ቅልውላው ትግራይ፡ ውጥን ምጅማር ትምህርትን ሻቕሎት ወለድን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ብሰንኪ ኲናት ተዓጽየን ዝጸንሐ ኣብያተ ትምህርቲ መቐለ ክኽፋታ ከምዝጀመራ ቢሮ ትምህርቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ቲ ክልል ኣፍሊጡ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወለዲ ግና፡ ደቆም ናብ ትምህርቲ ክሰዱ ከምዝሰግኡ ይዛረቡ።
ኣስታት 30 ዝኾና መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርትን ልዕሊ 30 ዝኾና ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርትን ንተምሃሮ ክፍቲ ኮይነን ከምዘለዋ፡ ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ኢንጂነር ኣስቴር ይትባረክ ንቢቢሲ ገሊጻ።
እንተኾነ እቶም ኣብያተ ትምህርቲ ይከፈቱ 'ምበር ናብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝውሕዙ ቁጽሪ ተምሃሮ ውሑድ ምዃኑ ኢንጂነር ኣስቴር ብስልኪ ንቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ።
"ሓደ ብኮቪድ ምኽንያት ተሪፎም እዮም፤ ካልኣይ ድማ በቲ ዝተፈጥረ ጸገም ምኽንያት ኣብ ትግራይ ስግኣትን ናይ ሰላም ሽግርን ስለዝነበረ ወለዲ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዱ ኩነታት ኣይፈቐደሎምን ነይሩ" ትብል።
ኣብቲ ክልል ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ሓያል ቅልውላው ጸጥታ ዘጋጠመ እንትኸውን፡ ኣብዝሓ ኣብያተ ትምህርታትን ማእከላት ጥዕናን ዓንየንን ተዘሚተንን ከምዝኾና ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ተወሳኺ ሓገዝ እንተዘይበጺሑ፡ ህዝቢ እቲ ክልል ንሓያል ጥሜትን ጸገምን ክቃላዕ ከምዝኽእል'ውን ኣብዚ ሰሙን ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ ትካል ምግቢ ዓለም ምግላጹ ድማ ዝዝከር እዩ።
ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ዛጊድ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ኾይኖም፡ ኣብዝሓ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቂቦም ከምዝርከቡ እዩ ዝዝረብ።
እቲ ቢሮ ካልእ'ኸ እንታይ ኢሉ?
ኢንጂነር ኣስቴር፡ ኩነታት ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ከምቲ ዝጸንሐ ከምዘይኮነን ተማሕይሹ ከምዘሎን፤ ስለዝኾነ ድማ፡ ወለዲ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዱ ከምዘለዎምን ወሲኻ ተዛሪባ።
ካብ ከተማ መቐለ ኣብዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን ከምዘለዋ እትዛረብ እታ ሓላፊት፡ እቲ ቢሮ ግና ኣብ መላእ'ቲ ክልል ትምህርቲ ንክጅመር መምርሒ ከምዘውረደ እያ ትገልጽ።
"እቲ መምርሒ ዝወረደ፡ ትምህርቲ ኣብ መላእ ትግራይ ይጀመር ዝብል እዩ። ንኣብነት ኣብ ማይጨው፣ መኾኒ፣ ኣብ ወረዳ ደቡብ ምብራቕ ድማ፡ ኣብ ዓዲ ጉደም ካልኦት ከኣ ልዕሊ 20 ኣብያተ ትምህርቲ ዝጀመራ ኣለዋ" ኢላ።
ኢንጂነር ኣስቴር፡ ኣብ መቐለ ድማ ዳርጋ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን ከምዘለዋ እንተኾነ ተምሃሮ እናተንጠባጠቡ ከምዝመጽኡ ገሊጻ፤ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ክሳብ 10፤ 20 ጥራይ ከምዝመጽኡ እያ ተዛሪባ።
ኢንጂነር ኣስቴር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም ይኽእል እዩ ዝበለቶ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ይስራሕ ከምዘሎን ናብኡ ከምዘግዕዙን፡ ካልኦት ዝተረፋ ግና ነጻ ከምዝኾናን ተዛሪባ።
ስነ ኣእምሮ፡ ናይቶም ተምሃሮ ንምርግጋዕ ድማ ገለ መምህራን ከምዝተዳለውን፡ እቲ ትምህርቲ'ውን ብዘየጨናንቕ መልክዑ ክቐርበሎም ከምዝተዳለወን ተዛሪባ።
እተን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ንምጽጋን ልዕሊ 85 ሚልዮን ብር ብመንግስቲ ፌዴራል ተዳልዩ ይስረሐሉ፡ ከምዘሎ'ውን ተዛሪባ።
ንኣብነት ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ራብዓይ፡ ወተሃደራት ሰፊሮምዎ ከምዝነበሩ፤ ሕዚ ግን ተጸራሪጉን ተጸጊኑን ንትምህርቲ ድልው ከምዝኾነ ወሲኻ ሓቢራ።
ወለዲኸ እንታይ ይብሉ?
ጊዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ ኩነታት ጸጥታ እቲ ክልል ተማሕይሹ እዩ እንተበለ'ኳ፡ ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወለዲ ግን ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ንምስዳድ ድልዋት ከምዘይኮኑ እዮም ዝገልጹ።
ካብ ከተማ ኣክሱም ዘዘራረብናዮ ሓደ ወላዲ፡ "ኣነ ብወገነይ ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰድድ ኣይከእልን። እቶም ደቀይ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ብተፈናቐልቲ እዩ ተመሊኡ ዘሎ። እቲ ጸጥታ ድማ ውሑስ ኣይኮነን፤ ኣብ መገዲ እንታይ ከምዘጋጥሞም ኣይፍለጥን። ብሱሩ ንዓርሱ እቲ ህዝቢ ውሕስና የብሉን። ጸጥታ ዝበሃል የለን። እቲ ጸጥታን ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣብዘይተረጋገአሉ ኩነታት ካልእ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ምክያድ ካልእ ሳዕቤን እዩ ከምጽእ" ኢሉ።
መምህራን ድማ ፎቖድኡ ተሰዲዶም ናብ ምድብ ቦቶኦም ከምዘይተመልሱ እዩ ዝዛረብ።
እቲ ሕበረተሰብ'ውን ፎቖድኡ ተሰዲዱ ከምዘሎን፡ ናብ መንበሪኡ ከይተመልሰ ትምህርቲ ምጅማር ዘይሕሰብ ምዃኑ ይዛረብ።
"ትምህርቲ ኣእምሮኻ ቀሲንካ ዝግበር ምበር ብተብተብ ዝካየድ ኣይኮነን፤ ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ወፊሮም ዘይክምለሱ'ውን ስለዝኽእሉ ክሰዶም ኣይክእልን" ድማ ኢሉ።
ካብ መቐለ ዘዛረብናየን ካልእ ወላዲት ድማ፡ ትምህርቲ ተጀሚሩ ዝብል ወረ ከምዝሰምዓ ነገር ግን ዛጊድ ደቀን ከምዘይሰደዳ ይዛረባ። ካልእ ሰብ'ውን ደቁ ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰድድ እዩ ዝብል እምነት የብለንን።
ካልእ ተወላዲ ዞባ ማእኸል ትግራይ ድማ 'ኣብዚ ሕዚ እዋን ምምሃር ምስትምሃር ዘይሕለም ነገር እዩ' ይብል፤ ንሱ ብጽንጽንታ ዝሰማዕኽዎ ዝበሎ፡ እቶም ተመዛበልቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ንምውጻእ ከምዝተሓስበ እዩ።
ኣብ ውሽጢ'ቲ ሕብረተሰብ 'መራሒ ዘይብልና ተሪፍና' ዝብል ስክፍታ ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ።
ሁማንራይትስ ዎች፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ'ቲ ክልል 'ተዘሚተንን ዓንየንን' ናብ ወተሃደራዊ መዓስክራትን መዕቖቢ ተመዛበልትን ተቐይረን ከምዘለዋ ኣብሪሁ።
ሓላፊት ቢሮ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ትካል፡ ለቲሽያ ባደር ኣብ መግለጺኣ፡ "ኣብያተ ተምህርቲ'ቲ ክልል ምጉዳእን ምዕናውን: ዕድል መጻኢ ወለዶ እቲ ህዝቢ ከም ምጉዳእ እዩ ዝቑጸር" ኢላ ነይራ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







