ማርጋሬት ክሩፐር፡ ንኽትጣላዕ ኢላ ሰልዲ ትሰርቕ ዝነበረት ፈላሲት 40 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ፡ ኣብ ካሊፎርንያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓንቲ ናይ ዕድመ ባዓልቲ ጸጋ ፈላሲት ነቲ ዝነበራ ጠላዕ (ቁማር) ናይ ምጽዋት ወልፊ ንኸተማልእ፡ ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ትምህረሉ ዝነበረት ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ትሰርቅ ነይራ ብምባል ገበነኛ ኢልዋ።
እዛ ማርጋሬት ክሩፐር ዝተብሃለት ጓል 79 ዓመት ፈላሲት፤ ካብቲ ትምህረሉ ዝነበረትን ድሒራ ከም ኣመሓዳሪት ኮይና ትሰርሓሉ ዝነበረትን ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብሓፈሻ ልዕሊ 835 ሽሕ ዶላር ከምዝሰረቐት እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
እዚ ብምግባራ ኸኣ ገበነኛ ኮይና ስለዝተረኸበት ን40 ዓማታት ክትእሰር ቤት ፍርዲ እታ ሃገር በይኑላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ብሰሉስ ዝወጽአ ቃል ክስስቲ እታ ፈላሲት ገለ ክፋል ናይቲ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ዝምወል ዝነበረ ሰልዲ ናብቲ ብሰንኪ ጠላዕ ዝነበራ ዕዳ መሸፈኒ ትጥቀመሉ ከምዝነበረት ይገልጽ።
ሶራ ማርጋሬት ክሩፐር ኣብቲ ሰይንት ጀምስ ዝተሰመየ ቤት ትምህርቲ ን28 ዓመታት ከምዝሰረሐትን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰረተ ዓመታት ምስራቕ ከምዝጀመረትን ሰብ መዚ እታ ቤት ትምህርቲ ይገልጹ።
መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስተያን ሰይንት ጀምስ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ "ኩሎም ኣመንቲ በቲ ዜና ሰንቢዶም እዮም፡ ቤተ ክርስተያንን ቤት ትምህርትን ሰይንት ጀመስ እቲ ገበን መርመራ ንኽካደሉ ኸኣ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባር እዮም ገይሮም" ምባሎም ሎስ ኣንጆለስ ታይምስ ገሊጻ።
ጠበቓኣ ብወገኑ በቲ ተግባራ 'ኣዝያ ተጣዒሳ'ያ' ድሕሪ ምባል እቲ ጠላዕ ዝፈጠሮ ኣእምራኣዊ ነውጺ ንኣተሓሳስባኣ ከምዝደፈኖ ኣብሪሁ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







