ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ክፍፀም ዝረኣዩ ህፃናት ነየናይ ዓይነት ፀገም ጥዕና ይቃልዑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሓዘን ዝተሸመመ ቁሸት፣ ብስግኣት ዝተውሓጠ ኣድባር፣ ዝተጎሳቖላ ኣደታት፣ ሓይሎም ዝኸድዖም ኣቦታትን ብዝሓረስሉ ኢዶም ናይ ረድኤት እኽሊ ዝልምኑ ስድራ፣ ንብዓት ዝዓቖሩ ኣዕይንቲ፣ ብንብዓት ዝጠልቀዩ ገፃት፣ ዝረስሐ ክዳን፣ ዝነቐፁ ከናፍር፣ መኸዲ ዝሓርበቶም ኣናእሽተይ ኣእጋር፡ ንዝፍፀሙ መጥቀዕትታት ስዒቡ ንማሕበራዊ ሚድያ ዝመልኡ ስእልታት እዮም።
ካብዚ ቀረባ ዓመታት ንነዘ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ብዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት ዜጋታት ተቐቲሎም፤ ተጎዲኦምን ንብረቶም ባዲሙን እዩ።
ኣብ ልዕሊ ህፃናት፡ ግዘን ቦታን ዘይመረፁ ዘስካሕክሑ መጥቃዕትታት ተፈፂሞም ፤ ባዕሎም እቶም ህፃናት’ውን ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ እዮም።
ኣብ ሕቑፊ ወለዶም እንከለዉ ወለዶም ዝተቐተሉዎም ህፃናት’ውን፡ ቁፅሮም ቀሊል ኣይኮነን።
እዚ ተግባር ልዕሊ እቲ ዝሓስብዎ ኮይንዎም መገዛእ ሂወቶም ከጥፍኡ ዝፈተኑን፡ ዓርሰ ቅትለት ዝፈፀሙ ከምዘለዉ’ውን ሰሚዕና ኢና።
ዳይሬክተርን ኣማኻርን ‘ኣሃ’ ኣገልግሎት ስነ-ልቦና ኣይተ ሞጎስ ገብረማርያም፡ ብብርኪ ዓለም ብሰንኪ ጎንፂ ዘጋጥም መጥቃዕቲ፡ ይውስኽ ከምዘሎ ይገልፅ።
ብፍላይ ድማ ካብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ንነዘ፡ ዓይነቱ ብዝለወጠ መገዲ፡ ኣካልን ስነልቦናን ህፃናት ዝጎድእ ኩነታት፡ ከምዝገደደ ይሕብር።
ህፃናት ኣብ ጎንፅን መጥቃዕትን ዘጋጥሞም ፅዕንቶ ስነልቦና ብመንፅር ዕድመኦም፡ ማለት’ውን ብስምዒት፣ ምዕባይ ቋንቋን ኣተሓሳስባን ከምዝፈላለይ ዝገልፅ ኣይተ ሞጎስ፡ ህፃናት ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እንከለዉ መጥቃዕትታት ምርኣዮም ወይድማ ምትእንጋዶም፡ ንሕሱም ፀገም ጥዕና የቃልዖም እዩ ይብል።
ከምዚኦም ዝበሉ ዘስካሕክሑ መጥቃዕትታት እንክርእዩ፡ ወዲሰብ ብደጋዊ መገዲ ስምዒቱ ንዝቆጻፀረሉ ስርዓት [Emotional Regulation] የፍርሶ። እዚ ግና ከከም ዕድመኦም ክፈላለይ ይኽእል።
ስነልቦና ማለት፡ ኣተሓሳስባ፣ ስምዒትን ባህርን እዩ ዝብል እቲ በዓል ሞያ፡ ስምዒትን ኣተሓሳስባን እንክፈርሱ፡ ኣብ ባህርን ኣካልን ጉልህ ፅልዋ ከምዝረኣይ ይዛረብ።
ህፃናት ከምዚኦም ዓይነት መጥቀዕትታት ክፍፀሙ እንክርእዩ እንታይ ይስመዖም?
ህፃናት ዘስካሕክሑ መጥቃዕቲ እንክርእዩ፡ ሻቡ ንሻቡ ከምኡ’ውን እናሓደረ ዝስመዖም ስምዒት ኣሎ፤ ዘርእይዎ ባህሪ’ውን ከምኡ። በዓል ሞያ ኣይተ ሞጎስ ኣብ ሓፂርን ነዊሕን ግዘ ዝረኣዩ ብምባል ይኽፍሎም።
. ኣብ ሓፂር ግዘ
ብስምዒት፡ ናይ ምድንጋፅ፣ ምፍራሕ፣ ምርባሽ ስምዒት የርእዩ።
ብባህርይ፡ እዚ ለውጢ ዋላ’ኳ በብዕድምኡ ዝፈላለይ እንተኾነ፡ ህፃናት ካብ ወለዶም ወይ ድማ ሓብሐብቶም ብዘይተለመደ መልክዑ ክፍለዩ ናይ ዘይምድላይ ኩነታት የርእዩ። ብኣንፃሩ፡ ዕደመኦም ልዕል ኣብ ዝበለ ድማ፡ ንበይኖም ክኾኑ ይረኣዩ።
ሽድሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ከኣ ንበይኖም ክድቅሱ ይፈርሑ። ምግቢ ክበልዑ፣ ክሰትዩን ክድቅሱን ይፅገሙ። ካብ ድቃስ ምብህራር፣ ሽንትን ፍታንን ምቁፅፃር ዘይምኽኣልን የርእዩ።
ብኣተሓሳስባ፡ ምርሳዕ የጋጥሞም፣ ትኹረት ንምግባር ይፅገሙ።
ኣብ ነዊሕ ግዘ: ኣብ ነዊሕ ግዘ ዝበዝሕ ባህርያዊ ፀገም የርእዩ።
ብባህርይ፡ እሱራት ወልፊ፣ ብኣልኮል ዝተጠቕዑ፣ ኣብ ግዘ ንእስነቶም ጥፍኣተኝነት ዝስመዖም ይኾኑ፤ ዕድመ ውስኽ ምስ ዘብሉ ከኣ ገበነኛታት ናይ ምዃን ዕድሎም ልዑል እዩ። እቲ ዝረኣይዎ ወይ ድማ ዘጋጠሞም ነገር ባዕሎም ክፍፅምዎ’ውን ይኽእሉ።
ብኣተሓሳስባ፡ ኣብ ውፅኢት ትምህርቲ ትሑት ምዃን ።
ብስምዒት፡ ስምዒት ሓዘን፣ ተስፋ ምቑራፅን ዋጋ የብለይን ዝብሉ ስምዒት የርእዩ።
ቅድሚ እዚ እውን ከበድቲ ምልክታት ከርእዩ ይኽእሉ። ኣይተ ሞጎስ፡ እዞም ምልክታት ቅልጡፍ ስጉምቲ ንምውሳድን መፍትሒ ንምንዳይ ከምዝሕግዙ ይዛረብ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርኪ ዝበፅሑ ህፃናት፡ ካልእ ሰብ ዘይረኣዮ፣ ዘይሰምዖን ዘየሽተቶን ነገር ክርእዩ፣ ክሰምዑን ክጨኖምን ይኽእሉ እዮም። እቲ ጉድኣት እንከጋጥም ዝሰምዕዎ ድምፂ፣ ጨና ወይ ድማ ዝረኣይዎ ነገር መሊሱ ይረኣዮም። ወይ ከኣ ብኻልእ ዝረኣይ ነገርን ጨናን፡ ቅርፁ ቀይሩ ከጋጥም ይኽእል። እዚ ብዕድመ ምስ ደፍኡ’ውን ክረኣይ ይኽእል።
እንታይ ዓይነት ፀገም ጥዕና የጋጥሞም?
ከምኣገላልፃ እቲ በዓል ሞያ፡ ምስ ቁስለት ስነልቦና ተዛሚዱ ንዘጋጥም ከቢድ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ [Post Traumatic Disorder] ይቃልዑ። እዚ ፀገም ሱር እናሰደደ ምስ ዝመፅእ ድማ ሻቕሎት፣ ከቢድ ድቃስ፣ ኣብ ከቢድ ብርኪ ዝበፅሐ ሕማም ኣእምሮ፡ ዕብደት ክበፅሕ ይኽእል።
ብባህርይ፣ ብስምዒት፣ ብኣተሓሳስባ ኮነ ብግብሪ ዕለታዊ ስርሖም ክፍፅሙ ኣይኽእሉን።
ካብዚ ፀገም ብኸመይ ክወፅኡ ይኽእሉ?
እዞም ፀገማት ስነልቦና ኣብ ህፃናት ከየጋጥሙ፡ ኣቐዲምካ ምክልኻል ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዝግባእ፡ ኣይተ ሞጎስ ይገልፅ።
ጥቕዓት እንትፍፀም ብምርኣዮም ድሕንነቶም ኣብ ሕቶ ምልክት ስለዝኣቱ ነዚ ምርግጋፅ የድልይ።
“ዳግማይ ተቓላዕቲ ከይኾኑ ሓለዋ ምግባር፣ ኣብ ልዑል ፀቕጢ ስምዒት ስለዝኾኑ ንዕኡ ብምቕላል ነቲ ጉድኣት ምንካይ ይከኣል” ዝብል እቲ በዓልሞያ፡ እዚ ከምዘጋጥም ምንጋርን መረጋገፂ ምሃብን ከምዘድሊ’ውን ይሕብር።
ይኹን’ምበር፡ ናይ ስምዒት ድሕንነቶም ምውሓስ ዝከኣል፡ ኩነታት ድሕንነቶም ምርግጋፅ ምስዝከኣል እዩ።
ስምዒት ብእወንታውን ብኣሉታውን መልክዑ ስለዝመሓላለፍ፡ ሓብሐብቶም ዘለዎም ፀቕጢ ስምዒት ናይ ምፅዋር ዓቕሞም ኣብ ምዕባይ ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ፡ ኣይተ ሞጎስ ይምዕድ።
ስምዒትን ባህርይን እቶም ህፃናት ምክትታል፣ ንክዛረቡ ምፍቃድ፣ ኣብ ልዑል ስነልቦናዊ ቅልውላው ዝበፅሑ እንተድኣኾይኖም ድማ፡ ንበዓል ሞያ ምምኻር የድልይ።
“ዝበዝሕ ግዘ ጥቕዓታትን ጎንፅታትን እንተጋጥሙ፡ ኣብ መሰረታዊ ድሌታት እምበር ነቲ ስነልቦናዊ ቁስሊ ዝርእይ የለን። እዚ ፀገም ሕቡእን ብቐሊሉ ዘይረኣይን ስለዝኾነ፡ ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ” ኣይተ ሞጎስ ይገልፅ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ህፃናት ኣመልኪቱ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ድሕረገፁ ኣብ ዘቐመጦም ጥረ ሓቅታት፡ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዓበይቲ (ሰገናት) ዘሻቕል ከምዝኾነ ይሕብር።
ነዞም ፀገማት ንምፍታሕ ሓገዝ በዓል ሞያ ኣብ ዘይብሉ፡ መቦቆላዊ መፍትሕታት ምጥቃም ረብሓ ከምዘለዎ ከኣ እቲ በዓል ሞያ ይገልፅ።
ነዚ ከኣ፡ ንሕድሕድ ምዝርራብ፣ ከም እድር፣ ማሕበራትን ናይ ቡን ምድላዋት ዝኣመሰሉ ባህላውን ሃይማኖታውን ሓገዛት ምዕባይ የድልይ።
"ሩዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ በዳሂ ግዘ፡ እዚ ባህላዊ ሜላ እዩ ሓጊዝወን” ይብል ኣይተ ሞጎስ።
"ኣብ ዕንክሊል ስነልቦናዊ ቁስሊ ኢና ዘለና"
ብህፃንካ፡ ቅልጡፍ ዕብየት ኣእምሮ ከምዝካየድ መፅናዕትታት ይሕብሩ። ቆልዑ ዝዓብይሉ ከባቢ’ውን ንድሕንነቶምን ዕብየቶምን ወሳኒ እዩ።
ኣብ ገዛ፣ ቤት ትምህርቲ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ቦታ ዝረእይዎም ኣሉታዊ ተግባራት፡ ንሕማም ኣእምሮ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ከምዘዛይዶ መፅናዕትታት ይሕብሩ።
“ናይ ሎሚ ፍርሒ፣ ሻቕሎትን ጎንፅን፡ መብዛሕትኡ መግለፂ ኣብ ግዘ ቁልዕነት ዘሕለፍናዮ ቁስሊ እዩ” ዝብል ኣይተ ሞጎስ፡ እዚ ቁስሊ ብኣጋ ብዘይምሕካሙ፡ ኣብ ሓዳር፣ ቤትፅሕፈትን ኣብ ከባብን ከምዝረአይ ይገልፅ።
“ ‘ብስነልቦና፡ ቁጠዐ ቁጠዐ ይወልድ’ ይበሃል። እዞም ህፃናት ሰብ ብዘስካሕክሕ ኩነታት እንክዕመፅ፣ እንክቕተል ወይ ድማ ኣብ ባዕሎም ዘጋጠመ ስለዝኾነ፡ ኣእምሮ ድማ ነዚ ይለማመድ። ልሙድ ይገብሮ። በዚ ምኽንያት እዞም ህፃናት፡ መራሕቲ ስድራ፣ ቤትፅሕፈት ወይ ሃገር እንትኾኑ፡ ነዚ እዮም ዝደግሙ” ብምባል፡
“ኢትዮጵያ ኣብ ስነልቦናዊ ቁስሊ እያ ዘላ”፡ እዚ ብኣጋ ብምግታእ ከኣ ነቲ ዕንክሊል ምብታኽ ከምዝግባእ ይምዕድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







