ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክዕገት ዝኽእል እዩ ነይሩ፡ መጽናዕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምዕጋት ምተኻእለ ነይሩ ክብል ሓደ ጉጅለ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
እቲ ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝወደቦ ኮይኑ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን መንግስታትን ዝሃቡዎ ምላሽ "መርዛም ዝተቃመመ መስተ" እዩ ነይሩ ብምባል ነቒፉ።
እቲ ውድብ፡ ኮሮናቫይረስ ለበዳ'ዩ ካብ ዝበለሉ ግዜ ኣቐዲሙ ዓለማዊ ለበዳ ምዃኑ ክእውጅ ምኽኣለ ነይሩ ክብል እንከሎ፡ ህጹጽ ለውጢ ከይገበረት ዓለም ንኻልእ ለበዳ ተቓላዒት ኮይና እያ ኢሉ።
ልዕሊ 3.3 ሚሊየን ህዝቢ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተ ይፍለጥ።
ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ተወሲዶም ዝጸንሑ ስጉምታት ከፍኩሳን ቅድሚ እቲ ለበዳ ዝነበረ ህይወት ናብ ንቡር ክመልሳን ክጅምራ እንከለዋ፡ እቲ ቫይረስ ሕጂ'ውን ኣብ ኤስያ ብዘሰክፍ መልክዕ ይውስኽ ኣሎ።
ህንዲ ጥራይ መዓልታዊ ኣዝዩ ልዑል ቑጽሪ መልከፍትን ሞትን ትርኢ ዘላ ሃገር እያ።
ሆስፒታላት እታ ሃገር'ውን ብሕጽረት ኦክስጅን ይሳቐያ ኣለዋ።
ከም ኔፓል ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት ህንዲ'ውን ሓያሎ መጠን መልከፍቲ የመዝግባ ኣለዋ።
እቲ ጸብጻብ እንታይ'ዩ ዝብል?
እቲ መጽናዕቲ፡ እዚ ቫይረስ ከመይ ኢሉ 3.3 ሚሊየን ሰባት ክቐትልን ልዕሊ 159 ሚሊየን ሰባት ከጥቅዕን ክኢሉ ዝብል ሕቶ ንምምላስ'ዩ ተካይዱ።
"እቲ ሕጂ ዘለናሉ ኩነታት ኣቐዲምካ ምክልኻል/ ምዕጋት ምተኽኣለ" ኢላ ኣደ መንበር እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ [ፕሬዝደንት ላይቤርያ ነበር]።
"ይኹን'ምበር፡ ብምኽንያት ኣእላፍ ውድቀት፣ ክፍተት፣ ኣብ ምድላውን ግብረ መልሲ ምሃብን ምድንጓይ ብምንባሩ ኣብዚ በጺሕና" ኢላ።
ኮሚቴ ህጹጽ ግዜ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ሕማም ኣብ ቻይና እንከሎ ዓለማዊ ሓደጋ ምዃኑ ክእውጅ ነይሩዎ፤ ነዚ ከኣ ሓደ ሰሙን ቐዲሙ ክእውጆ ምኽኣለ ክብል እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ይምጉት።
እዚ ማለት፡ ኣብ ክንዲ ክሳብ 30 ጥሪ 2020 ዝጽበ፡ ብ22 ጥሪ 2020 ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ኣኼባ ክውስን ይኽእል ነይሩ ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ቫይረስ ስግኣት ዓለም ምዃኑ ምስ ኣወጀ ዘሎ ግዜ ሃገራት ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት ግቡእ ስጉምታት ኣብ ምውሳድ ስለ ዝሓመቓ"ዝባኸነ" ግዜ እዩ ይብል።
ኣብቲ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም እገዳታት ጉዕዞ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ተገይሮም ክውሰዱ ኣለዎም ይብል ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ ኣመሪካን ኤውሮጳን ሆስፒታላት ብሕሙማት ክሳብ ዝመልኣ ወርሒ ለካቲት ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ከይወሰዳ ምጽንሐን ጠቒሱ።
ብኻልእ ወገን፡ ሃገራት ነቲ ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክጨናነቕ ዝኽእል ስርዓት ጥዕና ኣብ ክንዲ ምድላው፡ መብዛሕትአን ብ"መን ወሰደ" ንሕንሕ መድሃኒታትን መከላኸሊ ኣቑሑትን ተጸሚደን ነይረን ኢሉ ይነቅፍ።
ኣብ ቀጻሊ ካልእ ለበዳ ንምክልኻል የኽእሉ'ዮም ዝበሎም መገዲታት ከኣ ሓቢሩ ኣሎ። እዚኦም፥
- ተሓታትነት ሃገራት ዝከታተል ሓድሽ ቤት ምኽሪ ዓለማዊ ስግኣታት ምጥያስ
- ብዘይፍቓድ ሃገራት፡ ሓበሬታ ጽኑዕ ሓለዋ ሕማም ዝሕትም ስርዓት ክህሉ
- ክታበታት ብቐሊሉ ዝርከቡ ክኾኑን ንለበዳ ዝኸውን ፋይናንስ ክህሉን ኣለዎ
- ሃሃብታማት ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንዝመርሖ ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት ክታበት ክረኽባ ዝነጥፍ ፕሮግራም ኮቫክስ ንምሕጋዝ 1.9 ቢሊየን ዶላር ክህባ'ውን ተሓቲተን እየን ዝብሉ'ዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







