ስደት፡ ሓደ ትካል ግብረሰናይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ዝሞቱ ህጻናት ምርካቡ ገሊጹ

ስደት፡ ሓደ ገባሪ ሰናይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ረኺበ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስጳኛዊ ትካል ግብረሰናይ ኦፕን ኣርምስ ስእሊ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ናይ ዝተረኸቡ ዝሞቱ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዘርጊሑ።

እቲ ትካል ገሊኦም ስእልታት ካብ ውሽጢ ሊቢያ ከም ዝረኸቦም ብምግላጽ እቶም ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ሓደገኛ መገዲ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥቀሙ ዝነበሩ'ዮም ኢሉ።

እቶም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ፍርቂ ኣካሎም ብጨርቂ ተሸፊኑ ፍርቂ ኣካሎም ኣብ ሓመድ ተቐቢሩ ይርኣዩ።

ኣብዚ ዓመት ኣስታት 734 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ትካል ስደት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ ኣብ 2021 ጥራሕ: ሞት 630 ስደተኛታት ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ 2020፡ ቑጽሪ ኣብቲ ባሕሪ ዝሞቱ ሰባት 289 ምንባሩ'ውን ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ኦፕን ኣርምስ ላራ ላኑዛ "ሰንቢድና ኢና። ሰባት ካብ ሊቢያ ክወጽኡ ክፍትኑ ከለው ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክንገላትዑ የብሎምን። ህይወት እዞም ሰባት ንምድሓን ናይ ምሕላውን ምድሓንን ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ" ኢላ።

ወሲኻ "ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መካነ መቓብር'ዩ፤ ከምዚ ግን ክኸውን ኣይምተገብአን" ክትብል ስግኣታ ገሊጻ።

መስራቲ ኦፕን ኣርምስ ኦስካር ካምፕስ ብወገኑ እቶም ሞይቶም ዝተረኸቡ ህጻናትን ኣዴታትን ንሰለስተ መዓልታት ከም ዝጸንሑ ብምግላጽ "ናይ ምንባር ባህግን ሕልምን ነይሩዎም'ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ዓመት 13,000 ስደተኛታት ኢጣልያ ከም ዝኣተው ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ኣስታት 8,000 ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ናብ ስፔን ኣትዮም ነይሮም።

ኣብ 2015፡ ስእሊ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝተረኸበ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን ስደተኛ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ኣልዒሉ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ሶርያዊ ህጻን ኣብ ቱርኪ ኣብ ሓመድ ወዲቑ ከም ዝተረኸበ ይፍለጥ።