነይራ

ምንጪ ስእሊ, COURTESY OF MARK MILLER

ኣን፡ ትሽዓተ መደቀሲ ክፍሊ ኣብ ዘለዎ ግሩም ህንጻ እያ ንደቃ አዕብያቶም። ደቃ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ በይ ኣብ ዝርከብ ናይ በረድ መዘናግዒ ምስ አዕሩኽቶም ይጻወቱ። ብዙሕ ግዜ እውን ምስ ደቃን ስድረኣን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ዝተፈላለየ ማራኺ ማእከላት መዘናግዒ ብምጋሽ ትፍሳህ ነይራ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣባል 22 እተፈላለያ ማሕበራት ብምዃን፡ ንተመሃሮ ኮለጅን ግዳም ሓደርን ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ገንዘብ ትእክብን ተዋጽእን ነይራ።

በዓል ቤታ ኣብ 1984 ብሕማም መንሽሮ ምስ ሞተ፡ ነቲ ኣብ ቁልዕነታ እትሓልሞ ዝነበረት ምናነ ንምፍጻም፡ ናብ ሓደ ጽኑዕ ምሕደራ ዘለዎ ገዳም ተጸምቢራ ንፈጣሪ ከተገልግል ወሲና።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ንዅሉ ንብረታ ገዲፋ፡ ኣብ ኤሊኖይ ናብ ዝርከባ ደናግል ኣሓት ከረን ካርመላይት ተጸንቢራ።

ኣሓት ደናግል ካርመላይት፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ትእዛዝ ብሕትውና፡ ብጽምዋ እየን ዝነበራ። ብኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ከም ንሕክምና እንተዘይኮይኑ ካብቲ ገዳም ኣይወጽኣን እየን። ገለ ዘገድስ ነገር እንተልዩ ጥራሕ እውን እየን ዝዛረባ። እንተዘይኮይኑ ምሉእ ግዜአን ብኣስተንትኖን ጸሎትን እየን ዘሕልፈኦ።

ማርክ፡ "[ኣደይ] ፍልይ ዝበለት ዓይነት ድንግል እያ ነይራ። ብጽቡቕ ክትዝምር ኣይትኽእል ነይራ። ዕለታዊ ዋኒና ኣብ ምክያድ እውን ትድንጉይ ነይራ። ንሓንሳብ ኣብቲ ቐጽሪ ንዝንቀሳቐሱ ኣኽላባት በትሪ ትሽንጉጎሎም ነይራ።" ይብል።

"ኣብቲ ማሕበር ደናግል ካብ እትጽንበር፡ ኣብ 33 ዓመት ክልተ ሳዕ ጥራይ እየ ርእየያ። ክትበጽሓ ምስከድካ ክትሓቚፋ ወይ ክትትንክፋ ኣይፍቀድን እዩ። በቲ ደንዳላ ጥራሕ ኢኻ ትርእያን ትዛረባን" ይብል።

ኣን

ምንጪ ስእሊ, COURTESY OF MARK MILLER

እቶም ዓሰርተ ደቂ ኣን

ኣን 28 ደቂ ደቂ ነይሮምዋ። ሓያሎ ካብኣታቶም ፈጺሞም ኣይፈልጡዋን እዮም። ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀኑ ከኣ ደቂ፡ ደቂ ደቃ ኣለውዋ። ግን ከኣ ንዋላ ሓደ ካባታቶም እውን ረኺባቶ ኣይትፈልጥን እያ።

እታ ኣብ ምሩጽ ዓራት እትድቅስ፡ ዘበናዊ ዓለባ ሃሪን ሄርመስን ናይ ከም በዓል ቨርሳቺ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ዲዛይነራት ጫማ ትኽደን ዝነበረት ኣን፡ ኣብቲ ገዳም፡ ረቂቕ ፍርናሽ ኣብ ዘለዎ ኵርኳሕ ዓራት ዕንጸይቲ ትድቅስ። ቡናዊ ጀለብያ ትለብስን ሰንደል ሳእኒ ትወድን ነይራ።

ዓሰርተ ደቂ ኣን ካብ የማን ናብ ጸጋም

ምንጪ ስእሊ, COURTESY OF MARK MILLER

መግለጺ ስእሊ, ዓሰርተ ደቂ ኣን ካብ የማን ናብ ጸጋም

ኣን፡ ኣብ መበል 61 ዓመት ልደታ፡ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሂልተን ን800 ዕዱማት ኣጋይሽ ብሙዚቃ እተዓጀበ በብዓይነቱ ክቡር መግብን ዘለዎ ዓቢ ድግስ ገይራትሎም። ኣን ከኣ ኣኽሊል ዕምባባ ወድያ፡ "እነኹ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ንዕለተ ልደታ ዝምስክር ሄልዩም ባሎን ኣብ ጥቓኣ ገይራ ነቲ ዕዱም ሓንሳብን ንሓዋሩን ተፋንያቶ።

ኣብቲ ናይ ድራር ዕድመ፡ ንኣጋይሻ፡ ቀዳሞት 30 ዓመት ህይወታ ንገዛእ ነብሳን ፍቕራን፡ እቲ ካልኣይ 30 ንደቃ ፡ እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ሲሶ ህይወታ ከኣ ንኣምላኽ ከም ዝወፈየቶ ነጊራቶም ።

ንጽባሒቱ፡ ኣብ ገዳም አሕዋት ማርያም ዮሴፍ ክትነብር፡ ናብ ቺካጎ በሪራ።

ኣን ካብ ቍልዕነታ ድንግል ክትከውን ትምኒት እኳ እንተ ነበራ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ፍቕሪ ስለዝወደቐት ንበዓል ቤታ ሪቻርድ ሚለር ተመርዕያ

ምንጪ ስእሊ, COURTESY OF MARK MILLER

መግለጺ ስእሊ, ኣን ካብ ቍልዕነታ ድንግል ክትከውን ትምኒት እኳ እንተ ነበራ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ፍቕሪ ስለዝወደቐት ንበዓል ቤታ ሪቻርድ ሚለር ተመርዕያ

ኣን ካብ ቍልዕነታ ድንግል ክትከውን ትምኒት እኳ እንተ ነበራ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ፍቕሪ ስለዝወደቐት ንበዓል ቤታ ሪቻርድ ሚለር ተመርዕያ።

"ርክብና እተሓላለኸ እዩ ነይሩ" ይብል ማርክ፤ "[ኣደይ] ኣብ 20ታት እያ ተወሊዳ። ኣብ 20ታት ናይ ዝቐጸለ ክፍለ ዘመን ድማ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ። ኣን ራስል ሚለር ሓንቲ ካብ ኣሓት ማርያም ዮሴፍ እያ ነይራ።

"ተስፋ እገብር ነቦይ ሰላምታ ከተብጽሓለይ" ይብላ ንእሽቶ ውላዳ።