ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብኸመይ ክበራበር ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ፡ ብደረጃ ዓለም ቀንዲ እትፍለጠሉ ዓውደ ስፖርት፡ ቅድድም ብሽክለታ’ዩ፤ ወየ ድኣ ታሪኽ ኰይኑ ተሪፉ’ምበር ኤርትራውያን ኣብ ኵዕሶ እግሪ’ውን ሰናፋት ኣይነበሩን።
ኣብ ጽባሕ ናጽነት እውን፡ ጋንታታት ህጻናት ማይ ተመናይ፡ መንደፈራ፡ ከረን፡ ጊንዳዕን፡ ባጽዕ፡ ዓሰብን ካልኦት ጋንታትን ናብ ሃገራት ስካንዲናቭያን እናኸዳ ዳርጋ ንዅለን ጋንታታት ብዓብላልነት እናስዓራ ዋንጫታት ሒዘን ይመጽኣ ነይረን።
ጋንታታት ኤርትራ፡ ኣብቲ ውድድራት፡ ንገለ ካብቶም ኣብ ዓበይቲ ሊጋት ኣውሮጳ ዝጻወቱን ከም ሪያል ማድሪድ፡ ባርሴሎና፡ ኤሲሚላንን ንዝኣመሰላ ጋንታት ኣብ ኣብያተ ትምህርተን ንዝምልምላኦም ዝነበራ ተጻወትቲ ንዘሰለፋ ጋንታታት ይስዕራ ነይረን።
ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ’ውን መብዛሕትኦም ካብቶም ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝጻወቱ ዝነበሩ ኤርትራውያን’ዮም።
ንኣብነት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ 1957 ካብ ዝተጀመረሉ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ እናተሰለፉ ዝጻወቱ ዝነበሩ ዝበዝሑ ኤርትራውያን’ዮም።
ብፍላይ ኣብ 1962 ኣብ ኢትዮጵያ ተኣንጊዱ ብዓወት ኢትዮጵያ ዝተዛዘመ ዋንጫ ኣፍሪቃ መብዛሕትኦም ካብቶም ቀዳሞት 11 ተሰለፍቲ እቶም ሸሞንት ኤርትራውያን’ዮም ነይሮም።
ደሕሪ ናጽነት ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ጋንታታት ብሰንኪ ተጻወትተን ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምኻድ ክዳኸማ ተራእየን እየን።
እቶም ኣብ ምሕደራ ስፖርት ዝምደቡ ሰባት’ውን ናይ ስፖርት ኣፍልጦ ዘይብሎም ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ብምዃኖም ነቲ ስፖርት ብርኡይ ካብ ዝሃሰዮ ረቛሒታት ምዃኑ ብዙሓት ይገልጹ።
ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ሃገር ወኪሎም ንስፖርታዊ ውድድር ዝለኣኹ ኰነ፡ ብኻልእ ምኽንያት ንኽገሹ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ገንዘባዊ ትሕጃን ዋሕስ ገይሮምን ከም ዝወጹ’ዩ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ውድድራት ስፖርት ብርኡይ ስለዝተደቝሰ፡ ተጻወትቲ ብገለ ኣጋጣሚ ናይ መገሻ ዕድል ምስ ዘጋጥሞም፡ ኣብ ዝኸድዋ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ ምርኣይ ዳርጋ ንቡር ተርእዮ ኰይኑ ጸኒሑ።
ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ዓመታት ኣብ ግጥማት ሴካፋን ካልእ ግጥማትን ንምስታፍ በብእዋኑ ናብ ኬንያ፡ ታንዛንያን ዩጋንዳን ካብ ዝለኣኸቶም ተጻወትን ኣስልጠንትን ኣስታት 50 ዝዀኑ ዑቕባ ብምሕታት ከምዝተረፉ ሰነዳት ይሕብሩ።
ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኵዕሶ እግሪ ናብ ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ’ዩ ተኣታትዩ። እንተዀነ ኣብ መጀመርታ ምስቲ መግዛእታዊ ስርዓት ዝኽተሎ ዝነበረ ዓሌታዊ ኣተሓሕዛ፡ ኣብ ጸለምቲ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራውያን ከኣ ብፍላይ ዝነበሮ ዓሌታዊ ኣፈላላይ፡ ኤርትራውያን ምስ ኢጣልያውያን ክጻወቱ ኣይፍቀዶምን’ዩ ነይሩ።
ምጽዋት ጥራይ ዘይኰነ እቶም ጸዓዱ ክጻወቱ እንከለዉ’ውን ኣብ ፈለማ ክርእይዎም ኣይፍቀዶምን ነበረ።
ድሒሮም ግን ጸወታታት ክዕዘቡ ስለዝፈቐዱሎም ፍቕሪ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ክሓድሮም ጀመረ።
እንተዀነ ኣብዚ’ውን እቶም ኤርትራውያን ዝኣትውሉን ኮፍ ዝብሉሉን በበይኑ’ዩ ዝነበረ።
ኣብዚ እዋን እዚ’ዮም እቶም ደቀባት ናይ ገዛእ ርእሶም ጋንታታት ክምስርቱ ዝጀመሩ።
ጋንታታት ሳቮያ፡ ኣርዲታ፡ ጋንታ ባጽዕ፡ ጋንታ ኤርትራ፡ ጋንታ ኣስመራ፡ ጋንታ ዲቪነሳ፡ ጋንታ ቀይሕ መስቀል ከኣ እተን ቀዳሞት ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ብደቀባት ኤርትራ ዝተመስረታ ጋንታታት ኵዕሶ እግሪ’የን።
ኣብ 1933፡ ነተን ዝተመስረታ ጋንታታት ደቀባት ውድድራት ከካይዳን ስለ ዝፈቀዱለን ዝሓሸ ዕድል ተረኽበ።
በዚ ዝተተባብዓ ካልኦት ጋንታታት ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክምስረታ ጀሚረን።
ኣብ ኣስመራ ጋንታ ሓማሴን፡ ጋንታ ራዲዮ ማሪና፡ ጋንታ መረብ ሰራየ፡ ጋንታ ኣፍሪቃ ሎጐ ጭዋ፡ ጋንታ ኣዱሊስ፡ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪን ካልኦትን ክምስረታ እንከለዋ፡ ኣብ ደቀምሓረ፡ ጋንታ ሳንቶስ፡ ጋንታ ደቀምሓረ፡ ኣብ ከረን ከኣ ጋንታ ላሳለ፡ ስቴላ፡ ዓንሰባን ሳሕልን ተመስሪተን ስሩዕ ውድድራት ከካይዳ ጀሚረን።
እዚ ቅርጺ እዚ ኣብ ምምሕዳር እንግሊዝ’ውን ከይተቐየረ’ዩ ዝካየድ ነይሩ።
ድሐሪ ፈደረሽን’ውን ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ መጀመሪያ 70ታት ኣብ ሜዳ ቤት ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ [ናይ ሕጂ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ]፡ ኣብ ሜዳ ራስ ኣሉላ (ንእሽቶይ ቺቸሮ)፡ ሜዳ ፎሮቢያ፡ ሜዳ ቅዱስ በርናንዶስ፡ ሜዳ ላሳለ ገጀረት፡ ካምቦኒ ወዘተ ብዙሓት ጋንታታት ዝሳተፈኦ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ውድድራት ይካየድ ምንባሩ ሰነዳት ይጠቅስ።
ከም መርኣያ ናይዚ፡ ብዙሓት ብሉጻት ኤርትራውያን ተጻወትቲ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሎም ንክጻወቱ ይምረጹ ነይሮም’ዮም።
ኣብ ስፖርት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኵዕሶ እግሪ ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘለዎን ሓደ ኤርትራዊ “ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ ድሕሪ ናጽነት ብርግጽ ኣብ መግዛእቲ ዝነበረ እዋን ይጥዕሞ” ይብል።
ጠንቂ ውድቐት ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ
ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ሓደ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1992 ብኣሰልጣኒ ኣቶ ተኪአ ኣብርሃ እናተመርሐት፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዑመር ኣልበሽር፡ ናብ ፍጻመ በጺሓ ነታ ኣብ 1990 ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈት ዒራቕ ኣብ ፍጻመ 2 ብ0 ብምስዓር ዋንጫ ዓቲራ።
ኣብ 1993’ውን ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነትን ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራን፡ ሱዳንን ግብጽን ዝተሳተፋኦ ውድድር ብምስራዕ፡ ነታ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ዋንጫታት ብምውሳድ ዝልዓለ ክብረ ወሰን ዝሓዘት ግብጺ 2 ብ 1 ብምስዓር ተዓዋቲት እቲ ውድድር ክትከውን ክኢላ።
ኣብ 1994’ውን ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ሴካፋ፡ ውድድራ ራብዓይቲ ኰይና ክትውድእ እንከላ፡ ኣጥቃዓይ እታ ሃገራዊት ጋንታ ይድነቀቻው ሽማንጉስ ኮኾብ ተጻዋታይ እቲ ውድድር ኰይኑ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ዓወት መንፈስ ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ክሳብ 1997 ከምዝቐጸለ’ዮም ነቲ ናይታ ሃገር ኵዕሶ እግሪ ብቕርበት ዝከታተልዎ ሰባት ዝሕብሩ።
ኣብ ሲድኒ ዝነብር ስምኦን በርሀ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ውድቀት ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ግዳማውን ውሽጣውን ረቛሒታት ኣለዎ ብምባል ኣብ ክልተ ከፊሉ ይርእዮ።
“እቲ ግዳማዊ ረቋሒ ኢልና ክንጠቕሶ እንኽእል፡ ህሉው ኵነታተን ምማት ቍጠባ እታ ሃገርን ንመሰረት ዓውደ ስፖርት እታ ሃገር ኣይሓገዞን፤ ጋንታታት እኹል ዓቕሚ ገንዘብ ስለዘይብለን ከኣ እቲ ምስዚ ረቋሒ እዚ ተተሓሒዙ ነቲ ስፖርት ይደቝሶ ኣሎ” ይብል።
ውሽጣዊ ረቋሒ ኢሉ ኣብ ዘቐመጦ ከኣ፡ “ኣብ ከባቢ 2013 ኮማዊ ሰረት ንምትሓዙ ዝተገበረ ፈተነ ዘዐውት ኣይነበረን ፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ደጋፊ እምበር ደፋኢ ሓይሊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ይብል።
ስምኦን በርሀ፡ ህዝቢ በብምሕዳራቱ ንዓመት ንመማዕበሊ ስፖርት ተባሂሉ 50 ናቕፋ ከምዘዋጽእ ብምግላጽ “ነዚ’ውን ብፍታዉ ኣይኰነን ዘዋጽኦ፣ ኩፖን ከይክላእ ፈሪሑ’ዩ ዝኸፍለን፡ ካብዚ ብምብጋስ ደጋፊ ዘለዋ ናይ ምምሕዳር ጋንታ ኣይትረክብን ኢኻ።”
ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ኪዳነ ስብሃቱ ብወገኑ፡ “ንውድቀት ኵዕሶ እግሪ ቀንዲ ምኽንያት ኢለ ክገልጾ ዝኽእል [ከም መጀመሪ እቲ ውድቀት] ድሕሪ ኵናት 1998 ምኽታት ተጻወትቲ’ዩ፤ ብሰንኪ እዚ ክለባት ደኺመን ከም ውጽኢቱ ከኣ እታ ሃገራዊት ጋንታ መገብቲ ስለዘይብላ ደኺማ” ይብል።
ኪዳን ብምስዓብ፡ ካብ 1994-1998 ናብ ስካንዲናቭያን ብምኻድ ዓወታት ዘመዝግቡ ዝነበሩ ተጻወትቲ ግቡእ ኣተሓሕዛ ስለዘይተገበረሎም ክሳብ ሕጂ ነታ ሃገር ዋጋ የኽፍላ ከምዘሎ’ውን ይሕብር።
“እቲ ካልእ ስፖርታዊ ምሕደራን ኣተሓሕዛ ጋንታታትን’ውን ሓደ ጠንቂ’ዩ፡ ንኣብነት ኣብ 2005 ንስፖርት እታ ሃገር ከለዓዕል ተስፋ ተነቢርዎ ዝነበረ ሃገራዊ ሊግ ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ደው ኢሉ፡ ንምንታይ ደው ከምዝበለ’ውን ንጋንታታት ኣይተሓበረንን” ይብል ኪዳነ።
ኪዳነን ስምኦንን ከም ሓባራዊ ምኽንያት ገይሮም ዘቐመጥዋ ከኣ፡ ጥሮታ ዝወጽኡ ተጻወትቲ ዝኾነ ስራሕ ስለዘይፍጠረሎም ንኻልኦት ራእይ ክፈጥሩ ከምዘይክኣሉ ይጠቕሱ።
‘ግራስ ሩት’ ብዝብል መደብ ካብ ኵለን ምምሕዳራት ዝተዋጽኡ ኣሸሓት ህጻናት ተምሃሮ ኣብ ስታድዮማት ሓባራዊ ልምምድ እናኣካይዱ ክሳብ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝስልጥነሉ መደብ ተሰሪዑ ነይሩ’ዩ፡ እንተዀነ ቀጻልነቱ ከምዘይተርኣየ ኪዳነን ስምኦንን ይገልጹ።
ኪዳነ፡ “እቶም ብግራስ ሩት ዝሓለፉ ተጻወትቲ ናበይ እዮም ዝኸዱ፣ ብሓቂ እቶም ንዐኦም ዘሰልጥንዎምከ እኹል ስልጠና ዝወሰዱን ብቕዓት ዘለዎም ድዮም ኢልካ ምሕታት’ውን ኣገዳሲ’ዩ” ይብል።
ኣስዒቡ፡ “እቶም ተምሃሮ ግራስ ሩት 14 ክሳብ 15 ዓመት ምስ በጽሑ ናብ ኮሌጅ ክኣትዉ’ዮም ተባሂሎም ነይሮም፤ እዚ ኣይተገበረን ብኣንጸሩ 18 ምስ መልኡ ናብ ታዕሊም’ዮም ተወሲዶም” ይብል።
ስምኦን ብወገኑ፡ “ዕቝር ዓቕሚ ከምዘለና ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ ኣብ ጸወታ ምስ መጽኡ’ውን ካብቶም ናይ ዓበይቲ ናይቶም ንኣሽቱ ጸወታ ይምስጥ፣ ኣብ 14 ክሳብ 15 ዓመት ዝበጽሑ ኵለን ዞባታት ማዕረ ዓቕሚ’ዩ ዘለወን፡ ብድሕሪኡ ግን ኣብ ዞባ ማእከል ጥራይ’ዩ ዝድረት፤ ኣብ ናቕፋ ዘሎ ተጻወታይ፡ ኣብ ጐልጅ ወይ እምባሶይራ ዘሎ ተጻዋታይ ጠማቲ ኣይረክብን’ዩ” ይብል።
ስምኦን ወሲኹ፡ “ተጻወትቲ ግራስ ሩት ምስ ወድኡ ብቐጥታ ናብ ክለባት’ዮም ክጽንበሩ ዝግበኦም፣ እንተዀነ እተን ክለባት ዓቕመን ድሩት’ዩ ንዅሎም ክሓቝፎኦም ኣይክእላን’የን፡ እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ ሃገራዊ ሊግ ዘይምህላዉ’ዩ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ቀዳመይቲ ዝወጽኣ ሽዱሽተ ጋንታታት ጥራይ’የን ዝጻወታ፤ ኣኸለ!” ይብል።
ናብ ኣህጉራዊ መልክዕ ምስ ዝሰግር ከኣ፡ ክለባት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ክለባት ኣፍሪቃ ክሳተፋ ዘይምኽኣለን፡ ተጻወትቲ ክለባት ናብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እንተዘይተመሪጾም፡ ምስ ክለቦም ብምዃን ናብ ካልእ ሃገር ከይዶም ተመኵሮ ናይ ምቕሳም ዕድሎም ዕጽው ከምዝዀነ እዞም ተንተንቲ ስፖርት ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነዚ ጸገም ንምፍታሕ እንታይ’ዩ ክግበር ዘለዎ?
ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ኪዳነ ስብሃቱ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵለንትናዊ ጸገማት ከይተኣልየ በይኑ ናይ ኵዕሶ እግሪ ጸገም ጥራይ ክፍታሕ ከምዘይክእል’ዩ ዝገልጽ።
ሓፈሻዊ ግን “መሪሕነት ምሕደራ ስፖርት ኤርትራ ዳግማይ ምስራዕ ቀንዲ ሱር ነገር’ዩ ምኽንያቱ ንስፖርት፡ ስፖርት ዝፈልጥ’ዩ ክመርሖ ዘለዎ፡” ይብል።
“ከም ካልኣይ ነጥቢ ንህጻናት ማእከል ዝገበረን ክሳብ ላዕሊ ዘብጽሕን መደባት ክንደፍ ኣለዎ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ኣሰልጠንቲ ብቴክኒክን ብታክቲክን ክበስሉ ኣለዎም፡” ይብል።
ተቐማጢ ሲድኒ ስምኦን በርሀ፡ ምስ ናይ ኪዳነ ሓሳብ ብምስምማዕ “እዚ ግራስ ሩት ጽቡቕ እዩ ዝካየድ ነይሩ፡ እንተዀነ ምስ ዓበይቲ ጋንታታት ናይ ዓለም ወይ ደላሎ ናይ ተጻወትቲ ምትእስሳር ክፍጥረሉ ኣለዎ” ይብል።
እዚ ከኣ እቶም ህጻናት ብንእሽቶኦም እንከለዉ ናብ ማእከል መሰልጠኒ ክለባት ኣውሮጳ ናይ ምኻድ ዕድላቶም ከምዘስፍሖን ብኡ መንጽር፡ ፕሮፈሽናላት ተጻወትቲ ክፈርዩን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓንዲ ሕቖ ንኽኾንዋ ከምዝሕግዝን ይጠቅስ።
ብምስዓብ “ብመሰረቱ ዕቤት ሃገራዊት ጋንታ ወይ ዕቤት ኵዕሶ እግሪ ሓንቲ ሃገር ብዕቤት ክለባት’ዩ ዝረጋገጽ፡ ስለዚ ኣብ ኤርትራ ክፉት ቁጠባ ተኸፊቱ ኩባንያታትን ሰብ ጻጋን ክለባት ከምዝሕዙን ንናይ ደገ ኣውፈርቲ ኣብ ስፖርት ዘሎ ናይ ወፍሪ ዕድላት ንኽፈልጡ ዘላሊ ውሕስነት ዘለዎ መደባት ክዳሎ ኣለዎ” ይብል።
ስምኦን፡ “ብደረጃ ዓለም እንተርኢና ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ካብቶም ዝለዓለ ዝኽፈሉ ሰባት’ዮም። ምኽንያቱ፡ እቲ ስፖርት ልዑል ደሞዝ ዘኽፍል ብምዃኑ ናይ ብዙሓት ህጻናት ሸውሃት ይኸፍት’ዩ። ከም ግቡእ’ውን ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ፡ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ’ዮም ክኽፈሉ ዘለዎም። ምኽንያቱ፡ እዚ ኵዕሶ እግሪ ንኽዓቢ ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ”
ኪዳነ፡ ንዅለን ዞባታታን ዘሳትፍን ህዝባዊ ተሳትፎ ዘረጋግጽን ስሩዕ፡ ንዅሉ ክሊ ዕድመን ጾታን ዘማእከለ ናይ ጸወታታት ካላንደርን፡ ፊፋን ካፍን ብዝፈቕድዎ ብዝሒ ጸወታታት ምስራዕን ኣብ ባይታ ምትግባሩን’ውን ወሳኒ ከምዝዀነ’ዩ ዝመክር።
ኪዳነ፡ ከም ካልእ ምኽንያት ዘቕርቦ ከኣ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብኣሰልተንቲ ግብጻዊ ሙሽር፡ ቱርካዊ ይልማዝ፡ ሩማንያዊ ዶርያንን ሆላንዳዊ ሬነን ኣብ ትዕለመሉ ዝነበረት እዋን ጽቡቕ ውጽኢት ተመዝግብ ምንባራ ብምዝካር፡ ብናይ ደጋ ኣሰልጠንቲ ምፍታና’ውን ሓደ ፍታሕ ከምጽእ ከምዝኽል ይጠቅስ።
ስምኦን ብወገኑ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ከምዘለዋ ብምጥቃስ “ተጻወተቲ ናብ ደገ ምስ ከዱ ከይሃድሙ እናበልካ ካብ ደገ ተጻወትቲ ኣምጺኻ ንሃገራዊት ጋንታ ምቛም ውጽኢት ኣየምጽን’ዩ፤ እቲ ፍታሕ ኣብ ውሽጥን ካብተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዋ ክለባት ክብገስ ኣለዎ” ብምባል ይድምድም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







