30 ዓመታት ናጽነት: ኩነታት ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት እንታይ ይመስል?

ሰልፊ ዘቕርቡ ኣባልት ሃገራዊ ኣገልግሎት

ምንጪ ስእሊ, Yemane Geberemesekel

ዓወት ግርማይ፡ ኤርትራ ህዝባ መሰላቱ ተኸቢሩ ብነጻነት ዝነብረላ ሃገር ክትከውን ንእስነቶም ወፍዮም ናብ ሜዳ ካብ ዝወፈሩ ወለዱ ኣብ ዓራርብ (ሰሜናዊ ሳሕል) እዩ ኣብ 1990 ተወሊዱ።

ዓወት ናይ ካልኣይ ደረጃ ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ፡ 'ልዕሊ ዕድመ' ብዝብል ትምህርቱ ከይወድአ እዩ ኣቋሪጹ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ተገዲዱ።

ወተሃደራዊ ስልጠና ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ብናይ ስድራ ኩነታት ኣብቲ ስድርኡ ዝርከቡሉ ምምሕዳር እኳ እንተተመደበ፡ "መንቀሳቐሲ ክተሕድሱ እንተኾይንኩም ወይ 50 ሽሕ ናቕፋ ኣትሕዙ ወይ ድማ ናይ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ዋሕስ" ኣምጽኡ ታሂሎም ከም እተገደዱ ብምግላጽ ከም እተጸገመን ኣማራጺታት ክደልይ ከም እተገደደን ይዛረብ።

"ኣቦይ ምስ ክልተ ኣሕዋቱ ዓጽሙን ደሙን ንዝኸፈለላ ሃገር ብዋሕስ ክነብራ እንከለኩ ገንዘብ ከፊልካ ኢኻ ክትነብር እትኽእል ክበሃል ከለኹ ዝስምዓኒ ነገር መግለጺ የብሉን" ብምባል ንስደት ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ብምርኣይ ከቋምት ከም ዝጀመረ ገሊጹ።

ዓወት ኣብ መወዳእታ 2011 ካብ ኤርትራ ብስግረ ዶብ ናብ ሱዳን ወጺኡ።

ሒደት ዓመታት ኣብኡ ድሕሪ ምጽናሕ ሰሃራ ቆሪጹ ብሊብያ ኣቢሉ ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ሕጂ ኣብ ጀርመን ይነብር ኣሎ።

ኩነታት ስደት ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ

ኤርትራ ድሕሪ እቲ ን30 ዓመታት ዝጸንሐ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1993 መበል 183 ነጻ ሃገር ኮይና ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ተጸምቢራ።

ኤርትራውያን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዘለቐ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1991 ምስ ምስዓር እቲ ንኢትዮጵያ ን17 ዓመታት ዝገዝአ ስርዓት ደርግ ናጽነቶም ተጎናጺፎም።

ንናጽነቶም ወግዓውነት ንምልባስ ኣብ 1993 ኣብ ዘካየድዎ ረፈረንደም 99.9% እወ ንናጽነት ብምድማጽ ነጻ ሃገር ናይ ምዃን ሕልሞም ኣመስከሩ።

ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመታት ኤርትራ ብዝተፈላለየ መዳያት እወታዊ ምዕባለታት ብምምዝጋብ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብነታዊት ሃገር ክትኸውን ከም እትኽእል ብዙሓት ክዛረቡ ጀሚሮም ነይሮም።

ኣብ እዋን ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን በቲ ኣብ መንጎ ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሱ ሓይልታትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ብዝነበረ ኲናት፡ ዓመጽን፡ ተደጋጋሚ ድርቅን ህይወቶም ንምድሓን ዶብ ሰጊሮም ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣዕቚቦም ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ብጥርኑፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጀሚሮም።

ክሳዕ 2000 ዓ.ም ዳርጋ 98 ሽሕ ስደተኛታት ብጥርኑፍ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከም ዝተመለሱ ጸብጻባት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የርእይ።

እንተኾነ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኤርትራውያን መንአሰያት ደጊሞም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዘይሕጋዊ መገዲ ክውሕዙ ጀሚሮም።

ብፍላይ ድሕሪ ብዶብ ተሳቢቡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ሱዳን ከምኡ'ውን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ድፋዓት ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዙ ጀመሩ።

ምስተን ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር እታ ብዝሒ ህዝባ ብተዛማዲ ውሑድ ዝኾነ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ምስተን ቀዳሞት ዓሰርተ ብብዝሒ ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራት ኮይና ምቕጻላ ናይ 2019 ጸብጻባ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የርኢ።

ብዝሒ ህዝቢ ኤርትር ብንጹር ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤርትራውያን (ከባቢ 9%) ካብ ሃገሮም ከም እተሰደዱ እቲ ጸብጻብ ይነግር።

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, GAIM

መግለጺ ስእሊ, "ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም እንተነጊሱ እቲ ምኽንያት ኣልጊሱ'ሎ ማለት'ዩ"

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይሬክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ግና እዚ ኣሃዝ ልክዕ ናይ ዘይምዃን ተኽእሎ ከም ዘሎዎ ይገልጽ።

ምኽንያት ናይዚ ድማ እቶም ስደተኛታት ብብዝሒ ስለ ዝንቀሳቐሱ ምዃኑ ይነግር።

"መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ብሱዳንን ኢትዮጵያን እዮም ዝሓልፉ። ብዙሓት ካብ'ቶም ብኢትዮጵያ ዝወጹ ደጊሞም ኣብ ሱዳን ስለ ዝምዝገቡ 'ዳግም ምቑጻር' ኣሎ" ይብል።

ወሲኹ'ውን ኣብ ዝተፈላላየ ቦታታት ክምዝገቡ ከለው ከም ሓድሽ ስለ ዝቑጸሩ፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ጊዜ ዝምዝገቡ'ውን ከም ዘለው የብርህ።

ኣብ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን ብጽምእን ጥሜትን ከምኡ'ውን ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁጽሮም ውሑድ እኳ እንተዘይኮነ ብንጹር ምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ፕሮፌሰር ጋይም ይሕብር።

ስለምንታይ'ዮም ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ዝስደዱ?

ተሓለቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ 2019 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ጉዳይ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ'ውን ቀንዲ ደፋኢ ምኽንያት ስደት ኤርትራውያን ምዃኑን መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ምንባሮምን እዩ ዝሕብር።

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ'ውን ኣብቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ንምግምጋም ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ 2018 ኣብ ዝገበሮ ሴሚናር፡ እቲ ብ1994 ዝጀመረ ወፍሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ኤርትራ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገርትን ምዕራብን ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ።

እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ሃገራዊ ኣገልግሎት እኳ እንተኾነ "ብሓፈሽኡ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ኩነታት ንኽትነብረሉ ዝዕድም ኣይኮነን። ቁጠባዊ ትሕዝቶ ናይታ ሃገር ተዳኺሙ እዩ። ኤርትራ መሰል ዜጋታታ ዘይምኽባራ ጥራይ ዘይኮነሲ እቲ ቁጠባ'ውን ዓንዩ'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ጋይም።

መንግስቲ ኤርትራ ግና ቀንዲ ምኽያት ምንዋሕ ገደብ ግዜ ናይቲ ብሕጊ 18 ኣዋርሕ ምዃኑ ዝተደንገገ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ኩነተ ኣይኵናት ኣይሰላም ምዃኑ እኳ ክገልጽ እንተጸንሐ፡ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ ድሕሪ ክልተ ዓመት'ውን ኣብቲ ጉዳይ ለውጢ ብዘይ ምግባሩ ይኽሰስ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንጸብጻብ ፍልይቲ ልእኽቲ ዳኒኤላ ክራቨዝ ድሕሪ ምስማዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ኣየርኣየትን ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ-ኣልቦ ምዃኑ፡ ብኲናት ዝተስገደደ ምዃኑ ብምምጓት፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተረባሕቲ "ዝበረኸ" ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ ኮይኖም ኣለዉ ድሕሪ ምባል "ምስዚ ዘሎ ሰላም፡ ናይ ግዜ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት… ናብቲ ዝግብኦ ሕጋዊ ኣዋጅ ክምለስ'ዩ" ኢሉ።

line
ሰለስተ ናእሽቱ ወተሃደራት ኤርትራ
መግለጺ ስእሊ, ሂዉማን ራይትስ ዎች ኣብ ኤርትራ ግህሰት ተምሃሮን መምህራን ጠጠው ይበል ኢሉ።

ዓወት ካብ ሃገሩ ካብ ዝወጽእ ልዕሊ 10 ዓመታት ተቖጺሩ እኳ እንተሎ ነቶም ዝናፍቖም ስድርኡን ሃገሩን ክርእይ ኣይከኣለን ዘሎ።

ንሱ፡ ብዛዕባ'ታ ወላዲኡ ህይወቱ ዝኸፈለላ መዓልቲ ናጽነት ብኸመይ የብዕላ ከም ዘሎ ርእይትኡ ኣብ ዝተወከስናሉ፡ "ናጽነት ብስማ እምበር እንታይ ምዃና ኣይንፈልጣን ኢና፤ ናጽነት ኣብዚ ኣወሮጳ ምስ መጻና ኢና ፈሊጥናዮ" ኢሉ።

ወሲኹ "ኣነ ብህይወት ስለ ዘለኹ ክዛረብ ክኢለ ኣለኹ፤ ክነብሩ እናደለዩ ክነብሩ ዘይከኣሉ ክልተ ሰለስተ ደቂ ስውኣት ኣብ ባሕሪ ገዲፈዮም ዝመጻኹ ኣለው። ኣብ ሰሃራ ቀቢረዮም ዝመጻኹ ደቂ ስውኣት ኣለው" ብምባል መዓልቲ ናጽነት ነቲ "ተጨውዩና ዘሎ ናጽነትን ሓርነትን ንምምላስ እንዛተየላ መዓልቲ ክትኸውን ኣለዋ" ይብል።