ስደተኛታት ሲውታ፡ ኣቓልቦ ስጳኛ ዝሰሓቡ ስእልታት

ሰራሕተኛ ቀይሕ መስቀል ስፔን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብዚ ሰሙን ርእሳ ኣብ ዝኽኣለት ሰሜን ኣፍሪቃዊት ግዝኣት ስጳኛ ዝኾነት ከተማ ሲውታ ሓያል ቅልውላው ስደተኛታት ኣጋጢሙ ነይሩ።

ኣብዛ ከተማ ዝተስኣሉ ስእሊታት ግን ንጽቡቕ ጎኒ ሰብኣውነት ዘርእዩ ኮይኖም ኣለው።

ኣብዚ ሰሙን ካብ ሞሮኮ ዝመጽኡ ህጻናት ዝርከቡዎም ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ስደተኛታት፡ ናብዛ ኣብ ግዝኣት ስጳኛ እትርከብ ከተማ ኣትዮም ነይሮም።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ስፔን ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ናብ ግዝኣታ ከም ዝኣተው ምስ ፈለጠት ወተሃደራት ኣዋፊራ።

ስጳኛ ካብቶም ብእግሮም ሰለይ እናበሉን እናሓምበሱን ዝኣተው ስደተኛታት ፍርቆም ናብ ሞሮኮ መሊሰዮም'የ ትብል።

ኣብ ክሊ እዚ፡ ልብኻ ዘራህርሁ፣ ከብድኻ ሕቑንቑን ዘብሉ ስእልታት እቶም ስደተኛታት ብዓይኒ ካሜራ ተሰኒዶም ኣለው።

ሓልዮት

እቲ ሓደ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ እትርእዩዎ ዘለኹም ስእሊ ሰራሕተኛ ቀይሕ መቀልን ስጳኛ ዝኾነት እዩ።

እዛ ሉና ዝተባህለት ንእስቲ ንቴሌቪዥን ስጳኛ ከም ዝበለቶ፡ ሽም እቲ ሓቊፋ እተጸናንዖ ዘላ መንእሰይ ከም ዘይትፈልጦ፤ ግን ድማ ካብ ሰኔጋል ምምጽኡ ተዛሪባ።

"ይበኪ ነይሩ፤ ኢደይ ምስ ዘርጋሕኹሉ ሓቚፉኒ" ክትብል ንኣርቲቪኢ ገሊጻ።

እዚ ስእሊ ኣብ ኢንተርነት ምስ ተዘርግሐ፡ ብዙሕ ጾታውን ዓሌታውን ርእይቶታት ከም ዝወረዳን ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኽውል ክትብል ከም ዝመረጸትን ጓል 20 ዓመት ሉና ተዛሪባ።

ነዚ ዝርኣዩ ካልኦት ተጠቀምቲ ግን ነዛ ገባሪት ሰናይ ንምትብባዕ ዝጀመሩዎ ጎስጓስ #ግራስያስሉና፡ ኣብ ትዊተር 50 ሽሕ ግዜ ተጻሒፉ።

ሚኒስትር ቁጠባ ስጳኛ ናዲያ ካልቪኖ "ክብሪ ሕብረተሰብና ብምውካልኺ #ግራስያስሉና" ብምባል ክትጽሕፈላ እንከላ፡ ካልእ ሚኒስተር እታ ሃገር'ውን "ምልክት ተስፋን ስምረትን" ኢሉዋ።

ቀይሕ መስቀል ስፔን ብወገኑ "መዓልታዊ ኣብ ሲውታ ዝበጽሑ ሰባት ዝሕግዙ ብዙሓት ሉናታት ዘሎና ትካል ኢና" ኢሉ።

ምድሓን

ህጻን ዘድሓነ ውልቀሰብ

ምንጪ ስእሊ, Spanish Guardia Civil/Handout via Reuters

ካልእ ቀልቢ ስፔን ዝገዝአ ስእሊ ጁዋን ፍራንሲስኮ ቫሌ'ዩ።

እዚ ካብ ባሕሪ ሲውታ ህጻን ብምድሓኑ ክብሪ ጅግና ዝተጎናጸፈ ውልቀሰብ እዩ።

ፍራንሲስኮ ቫሌ፡ ኣብ ሓይሊ ፖሊስ ስቪል ጋርዲያን ስጳኛ ዝሰርሕ መራሒ መኪና ኮይኑ ነቲ ህጻን ክበጽሐሉ እንከሎ "ኣብቲ ማይ ጠልቅዩን ሃሲሱን'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

እቲ ህጻን፡ "ቖልዓ ስለ ዝኾነ ክሳዱ'ውን ምኽኣል ኣብያቶ'ያ ነይራ። ሞይቱ ድዩ ብህይወት ኣሎ'ውን ኣይፈልጥን ነይረ" ክብል ንቴሌቪዥን እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ካብቶም ናብታ ከተማ ዝኣተው ስደተኛታት ኣስታት 1,500 ህጻናት ከም ዝኾኑ ሰብ መዚ ስጳኛ ይገልጹ።

ጎንጺ

ወተሃደራት ስፔን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኩሎም ስእልታት እወንታ ጥራሕ ዘርእዩ ኣይነበሩን።

እዚ ኣብ ላዕሊ እትርዩዎ ዘለኹም ስእሊ፡ ወተሃደራት ስጳኛ ናብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝተዋፈርሉ ንስደተኛታት ይሃርሙ ምንባሮም የርኢ።

ኣስታት ክልተ መሰለስ እቶም ናብ ከተማ ሲውታ ዝኣተው ስደተኛታት ናብ ሞሮኮ ከም ዝተመለሱ ሓበሬታ ሰብ መዚ እታ ሃገር የረድእ።