ኣብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ዝተረኽበ ሬሳ ወዲ 15 ወርሒ ቖልዓ

ምንጪ ስእሊ, Family handout
ፖሊስ ኖርወይ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዝተረኽበ ሬሳ፡ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ዝሞተ ወዲ 15 ወርሒ ቖልዓ ምዃኑ ገሊጾም።
እዚ ወዲ 15 ወርሒ ኣርቲን፡ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ምስ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ቤቱ ዝጐዓዙላ ዝነበሩ ጃልባ ምስጠሓለት እዩ ሬስኡ ተገፊዑ ኣብ ገማገም ባሕሪ ተረኺቡ።
ስድራ ቤት ኩርድ-ኢራናውያን ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ክብሉ እዮም ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ሓደጋ ምጥሓል ኣጋጢሙዎም።
ኣዝማድ እታ ስድራ ቤት ብዛዕባ እቲ ንኣርዲን ዘጋጠሞ ነገር ክንገሩ እንከለው ብሞቱ ዝተሰመዖም ዓሚቚ ሓዘን ይገልጹ ኔሮም።
ሬሳ ኣርቲን [እቲ ቘልዓ] ንክቕበር ናብ ኢራን ክምለስ እዩ።
ፖሊስ ኖርወይ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሬሳ፡ ሓድሽ ዓመት መዓልቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ጥቓ ካርሞይ ኣብ ዝርከብ ገምገም እታ ሃገር፡ ብኽልተ ኣባላት ፖሊስ ከም እተረኽበ ሓቢሩ።
"ኣብ ኖርወይ ዝጠፍአ ህጻን ኣይነበረናን፡ ንፖሊስ ዝሓበሩ ስድራ ቤት እውን ኣይነበሩናን" ክትብል ሓላፊት መርመራታት ፖሊስ ካሚላ ትጀል ዌጌ ንቢቢሲ ሓቢራ ።
እቲ ቖልዓ ለቢሱዎ ዝነበረ ሰመያዊ በጃ ኽዳን ናይ ኖርወይ ክዳን ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ቖልዓ ካብ ካልእ ቦታ ብማዕበል ተገፊዑ ዝመጽአ ክኸውን ከምዝኽእል ገሚትና ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Norwegian Police
ብድሕሪኡ ፖሊስ፡ ዲ.ኤን.ኤ. ናይቲ ሬሳ ወሲዶም። ካብኡ ኣዝማድ እቲ ቖልዓ እቲ ሬሳ ናይ ኣርቲን ምዃኑ ሓቢሮም።
"ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ኣብ ስነ-ፍልጠት ምርመራ ሬሳን ገበንን [ፈረንዚክ] ዝሰርሑ ክኢላታት፡ ምስ ናይ ኣዝማድ ዲ.ኤን.ኤ. መርመራ ብምክያድ ነቲ ሬሳ ኣለልዮሞ" ይብል መግለጺ ፖሊስ ኖርወይ ።
እታ ብ27 ጥቅምቲ ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ዝጠሓለት ጃልባ ንራሶል ኢራንነጃድ ወዲ 35 ዓመት ንሺቫ ሞሓመድ ፓናሂ 35፡ ኣኒታ ጓል ትሽዓተ ዓመት፡ ከምኡ'ውን ንወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኣርሚን ሒዛ ነይራ - ኩሎም ከኣ ሞይቶም።
እታ ስድራ ቤት፡ ደቂ እታ ኣብ ምዕራባዊ ኢራን እትርከብ ሳርዳሽት እትበሃል ኣብ ጥቓ ዶብ ዒራቕ ዘላ ከተማ እዮም።
ካልኦት ዓሰርተ ሓሙሽተ ስደተኛታት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም። ብዛዕባ ምጥሓል ናይታ ጃልባ ዝምልከት ከኣ ኣብ ደንኪርክ ብናይ ፈረንሳ ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ መርመራ ተኸፊቱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Hengaw
እታ ንፖሊስ ኖርወይ ዝተዛረበቶም ካልአይቲ ዘመድ ኒሃያት፡ "ሕጉስትን ጉህይትን እየ" ክትብል ብሰኑይ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ዋላ'ኳ ኣርቲን ንሓዋሩ እንተገደፈና ኣብ መወዳእታ ሬስኡ ብምርካቡ ሕጉስቲ እየ ኢላ።
ኣብ ስዊዘርላንድ እትነብር ሻቪን ዝስማ ሓትኖኡ እውን፡ ኣርቲን፡ ምስ ኣባለት ስድራኡ ኣብ ዓዱ ሳርዳሽት ንኽዓርፍ እቲ ዝግባእን ዘድልን ናይ ወረቐት ስራሕ የሳልጡ ከምዘለው ሓቢራ።
ድሕሪ ምጥሓል እታ ጃልባ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቢቢሲ፡ ካብ ሚስተር ሞሓመድ ፓናህ ዝተላእኸ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግምቶ ተኸታታሊ ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት በጺሑዎ። ሓደ ካብኡ፡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ብጃልባ ምስጋር ሓደገኛ ምዃኑ እኳ እንተ ተኣመነ፡ "ግን ኣማራጺ የብልናን" ኣብ ዝብል መደምደምታ ከምዝበጽሐ የረድእ።
እታ ካልአይቲ መልእኽቲ፡ "ብመኪና ንክንጓዓዝ ብዙሕ ገንዘብ ስለእንሕተት ዓቕሚ ከኣ ስለዘይብልና ኢና ብጃልባ ክንከይድ ንግደድ ዘሎና" ትብል ።
ካልእ ድማ፡ "ኣብ ልበይ ከቢድ ሓዘን ኣሎኒ ግን ሕጂ ካብ ኢራን ስለዝወጻእኩ፡ ንሕሉፍ ህይወተይ ክርስዖ እደሊ" ይብል ።
ኣርቲን ምስ ስድራቤቱን ናብ መትረብ እንግሊዝ ቅድሚ ምብጋሶም፡ ኣብ ደንኪርክ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ኣዝዩ ፍቱው ቖልዓ ከምዝነበረ ሓደ ቢላል ጋፍ ዝተባህለ ስደተኛ ይገልጽ።
ቅድሚ 10 መዓልቲ፡ ምስቲ ቖልዓ ዝተሳእሎ ስእሊ እናርኣየ፡ "ኣዝዩ ሕጉስ ህጻን እዩ ነይሩ። ሰባት ኣዝዮም ጕህዮም እዮም፣ ግና እንታይ ክንገብር ንኽእል? ዋላ ሓንቲ! ንበኪ ጥራሕ - ንበክን ነእውን ኣሎና " ይብል።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢራናውያን ኩርዳውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንክኣትው ንህይወት ስድራ ቤቶም ኣብ ኢድ ኣስጋገርቲ ደቂ ሰባት የውድቑዎ ኣለው።
ኣብ ኢራን ዝርከብ ዞባ ኩርድ፡ ፖለቲካዊ ሃድንን ቊጠባዊ ቅልውላውን ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ካብ 25 ክሳዕ 35 ሚልዮን ዝዀኑ ኩርዳውያን ኣብቲ ንዶባት ቱርኪ፡ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ኢራንን ኣርመንያን ዝሓቁፍ ኣኽራን ዝበዝሖ ከባቢ እዮም ዝነብሩ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘ ካልእ ዓቢ ቀቢላ ዘቝሙ እኳ እንተ ኰኑ፡ ገና ቀዋሚ ሃገር ኣይረኸቡን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







