ሪታ መይስ፡ ንተሓከምቲ ብምቕታላ ሸውዓተ ተኸታታሊ ፍርዲ ሕልፈት ተበይኑላ

ሪታ መይስ፡ ኣብ ዒራቕ ድሕሪ ዝነበራ ኣገልግሎት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከም ዘጋጠማ ጠበቕኣ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, POLICE IMAGE

መግለጺ ስእሊ, ሪታ መይስ፡ ኣብ ዒራቕ ድሕሪ ዝነበራ ኣገልግሎት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከም ዘጋጠማ ጠበቕኣ ይገልጽ

ገዳይም ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝሕከምሉ ወተሃደራዊ ሆስታል ተሓጋጋዚት ነርስ ዝነበረት ውልቀ ሰብ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ተሓከምቲ ብምቕታላ ሸውዓተ ተኸታታሊ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዋ።

እዛ ውልቀሰብ ብተወሳኺ ንካልእ ተሓካሚ ክትቀትል ብምፍታን ተወሳኺ ማእሰርቲ 20 ዓመት ተፈሪድዋ ኣሎ።

እዛ ሪታ መይስ ዝተባህለት ጓል 46 ዓመት ነርስ፡ ኣብ ምዕራባዊ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ትሰርሕ ነይራ።

እታ ተኸሳሲት፡ ኣብ ማእከል ሕክምና ልዊስ ኤ ጆንሰን ንሸውዓተ ተሓከምቲ ኢንሱሊን ብምውጋእ ከም ዝቐተለቶም ኣብ ፈላማይ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ተኣሚና ነይራ።

ዳይና ቶማስ ክሊህ፡ እዛ ተኸሳሲት ብዝፈጸመቶ ተግባር 'ዝኸፈአት ዓይነት ጨካን' ክብል ክገልጻ እንከሎ፡ ካብቲ ዝተፈረዳ ቅጽዓት ኣመክሮ ከም ዘይትረክብ ሓቢሩ።

እቶም ግዳያት ካብ 81 ክሳብ 96 ዓመት ዕድሚኦም ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም፣ ኲናት ኮርያን ቬትናምን ንኣመሪካ ዘገልገሉ ነባራት ወታሃደራት እዮም።

መይስ፡ ነቶም ግዳያት ዘየድሊ ኢንሱሊን ብምውጋእ ንሃይፖግላኮምያ ዝበሃል ጸገም ተቓሊዖም ክሞቱ ከም ዝገበረት ኣኽበርቲ ሕጊ ይዛረቡ፡፡

ኣብቲ ብሰኑይ ዝወዓለ ናይ ውሳነ መጋብእያ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ቃል ስድራ ግዳያት ሰሚዑ እዩ።

ካብቶም ግዳያት ሓደ ናይ ዝኾነ ጆርጅ ሻው በዓልቲ ቤት ኖርማን ሻው፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ብቪድዮ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እታ ነርስ ኢንሱሊን ምስ ወገአቶ ለሚሱ ከም ዝነበረን፡ ሞቱ ተፈጥሮኣዊ መሲሉዎም ከም ዝነበረን ተዛሪባ።

ወዱ ንሮበርት ኢጅ ዝተባህለ ቀዳማይ ግዳይ መይስ ድማ፡ "ንወላዲየይ ብዘይዝኾነ ምኽንያት ቀቲልክዮ" ክብላ ተሰሚዑ።

እናነብዐት ኣብቲ መጋባእያ ዝተዛረበት ተኸሳሲት ሪታ መይስ "ስድራ ግዳያት ዘጸናንዐሉ ቃላት የብለይን፡፡ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ስድራይን ንዝፈጠርክዎ ቓንዛ ይቕረታ ጥራሕ እየ ክብል ዝኽእል" ኢላ።

እታ ተኸሳሲት ካብ 2003 ክሳብ 2004 ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝነበረ ሰራዊት ኣመሪካ ከተገልግል እንከላ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዘጋጠማ እዩ ጠበቓኣ ዝዛረብ፡፡

እቲ ቤት ፍርዲ ግና ነቲ ቅትለት ኣብ ዝፈጸመትሉ እዋን ናይቲ እትሰርሐሉ ትካል ኮምፒዩተር ተጠቒማ፡ ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ ብቕትለት ዝፍለጣ ደቂ ኣንስትዮ ሓበሬታ ትእክብ ምንባራን፡ ብዛዕባ ኣብ ሞት እቶም ግዳያት ዝነበራ ተራ ንመርመርቲ ከም ዝሓሰወቶምን ገሊጹ።

ብተወሳኺ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ እንተሃለዋ'ውን፡ እዚ ነቲ ዝፈጸመቶ ተግባር ምኽኑይ ከም ዘይገብሮ ዳይና ክሊህ ተዛሪቡ።