ህንዲ፡ ሬሳ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ዘዕለቕለቐ ቅዱስ ሩባ

ሬሳ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ዘዕለቕለቐ ቅዱስ ሩባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ቅዱስ ሩባ ጋንጀስ፡ መአከቢ ሬሳ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ኮይኑ ይርከብ።

ኣማኢት ኣስክሬናት ኣብ ዝባን እቲ ሩባ ተንሳፊፎም ተረኺቦም፤ ኣብ ገምገም እቲ ሩባ ኣብ ዝርከብ ሓመድ ዝተቐበሩ'ውን ኣለው።

ኣብ ጥቓ እዚ ሩባ ዝነብሩ ሰባት ከኣ፡ ካብቲ ማይ ምሕጻቦም ስለ ዘይተርፍ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከይኾኑ ስግኣት ዓሲሉ ይርከብ።

ህንዲ፡ ብካልኣይ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ተሃስያን ተንበርኪኻን እያ። ልዕሊ 25 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ 275 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው።

ሰብ ሞያ ግን፡ እቲ ሞት ልዕሊ እቲ ዝግለጽ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ። ኣብ ገምገም እቲ ሩባ ዝተረኸቡ ኣስክሬናት ተኣኪቦም ክቃጸሉ ተገይሩ ኣሎ።

ብ10 ግንቦት 2021፡ 71 ኣስክሬናት ካውሳ ኣብ ዝተባህለት ገጠር ዓዲ ኣብ ዝርከብ ሩባ ተደርብዮም ተረኺቦም።

ፖሊስ እቲ ከባቢ ኒራጅ ኩማር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናይ ኣስክሬን መርመራ ከም ዝተገብረን ቅምሶታት ከም ዝተወስደን ክገልጽ እንከሎ፡ እቶም ኣስክሬናት ኣብ ገምገም እቲ ሩባ ከም ዝተቐበሩ ሓቢሩ።

ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣብ ጥቓ ሩባ ስነ ስርዓት ምቅጻል ሬሳ ከም ዝፍጸም እኳ እንተገለጹ፡ እዞም ናይ ሕጂ ግን ተደርብዮም ክኾኑ ከም ዝኽሉ ይግምቱ።

ካልእ ዘይተረኸበ ኣስክሬን ከይህሉ ድማ ፖሊስ ናብሪ ሩባ ስኪዔት ዘርጊሑ ይርከብ።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ካውሳ 10 ኪሎ ሜትሮ ርሒቕ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ብዓስተርታት ዝቑጸር ኣስክሬን ኣብ ገምገም ሩባ ገጠር ጋህማር ተረኺቡ። እዚ ኣኽልብትን ኣሞራን ክብልዑ ጸኒሖም።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣስክሬናት ኣብ ገምገም ሩባ ተቐቢሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነበርቲ እቲ ከባቢ ንመዓልታት ኣብቲ ሩባ ከም ዝተደርቡ ንሰብ መዚ ቅርታ እንታቕረቡ'ውን እቲ ጉዳይ ኣብ ዜናታት ዓለም ክሳብ ዝቃላሕ እቶም ሰብ መዚ ቆላሕታ ከም ዘይገብርሉ ይዛረቡ።

ኣብ ከተማታት ካናጅ፣ ካንፑርን ፕራያግራጅን እቲ ሩባ ብዙሕ መቓብር ተራእዩ። ኣስታት 50 ኣስክሬናት ተረኸዒቦም።

ኣብ ህንዲ ሬሳ ምቅጻል ባህሊ'ዩ። ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ሂንዱ ግን "ጃል ፕራቫህ " ዝተባህለ ልምዲ ይኽተሉ።

እዚ ኣስክሬን ህጻናት፣ ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ወይ ድማ ብተመሃላለፍቲ ሕማማት ወይ ከኣ ተመን ነዲፉዎም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ሩባ ክንሳፈፉ ምግባር እዩ።

ብዙሓት ድኻታት ሰባት ኣስክሬን ንምቅጻል ዓቕሚ የብሎምን። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ኣስክሬን ብጻዕዳ ጨርቂ ጠቕሊሎም ናብ ማይ ይድርብዩዎ።

ሓሓሊፉ እቲ ኣስክሬን ንክጥሕል ብእምኒ ይእሰር። እንተኾነ ክንድኡ ዝኣክል ክብደት ስለ ዘይህልዎ መብዛሕትኡ ግዜ ተንሳፊፉ'ዩ ዝቐሪ።

ኣብ ካንፑር ዝርከብ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ እቶም ኣስክሬናት "ኣብ ሞንጎ እቲ ዝግለጽ ቑጽሪ ምውዋት ለበዳ ኮቪድ-19ን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ትክክለኛ ቑጽርን ፍልልይ ምህላዩ" ዘረጋግጽ እዩ።

ካብ 16 ሚያዚያ ክሳብ 5 ግንቦት ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ካንፑር 196 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ እኳ እንተተገለጸ፡ ካብ ሸውዓተ ሬዳ ዝነደደሎም ቦታታት ዝተረኽበ መረዳእታ ግን ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ሬሳ ከም ዝተቓጸለ ይሕብር።

"ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ሰሙን ሙሉእ 24 ሰዓታት ኣስክሬን ብኤሌክትሪክ ይቃጸል ነይሩ። ኣብዚ ሰሙን'ውን እቲ ምምሕዳር እቲ ምቅጻል ሬሳ ብዕንጸይቲ ንክፍጸም ኣፍቂዱ'ዩ" ይብል።

ወሲኹ "ይኹን'ምበር ኣስክሬን እቶም ሰርተፊኬት ኮቪድ-19 ተዋሂቡዎም ካብ ሆስፒታል ዝመጽኡ ዝነበሩ ጥራሕ'ዮም ዝቕበሉ ነይሮም። ብዙሓት ሰባት ግን መርመራ ከይገበሩ ኣብ ገዝኦም ይሞቱ ነይሮም። ስድራቡት እዞም ግዳያት ከኣ ነቲ ኣስክሬን ካብታ ከተማ ውጽእ ናብ ዝበሉ ቦታታት ይወስዱዎም። ዕንጸይቲ ወይ ድማ ነቲ ሬሳ ዘቃጽልሉ ቦታ ክስድኑ ከለው ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ሩባ ቀቢሮምዎ ይኸዱ" ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ከተማ ፕራያግራጅ ዝርከብ ጋዜጠኛ ድማ፡ መብዛሕትኦም ኣስክሬናት ኣብ ገዝኦም ዝሞቱ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ወይ'ውን እቲ ሬሳ ናይ ምንዳድ ስነ ስርዓት ክፍጽሙ ዘይክእሉ ድኻ ስድራቤታት እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ።

"ልብኻ'ዩ ዝሰብር፤ ኩሎም እዚኦም ህጻናት፣ ኣቦታትን ኣዴታትን'ዮም ዝኾኑ። እንተውሓደ ምስ ሞቱ ቁሩብ ክብሪ ክረኽቡ ምተገብአ። ይኹን'ምበር ኣካል እቲ ቑጽሪ እኳ ኣይኮኑን፤ ከይተፈልጡ ሞይቶም . . . ከይተፈልጡ ዝተቐብሩ መሳኪን'ዮም" ይብል።

ሩባ ጋንጄስ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ዓበይቲ ሩባታት ሓደ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩባ ጋንጄስ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ዓበይቲ ሩባታት ሓደ እዩ።

ሂንዱ፡ እዚ ሩባ ቅዱስ ሩባ ኢሎም ስለ ዝኣምኑሉ፡ ኣብቲ ሩባ ምሕጻብ ካብ ሓጢኣትካ የጽሪ'ዩ ኢሎም ይኣምኑን እቲ ማይ ንሃይማኖታዊ ኣምልኾ ይቀምሉን።

ኣብ ከተማ ካናጂ ዝነብር ወዲ 63 ዓመት ጃግሞሃን፡ ንማዕኸን ዜና እታ ሃገር ከም ዝበሎ ኣብ ጥቃ እቲ ሩባ "ካብ 150 ክሳብ 200" መቓብር ርእየ እየ ኢሉ።

"እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብ ሰዓት ሓደ ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ይፍጸም ነይሩ። ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።

ምርካብ ናይዞም መቓብራት ኣብቲ ከባቢ ሓያል ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ።

ዝናብ ምስ ጀመረ ኣብቲ ከባቢ ዝተቐብሩ ኣስክሬናት ኣብቲ ሩባ ክንሳፈፉ ከም ዝኽእሉን መጠን እቲ ማይ ከም ዝውስኽን ስግኣቶም ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ መንግስቲ ስነ ስርዓት "ጃል ፕራቫህ" ክኽልክ እንከ፡ ስነ ስርዓት ምቅጻል ሬሳ ንምፍጻም ዓቕሚ ንዘይብሎም ድኻታት ሓገዝ ገንዘብ ከም ዝህብን ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ብዙሓት ቦታታት፡ ፖሊስ ካብ ጥቃ ሩባ ኣስክሬን ስሒቦም ከውጽኡ ቀንዮም።