ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነዊሕ ሰዓታት ስራሕ ኣብ ዓመት 745 ሽሕ ሰባት ይቕትል ኣሎ

ጭንቀት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብምኽንያት ነዊሕ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዓመታዊ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

እዚ ፈላማይ ዓለማዊ መጽናዕቲ ኣብ 2016 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብሰንኪ ናይ ነዊሕ ናይ ስራሕ ሰዓታት ብዝስዓቡ ሕማማት ልብን ወቕዒ ልብን 754 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ይብል።

በዚ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤሽያን ዞባ ምዕራብ ፓስፊክን ዝነብሩ ሰባት ዚያዳ ግዳያት ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ ጠቒሱ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ሳዕቤን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክድይብ ከም ዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ሰሙን ን55 ሰዓታት ወይ ልዕሊኡ ምስራሕ ምስ ኣብ ሰሙን ካብ 35 ክሳብ 40 ሰዓታት ምስራሕ ክነጻጸር እንከሎ፡ 35 ሚእታዊት ልዑል ሓደጋ ወቕዒ ልቢ፣ 17 ሚእታዊት ድማ ልዑል ስግኣት ሕማም ልቢ ከስዕብ ከም ዝኽእል እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

እዚ ምስ ዓለማዊ ትካል ዕዮ ብምትሕብባር ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 75 ሚእታዊት እቶም ብምኽንያት ነዊሕ ሰዓታት ስራሕ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ወይ'ውን ብዕድመ ዝደፍኡ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ይብል።

ቅድሚ ሓሙሽተ ሰሙናት ወዲ 45 ዓመት ጆናታን ፎሮስቲክ ኣብ ሊንከዲን ብዝጽሓፎ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ። ንሱ ኣብ ጥዕንኡ ድሕሪ ዘጓነፎ ጸገም ነዊሕ ሰዓታት ምስራሕ ክንደየናይ ከም ዝሃሰዮ ክርዳእ ከም ዝኽኣለ ጠቒሱ።

ንሱ፡ ካብቲ ዘጋጠሞ ሕማም ወቕዒ ልቢ ምስ ድሓነ "ድሕሪ ሕጂ ነዊሕ ሰዓት ኣብ ዙም ኣየሕልፍን" ክብል ተዛሪቡ።

ብዙሓት ከኣ ነዚ ስዒቦም ተመሳሳሊ ኣብ ስራሕ ብዛዕባ ዘሕልፉ ሰዓታትን ዘጋጥሞም ጸገማት ጥዕናን ከካፍሉ ጀሚሮም።

ፍሮስቲክ ነዊሕ ሰዓት ኣብ ስራሕ ምሕላፉ ንዘስርሖ ትካል እኳ እንተዘይነቐፈ፡ ካልኦት ርኢይቶኦም ዘካፈሉ ሰባት ግን "ትካላት ንውልቃዊ ኩነታት ጥዕና ኣብ ግምት ከየእተው ሰባት ልዕሊ ዓቐን ክሰርሑ'ዮም ዘገድዱ" ኢሎም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘሎ ኩነታት ዘሕደሮ ጽልዋ እንተዘይዳህሰሰ'ውን፡ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ትካል ግን ካብ ስራሕ ቦታ ወጻኢ ኮይንካ ምስራሕን ምንቁልቋል ቁጠባን ነዊሕ ሰዓታት ክስራሕ ጸቕጢ ከየሕደሩ ከም ዘይተርፉ የረድኡ።

"ናብ ሙሉእ ዕጽዋ ኣብ ዝኣተዋ ሃገራት ናይ ስራሕ ሰዓት ብ10 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣለኒ" ይብል እቲ ትካል።

ነዊሕ ሰዓት ምስራሕ ብኽልተ መገዲ ጥዕናዊ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ከኣ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።

እቲ ሓደ፡ ብቐጥታ ምስ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ዝተኣሳሰር ኮይኑ እቲ ካልኣይ ሰባት ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ እንከለው ንጥዕንኦም ዝጎድኡ ከም ትምባኾን ኣልኮልን ምጥቃም፣ ድቃስን ምንቅስቓስን ምውሓድ፣ ጥዕንኡ ዘይሓለወ ኣመጋግባ ዝበሉ ጎዳእቲ ባህርያት ከማዕብሉ ምጅማሮም'ዮ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቑጽሪ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሰርሑ ሰባት ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ይመጽእ ነይሩ፤ እዚ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ትሸዓተ ሚእታዊት ነይሩ።