ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ 'ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ' ዓጸቦ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ከቢድ ጥፍዓት ዘስዕብ ዓጸቦ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ፍሉይ ልኡኽ ምክልኻል ዓጸቦ ኒክ ዳየር፡ ኣብቲ ብኲናት ዕንወት ዝወርዶ ዘሎ ክልል ኣብ ዝገበሮ ዑደት እዩ ነቲ ግምገማ ኣካዪዱ።
ብመሰረት ሚስተር ዳየር ዘቕረቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ክልል ጸብጻባት ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዘሎ ብምግላጽ ተጻብኦታት ይቕጽል ምህላው ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ መሳርሒታት ሕርሻ፡ ንዘርኢ ዝተኸዘነ እኽሊ፡ ከምኡ'ውን ዓድታት ብምሉእ ዕንወት ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፤ ብምኽንያት ምዕጻው ጽርጊያታትን በረራታትን ኣብቲ ክልል ብዙሕ ህዝቢ ክብጻሕ ከም ዘይተኻእለ ኣብሪሁ።
ጥዕና ዘይምርካብ ማዕረ ጥሜት ኣስጋኢ እዩ ዝበለ ሚስተር ዳየር፡ ብፍላይ ኣብ ዝበዝሓ ማእከላት ጥዕና እቲ ክልል ዝበጽሐ ዕንወት ዝያዳ ኣሻቓሊ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፊት ትካል ረድኤት ኣመሪካ ዩኤስኤይድ'ውን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ "ሓያል ጥሜት" ተኸሲቱ ምህላው ኣጠንቂቓ ነይራ።
ሰማንታ ፓወር፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ፡ ህጹጽ ትካል ምክትታል መግቢ ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽለ ዘሎ ጎንጺ "ደረጃ 5 ህጹጽ ኵነት መግቢ" ተኸሲቱ ምህላው ድሕሪ ምግላጽ ዝለዓለ ደረጃ ምዃኑ ሓቢራ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጂ ነቲ ኲናት ደው ከብልን ንሰራሕተኛታት ረድኤት መገዲ ክኽፈትን" ድማ ጸዊዓ።
ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ 5.2 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ።
ምእሳር ተፈናቐልቲ
ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒሎም፡ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓቚቦም ካብ ዝነበሩ ተፈናቐልቲ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ ብሰነይ ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሲዶም ከምዝተኣሰሩ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡
እቶም ወተሃደራት ናብቶም መዕቆቢታት ብምእታው ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ከካብ ዝነብሩሉ ክፍሊታት እናውጽኡ ንገሊኦም ብመካይን ንገሊኦም ድማ ብእግሮም ኣሰሊፎም ከምዝወሰዱዎም ብምግላጽ፡ ነቶም ስደተኛታት ይቕጥቅጡዎም ከም ዝነበሩ እቶም መሰኻኽር ሓቢሮም፡፡
ልኡኽ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ጸብጻብ "ኣዝዩ ረባሺ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ነቲ ኩነታት ንምብራህ ነጻን ቅልጡፍን መርመራ ክግበር ከም ዘድልይ" ሓቢሩ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና ተፈናቐልቲ ናይ ምእሳር "ተግባር ክፍጽም ዘይክእል" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቶም ጸብጻባት "ዝተፋሕሰ" ክብል ገሊጽዎም።
ነቶም ኣብዚ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዘለው ሓይልታት ትግራይ ንምስዓር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተዓዲሞም ዝኣተው ወተሃደራት ኤርትራ ጌና ኣብቲ ክልል ኣብ ኲናት ይሳተፉ ምህላዎም ጸብጻባት ይሕብሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







