ኮሮናቫይረስ፡ ኦቲዝም ብግብሪ ዝተቓለሰት ሓርበኛ ኦቲዝም ዘሚ የኑስ ዓሪፋ

ምንጪ ስእሊ, ZEMI YENUS FACEBOOK
መስራቲት ጆይ ማእከል ኦቲዝም ወይዘሮ ዘሚ የኑስ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተት ተገሊጹ።
ንሰሙናት ሕክምናዊ ክትትል ክትረክብ ዝጸንሐት ዘሚ የኑስ ብ3 ግንቦት 2013 ዓ.ም ኣብ ሆስፒታል ጳውሎስ ከም ዝዓረፈት ናይ 25 ዓመታት መሓዝኣ ወይዘሮ ኢሌኒ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ወይዘሮ ዘሚ፡ ጾም ረመዳን ምስ ኣተወ ብ4 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም መርመራ ኮሮናቫይረስ ክትገብር እንከላ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈት ተነጊሩዋ።
ድሕሪኡ ሕጽረት ምትንፋስ ኣጋጢሙዋ ኦክስጅን ስለ ዘድለያ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ሚሊንየም ኣቲያ ክትሕከም ጸኒሓ።
ኣብ መወዳእታ ናብ ሆስፒታል ጳውሎስ ተዛዊራ ሕክምና ክትረክብ ከም ዝጸንሐት ተገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማእከል ኦቲዝም ጆይ ስነ ስርዓት ምስንባት ይካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ሎሚ ስነ ስርዓት ቀብራ ክፍጸም'ዩ።
ኣብ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዕቱብ ትነጥፍ ዝነበረት ወይዘሮ ዘሚ፡ ብብዝሒ ኣብ ምዕባይ ግንዛበ ኦቲዝምን ምሕብሓብ ጸገም ዕብየት ኣእምሮ ዘለዎም ህጻናትን ብዝነበራ ኣበርክቶ ትዝከር።
ወይዘሮ ዘሚ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝነበራ ውፍይነት ካብ ምንታይ ዝነቐለ'ዩ? ቢቢሲ ብ2011 ኣውጊዑዋ ነይሩ።

እዋኑ 1995 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ። ኢትዮጵያዊት ዘሚ የኑስ ኦቲዝም ዋላ ሓደ እትፈልጦ ነገር ኣይነበረን።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ቖልዓ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ወላ ጆጆ ክትሪኦ እንከላ ግን፡ "ካብ ካልኦት መሓዙቱ ዝኾኑ ህጻናት ዝተፈለየ" እዩ ዝመስላ ነይሩ።
ሽዑ፡ ምስ በዓል ቤታ ኣብ ኣመሪካ ትቕመጥ ነይራ። ንሱ፡ ሓደ ምድላው ቴሌቪዥን ኣመሪካ ይርኢ ነይሩ።
ኣብ ወዶም ጆጆ ዝርእዩዎም ዝነበሩ ምልክታት ናብ ኦቲዝም ዝጸጋግዑ ስለ ዝነበሩ፡ ሃንደበት ኦቲስቲክ ከም ዝኾነ ፈሊጦም።
ዘሚ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ክትሓስ እንከላ ከኣ ብዛዕባ እዚ ሕማም ዳህሳስ ክትገብር ጀሚራ።
ልክዕ ከምቶም ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎም ቖልዑት ዘዕብዩ ስድራቤታት፡ ዘሚ ወዳ ክዛረብ ዘይምኽኣሉ የጨንቓ ነይሩ።
ብዙሓት ዶኳትር ግን፡ ወዲ ተባዕታይ "ምዝራብ ዘንጋዑ'ዩ" ብምባል እቲ ዝነበራ ስግኣት ክንኪ ጻዕሪ ይገብሩ ነይሮም።
ንሳ ብውልቃ ብዝገበረቶ መጽናዕቲ ግን፡ ወዳ ምዝራብ ብዝደንጎየ ቑጽሪ ከምኡ'ውን ብዘርእዮም ዝነበሩ ተመሳሰልቲ ባህሪያትን ጸገማት ባህርን ወዳ ኦቲዝም ከም ዘለዎ ክትርዳእ ክኢላ።
ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ነዚ ጸገም ጥዕና ዝምልከት ዝግበር መርመራ ድሩት'ዩ።
ወይዘሮ ዘሚ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሰት፡ ንብዙሕ ዓመታት ሰብ ሞያ ስነ ልቦና፣ ዶኳትርን ካልኦት ክኢላታትን እንተኣማኸረት'ውን ናይ ልባ ዝመልአላ ምላሽ ክትረኽበሉ ኣይክኣለትን።
ንወዳ ዝሓቁፍ ቤት ትምህርቲ ምርካብ'ውን ካልእ ጸገም ነይሩ። መመሃራን ጆጆ "ኣጸጋሚ ባህሪ ኣለዎ" ብዝብል ካብ ቤት ትምህርቲ እናሰጎጉዎ፡ ብተኸታታሊ ካብ ሓሙሽተ ቤት ትምህርቲ ተሰጒጉ።
በዚ ዝተጸገመት ዘሚ፡ ንሓደ ቤት ትምህርቲ ሰለስተ ዕጽፊ እቲ ዝኽፈል ክትከፍሎ እሞ ወዳ ከምህረላ ሓቲታ እያ።


ድሕሪ'ዚ፡ ወይዘሮ ዘሚ ኣብቲ ጉዳይ ሰፊሕ መጽናዕቲ ገይራ። ካብዚ ብምብጋስ ኦቲዝም ብሰፊሑ ዝርኣይ ጸገም ከም ዝኾነ ክትርዳእ ክኢላ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዋላ'ውን ሰባት ብግልጺ ኣየውግዑሉ እቲ ጸገም ከም ዘሎ ግን ተዓዚባ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ካልኦት ተመሳሳሊ ጸገም ዝሓልፉ ዘለው ስድራቤታት ከተተኣላልሽ ምስ ጀመረት፡ ኣዝዩ ዘሰንበዳ ነገር ረኺባ፤ ወለዲ ኦቲዝም ንዘለዎም ደቆም ኣብ ገዛ'ዮም ዝሓብኡዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጸልማት ክፍሊ።
ብሱሩ'ውን፡ ሓንቲ ኣእዳዋ ንድሕሪት ተኣሲራ ከፍ ዝበለት ህጻን ረኺባ'ያ።
እዚ ኹሉ ዘሚ ብዛዕባ ኦቲዝም ብግልጺ ክትዛረብ ክትጅምር ከም ዘለዋ መንቅሒ ደወል ነይሩ።
ብ2002፡ ገባሪ ሰናይ ስራሕ ክትጅምር እንከላ፡ ጆይ ማእከል ህጻናት ግዳያት ኦቲዝም ዝብል ስያመ ዝሃበቶ ትካል ከፊታ።
እዚ ቤት ትምህርቲ ንወዳ ሓዊሱ ኣርባዕተ ተመሃሮን ሰለስተ ሰራሕተኛታትን ሒዙ'ዩ ተበጊሱ።
ክሳብ 2011 ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ 75 ተመሃሮ ከኽትት እንከሎ፡ 30 ሰራሕተኛታት ምሓዝ ክኢሉ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት ዝመሃርሉን ዝሕገዝሉን ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ንትርፊ ዘይተጣየሰ ትካል ኮይኑ፡ ወለድቲ ክንዲ ዝከኣሎም ገንዘብ ከፊሎም ደቆም የምህሩ።
እቲ ትካል፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ለገስቲ ትካላትን ሓገዝ ገንዘብ ይረክብ'ዩ።
ብዓብይኡ ግን እዚ ትካል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ፍሉይ ድልየት ዘለዎም ህጻናት ፕሮግራም ከማዕብል ኣኽኢሉ።

እንተኾነ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት እዚ ጸገም መርገም ወለዶም'ዩ ወይ ሰይጣን'ዩ ብምባል ነቲ ምውሓድ ዕብየት ኣእምሮ ግጉይ ርድኢት ክህቡዎ'ዮም ዝስትውዓሉ።
ቑጽሪ ክትትልን ሓገዝን ዘድልዮም ኦቲስቲክ ህጻናት'ውን ብወግዒ ኣይፍለጥን። ሰብ ሞያ ጥዕና እንተኾኑ'ውን እኹል ግንዛበ የብሎምን።
እቶም እቲ ጸገም ዘለለዩዎ ክኢላታት'ውን እንተኾኑ፡ እቲ ጸገም ናይ ስነ ኣእምሮ ክነሱ እቶም ሕሙማት ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ክገበሮም'ዮም ዝውስኑ።
እዚ ታሪኽ ብዙሓት ስድራቤታት'ዩ።
ዘሚ ግን ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ወዳ ተሓቲታ፡ "ወደይ ጽቡቕ መንእሰይ ኮይኑለይ ኣሎ፤ ብዙሕ ለውጢ'ውን ኣምጺኡ'ዩ። ቃላት ከውጽእ ጀሚሩ ስለ ዘሎ ኣብ ቀረባ ምዝራብ ክጅምር'ዩ" ኢላ ነይራ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







