ቅልውላዉ ትግራይ፡ ''ህወሓት ብርክት ዝበሉ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር'ቀቲሉን ጨውዩን''

ምንጪ ስእሊ, ESEFC/TWITTER
ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብኣባላት ህወሓት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም፣ ከም ዝቖሰሉን ተጨውዮም ከም ዝተወሰዱን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ማእኸል ምጽራይ ሓበሬታ ህጹጽ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ኣባላት እቲ ምምሕዳር "ህወሓት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 22 ሰባት ተቐቲሎም" ኢሉ።
ብተወሳኺ "ኣርባዕተ ኣባላት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝበጽሖም መጥቃዕቲ መጉዳእቲ በጺሑዎም ኣብ ሕክምና ይርከቡ" ይብል።
በዚ ምኽንያት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 46 ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም እቲ መግለጺ የመልክት።
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ጥራይ ትሸዓተ ሰባት ተቐቲሎም ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ዞባ ማእኸል 6፣ ዞባ ደቡብ 3፣ ኣብ ካልኦት ዞባታት ድማ ሓደ ሓደ ኣባላት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተቐቲሎም ይብል።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትሸዓተ ሰባት ተጨውዮም ተወሲዶም'ዮም ዝብል መግለጺ ማእከል ምጽራይ ሓበሬታ ህጹጽ ግዜ፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ 5፣ ዞባ ማእኸል 4፣ ዞባ ምብራቕ ኣርባዕተ ኣባላት ምዃኖም ዘርዚሩ።
ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ድማ ብኣባላት ህወሓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝቐሰሉ ኣመልኪቱ።

ምንጪ ስእሊ, FBC
ኣብዚ ወርሒ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ: ህወሓት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ'ዩ ክብል ኣብ መዝገብ ሽበራ ኣስፊሩዎ'ዩ።
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን ብ4 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ካብ ዘምርሕ ሸውዓተ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ልዕሊ 60 ሽሕ ዜጋታት ናብ ሱዳን ክስደዱ እንከለው፡ ካልኦት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ፎቐዶ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዕቒሎም ከም ዝርከቡ ይግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







