ድቃስ ለይትና ዝዘርግ 'ኮሮናሶምንያ' እንታይ እዩ?

ድቃስ ለይትና ዝዘርግ 'ኮሮናሶምንያ' እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅልውላው ኮሮናቫይረስ ልዋም ዕረፍቲ ለይቲ ካብ ዝኾልፈና ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት ግን ሓደ ፍታሕ መጺኡ ኣሎ። ብዝተኻእለ መጠን ነዊሕ ሰዓታት ምድቃስ እዩ - እሞ ኸኣ ልዋም ድቃስ።

ነዚ ስእነት ድቃስ ሓደ ሓደ ሞያውያን 'ኮሮናሶምንያ' ወይ ድማ 'ኮቪድሶምንያ' ክብሉ ይፅውዕዎ። ሰባት ብሰንኪ ሻቕሎት ኮቪድ፡ ድቃስ ለይቲ ምስ ሰኣኑ እዩ እዚ 'ኮሮናሶምንያ' ዝተሰምየ ተርእዮ መጺኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 2020፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ሃምፕተን ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ሽድሽተ ሰባት እቲ ሓደ ድቃስ ይስእን ከምዝነበረን፡ ሕዚ ግና ካብ ሽድሽተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ድቃስ ከምዝስእኑ ይሕብር።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ፡ ኣደታት፣ ሸቃሎ፡ ፀለምቲ፡ ኤሽያውያንን ውሑዳት ዓሌትን (BAME groups)፡ ብስእነት ድቃስ ይሽገሩ።

ኣብ ቻይና ከኣ፡ 14 ነጥቢ 6 ሚእታዊት ዝነበረ ስእነት ድቃስ፡ ኣብ ግዘ ዕፅዋ፡ ናብ 20 ሚእታዊት ዓብዩ።

ኣብ ጣልያን፡ ኣዝዩ ዘሻቕል ሕማም ስእነት ድቃስ ተራእዩ ከምዝነበረን፡ ኣብ ግሪኽ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት፡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ሰባት ስእነት ድቃስ ከምዘርኣዩ መፅናዕትታት ይሕብሩ። ኣብ 2020 ኣብ ጉጉል፡ ንስእነት ድቃስ ዝገለጽ "insomnia" ዝብል ቃል፡ ብብዝሒ ተኣሊሹ/ተደልዩ።

ኣብዚ እዋን ለበዳ፡ መብዛሕትና፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ፈላልዩና፡ ምንቅስቓስና ተደሪቱ፣ ብዙሓት ስራሕ ኣልቦ ኬይንና እቶም ንሰርሕ እውን ስራሕ ከካብ ቤትካ ኮይኑ፡ ህይወትና ተዘሪጉ፡ ድቃስ ለይቲ ሓሪሙና፡ ተሸጊርና ኣሎና።

ብምኽንያት እዚ፡ ጥዕናናን ኣፍራይነትናን ከቢድ ፀገም ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። እንተኾነ፡ ርዝነት እዚ ፀገም ዝያዳ ለውጢ ክመፅእ፣ ንሕማም ስእነት ድቃስ ብኸመይ ክንብድሆ ከምንኽእል ሓደሽቲ ኣሰራት ክተኣታቶን፡ ናብ ልሙድ ህይወትና ክንምለስን ንኽእለሉ ኣንፈት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝተዘረገ ህይወት

ጥቃ ሰዓት ዝደቐሰት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ግዘ ለበዳ ኮነ ኣብ ልሙድ ህይወት፡ ድቃስ ስኢንካ ምንባር ከቢድ እዩ።

ብተኸታታሊ ንምድቃስ እንክንፅገም ወይ ድማ ዘይፅቡቕ ድቃስ እንከጋጥመና፡ ንከም ርጉዲ፣ ጭንቀት፣ ቅዛነት፣ ንሕማም መትነ ልባዊን (ካርድዮቫስኩላዊ) ሽኮርያን ዝኣመሰሉ ፀገማት ጥዕና ክንቃላዕ ንኽእል።

ሰብ መዚ ጥዕና፡ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ ሸውዓተ ሰዓታት ምድቃስ፡ እኹል ከምዘይኮነን ንስራሕኩም ከምዝሃስዮን እዮም ዝገልፁ። ናይዚ ውፅኢት ድማ፡ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቃስኩም ብዙሓት ጌጋታት ትፍፅሙ፣ ትኹረትኩም ይዓኑ፣ ግብረ መልሲ ትህብሉ ግዘ ይውስኽን መንፈስኩም ይህሰን እዩ ይብሉ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና።

ሓኪም ኣእምሮን ክኢላ ስነ መትኒን ዶክተር ስቴቨን ኦልቹለር፡ "እንተድኣ ስእነት ድቃስ የጋጥመኩም ሃልዩ፡ ዘሰክፍ የብልኩምን፡ ዓለም'ውን ድቃስ ስኢና እያ ዘላ። እዚ ናይቲ ብሰንኪ ኮቪድ ዘጋጥሙና ዘለዉ ለውጥታት፡ ሳዕቤን እዩ" ይብል።

ካብቶም ድቃስ ንክንስእን ፀለውቲ ዝኾኑ ብዙሓት ምኽንያታት፡ መዓልታዊ ልምድታትናን ከባብናን ስለዝተዘረገ፡ መዓልታዊ ዑደት ሰብነትና ከምልሙድ ክቕፅል ከቢድ ጌርዎ ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ሽፍትና ንተኻኽአሉ፣ ዕረፍቲ ንወስደሉ፣ ንድቅሰሉ ግዘ፡ ኮታስ መዓልታዊ ምንቅስቓስና፡ ብሰዓት ደወል ዝተሸንሸነ እዩ ነይሩ። ኮቪድ-19 ግና፡ ነዚ ንቡር ልምዲ ኣመሳቒልዎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ናይ ክሊኒካል ሄልዝ ፕሮፌሰር ኣንጌላ ድሬክ፡ "ሓንጎልኩም ንኹነታት ዝመለኸ እዩ፡ ኩሉ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኹም ኮይንኩም ትሰርሑ፣ ኣብ ገዛ እንክትኾኑ ድማ ትዛነዩ። ኣብዚ ኣፈላላይ ኣሎ። ሎሚ ግና ኩላህትና ኣብ ገዛና ኢና" ትብል።

ሕማም ስእነት ድቃስ ንዝነበሮም ሰባት ዝሕክም ዝነበረ ዴቪስ፡ ብዛዕባ 'ኮሮናሶምንያ' ፅሒፉ ኣሎ።

ካብ ገዛ ክንሰርሕ ከለና፡ ድሩት ምንቅስቓስን እዩ ዝህልወና፣ ንተፈጥርኣዊ ብርሃን ንቃለዐሉ'ውን ውሱን እዩ፡ ትብል ፕሮፌሰር ኣንጌላ ድሬክ፡ እዚኦም ክልቲኦም፡ ፅቡቕ ድቃስ ንክንድቅስ ኣበርክቶ ከምዘለዎም እያ ትገልፅ።

ኣፈፃፅማ ስራሕ'ውን ካልእ ደራኺ ጉዳይ እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ሸቕሊ ኣልቦነት ንብዙሓት ዓመታት ልዑል ስለዝኾነ፡ ስራሕ ዘለዎም ሰባት ስርሖም ንምውሓስ ብዕቱብ እንተሰርሑ ዝደንቕ ኣይኮነን።

እቲ ፀገም ግና፡ ሰባት ካብ ገዛ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን፡ ንነዊሕ ግዘን ኣብ ዘይስሩዕ ሰዓታትን ይሰርሑ ምህላዎም እዩ ዝግለፅ።

ዶክተር ስቴቨን ኦልቹለር፡ "ገዛን ስራሕን ኣብ ዝብል፡ ንፁር ዝኾነ ወሰን ክህልወና ይግባእ" ይብል።

ንመብዛሕትና ኣብዚ እዋን "ስራሕ ኣብ ስራሕ ቦታ" ምባል ዘይሕሰብ እዩ፤ ኣብ መዓልቲ ክንሰርሖም ካብ ዝግብኡና ዝርዝራትን (to-do lists) መዓልታዊ ሻቕሎት ምቁርራፅና'ውን፡ ካብ ካልእ ግዘ ዝኸበደ እዩ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ንክንዛነን ከይንጭነቕን ዘኽእሉና፡ ኣብ ትርፊ ግዘና ክንገብሮ ንብህጎም ተግባራትን መሓዙትናን'ውን፡ ናፊቕና ኣለና።

መብዛሕትና፡ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ የጋጥመና ኣሎ፤ እዚ ድማ ድቃስ ንክንስእን ወይ ከኣ ብኣንፃሩ ዝያዳ ክንድቅስ ዝገብር እዩ።

ብሓፈሻ፡ ርግፀኛታት ንኾነሉ ቀልብና ምስእንስእን ወይ ድማ ነገራት ንምቁፅፃር እንክንብዳህን'ውን፡ ስእነት ድቃስ ንከጋጥመና ኣበርክቶ ኣለዎ፤ ግዘ እዚ ለበዳ ምንውሑ፡ እግርና ኣጣሚርና ቪድዮ ጌማት ክንፃወት፡ ወይ ድማ መፀራረይ ወረቐት ንምዕዳግ እንክንቀዳደም፡ ህይወት ምልእቲ ዘይምዃና ካብ ዘርእዩና ልሙዳት ተግባራት ኮይኖም ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ኣንጌላ ድሬክ፡ " ኣብ መፈለምታ፡ ሰባት እዚ ለበዳ ካብ ዝወለዶ ጭንቀት ንምንጋፍ ይፍትኑን ንርእሶም የተባብዑን ነይሮም። ድሕሪ ግዘ ግና፡ ካብ ጭንቀት ዝናገፍሉ ዓቕሞም ትሑት ኮይኑ፤ እዚ ለበዳ ዓብይ ፀገምን ስእነት ድቃስን ከኣ ኣስዒብሎም" ትብል።

ሞባይል ዝርኢ ዘሎ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty

ሓደ ሓደ ፀገማት ድቃስ፡ ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሑ ሕማማት (chronic and long-lasting ) ክኾኑ ከምዝኽእሉ ትገልፅ ፕሮፌሰር ኣንጌላ፡ ናይዚ ምኽንያት፡ እቲ ለበዳ ፈውሲ ንምርካብ ምድንጓያት ስለዝፈጠረ እዩ ትብል። ገለ ትካላት ጥዕና ሕፅረት ሰራሕተኛታት ጥዕና ስለዘለዎምን፡ ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ስለዝመልኡን፡ ምኽንያት እዚ ምድንጓይ ከም ዝኾኑ ትገልፅ።

ብርግፅ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ሰራሕተኛታት ጥዕና ንባዕሎም ብስእነት ድቃስ ተጠቂዖም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ዩኒቨርሲቲ ኦታዋ ልዕሊ 190 ሽሕ ዝተሳተፍሉ 55 ዓለምለኻዊ መፅናዕትታት ኣካይዱ ነይሩ።

እዚ መፅናዕቲ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ስእነት ድቃስ፣ ቅዛነት፣ ጭንቀትን ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላን (PTSD)፡ ኣብ ከመይ ዓይነት ደረጃ ከምዘለዉ ንምልካዕ ዝዓለመ እዩ።

ብመሰረት እዚ መፅናዕቲ፡ ኣብ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ኩሎም ሕማማት፡ ብውሑዱ ብ15 ሚእታዊት ወሲኾም እዮም፤ ኣብ ስእነት ድቃስ ድማ፡ ካብቶም ዕላማ እዚ መፅናዕቲ ካብ ዝኾኑ ካልኦት ሕማማት ብኣስታት 24 ሚእታዊት ወሲኹ።

ሓኪም ኣእምሮን ክኢላ ስነ መትኒን ዶክተር ስቴቨን ኦልቹለር፡ ስእነት ድቃስ መብዛሕትኡ ግዘ ብዋናነት ምስ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ (PTSD) ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ይገልፅ። ናይ ግንባር ሰራሕተኛ ጥዕና ኮንካ ኣይኮንካ ብዘየገድስ፡ ዓበይቲ ኣሉታዊ ፍፃመታት ዓለም ምስ ዘጋጥሙ፡ ስእነት ድቃስ ከምዝዛይድ የረድእ።

ብሓፈሻ፡ ሓደ ሰብ ከም ኮሮናቫይረስ ዝበሉ ዓለማዊ ለበዳ፣ ከም 9/11 ዝበሉ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ወይ ድማ ሓደጋ መኪና ምስዘጋጥሞ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ስለዘስዕበሉ፡ ንነዊሕ ግዘ ዝዘልቕ ስእነት ድቃስ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ክትቃለሶ ይከኣል?

ሰብ ሞያ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን፡ ተዳጋጋሚ ስእነት ድቃስ እንተድኣ የጋጥመኩም ሃልዩ፡ ሓገዝ ምርካብ ወሳኒ ከምዝኾነ እዮም ዝምዕዱ።

ምክትል ሓላፊት ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ናይ ድቃስ ግብረ ሰናይ ትካል (Sleep Charity) ሊሳ ኣርቲስ፡ "እዚ ለበዳ ንሒደት ኣዋርሕ ዘይኮነስ፡ ንነዊሕ ግዘ ብምቕፃሉ፡ ልዑል ስእነት ድቃስ ከይጋጥም ተኽእሎ ከምዘሎ" እያ ትሕብር።

"ምኽንያቱ ሰባት ንምድቃስ ምስቓይ እንክጅምሩ ኣብ እዋኑ ሓገዝ ስለዘይሓቱ፡ ሕማም ስእነት ድቃስ ዝፍጠረሉ ዕድል ኣሎ። ስለዚ ብግዘ ዝኻዕበቱ ልምድታት ተሎ ምእላይ ስለዘይከኣል፡ ስእነት ድቃስ ፡ ብቐሊሉ ክፍታሕ ኣይኽእልን" ትብል።

እንተኾነ ካልእ ፅቡቕ ዜና ኣሎ፤ እዚ 12 ወርሒ ዘቑፀረ ግዘ ለበዳ፡ ንገለ ሰብሞያ፡ ንሕማም ስእነት ድቃስ ዝኸውን ፈውሲ ክምህዙ፡ ምኽንያት ኮይንዎም እዩ።

ዶክተር ስቴቨን ኦልቹለር፡ ብምኽንያት ምውሻብን ናብ ማእኸላት ጥዕና ብኣካል ክንከይድ ስለዘይንኽእል ወይ ድማ ስለዘይንደልይ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ " 'ቴሌሄልዝ' ማለት እውን፡ ብሞባይልን ኮምፒዩተርን ዝወሃብ ዲጂታላዊ ኣግልግሎት ጥዕና ብቅልጡፍ ይስፋሕፋሕ ኣሎ" ይብል።

ድቃስ ለይቲ ስኢኑ ዘሎ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መብዛሕትኡ ግዘ ንስእነት ድቃስ ዝወሃብ ፈውሲ፡ ተገንዝበኣዊ (ስነ ልቦናዊ) ባህርያዊ ሕክምና (cognitive behavioural therapy፡ CBT-I) እዩ።

እዚ ሕክምና(CBT-I )፡ ቅድሚ ምድቃስኩም ፅቡቕ ድቃስ ንክህልወኩም ዘኽእሉ ልምድታት (sleep hygiene) ክተኸዕብቱ ዝገብር እዩ።

ንኣብነት፡ ቅድሚ ምድቃስኩም ምትካክ ሽጋራ፣ መስተ፣ ኣብ ዓራት ኮይንካ ምስራሕ ምውጋድ ፅቡቕ ድቃስ ንክትድቅሱ ዘኽእሉ ልምድታት (sleep hygiene) እዮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ብዲጂታል፡ ተገንዝበኣዊ (ስነ ልቦናዊ) ባህርያዊ ሕክምና (cognitive behavioural therapy፡ CBT-I) ዝጠለቡ ሕሙማት፡ውፅኢታዊ ሕክምና ከምዝረኸቡ የመላኽት።

ሰባት ንፀገም ስእነት ድቃስ ንምፍታሕ ዝኽእልሉ፡ ካልኦት መገድታት'ውን ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ድሬክ፡ "እቲ ቀንዲ ሕገይ፡ ኣብ ዓራት ኮይንኩም ብላፕቶፕ ክትሰርሑ የብልኩምን። ኣብ ዓራት ኮይንካ ምስራሕ ይምቹ ድዩ ኣይምቹን ዝብል ኣይግደሰንን። ኣብ መወዳእታ፡ ሓንጎል ኣብ ክልተ ነገራት ንክፅመድ ስለዘገድድ" ትብል።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ጭንቀት ንምእላይ እትከታተልዎ መጠን ዜና ገደብ ግበርሉ። ሰዓት ደወል ብሞባይልኩም ኣይተጠቐሙ። ሰማያዊ መብራህቲ ዘውፅኡ መሳርሕታት'ውን ፀረ ድቃስኩም ስለዝኾኑ እለይዎም።

ክትድቅሱ ከለኹም፡ ንከይትጨናነቑ፡ ኣብ ኮመዲኖኹም ዘሎ ሰዓት'ውን ኣጥፍእዎ።

እዞም ነገራት እዚኦም፡ ካብቲ ልሙድ ዝረሓቑ ስለዝኾኑ ግና፡ ብድሆታት ከጋጥሙና ዘደንቕ ኣይኮነን።

"ቅድሚ 100 ዓመታት ከምዚ ዓይነት ፍፃመ ነይሩ። ዘየጋጠመ ነገር ኣይኮነን ዝኸውን ዘሎ" ትብል፡ ፕሮፌሰር ድሬክ።