ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ጠርሙዝ ብዝተላእኸ መልእኽቲ ዝተራኸቡ ክልተ መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ውሽጢ ጠርሙዝ ተጠቕሊሉ ብውቅያኖስ ኣትላንቲክ ዝተላእኸ መልእኽቲ ንክልተ መናእሰይ ኣራኺቡ።
እታ ጠርሙዝ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ውቅያኖስ ኣዝዩ ዘደንቕ ጉዕዞ ክትገብር ጸኒሓ።
ወዲ 16 ዓመት ሲን ስሚዝ ብ2018 ኣብ ምብራቕ ኣመሪካ ካብ እትርከብ ደሴት ሮድ ሓደ መልእኽቲ ይልእኽ።
እቲ መልእኽቲ "ናይ ምስጋና መዓልቲ'ዩ። ኣነ ወዲ 13 ዓመት'የ፤ ኣብ ደሴት ሮድ ዝርከቡ ስድራይ ክኣ ይበጽሕ ኣለኹ። ካብ ቬርሞንት'የ መጺአ። ነዚ መልእክቲ እንተረኺብኩም ኣብ '[email protected]' ኢሜይል ልኣኹለይ" ይብል።
እዚ መልእኽቲ ልዕሊ 3,200 ኪሎ ሜትር ተጓዒዙ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ተረኺቡ ኣሎ።
ወዲ 17 ዓመት ክሪስቲያን ሳንቶስ እታ ጠርሙዝ ኣብ ኣዞሬስ ረኺቡዋ። እዚ ከባቢ ኣብ ማእከላይ ኣትላንቲክ ዝርከባ ጥርኑፋት ደሴታት ፖርቺጋል ዝሓዘ'ዩ።
ንሱ ንጋዜጣ ቦስተን ግሎቭ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስ ወዲ ሓው ኣቡኡ ዓሳ እናገፉፉ እንከለው ኣብ ጥቓ ወትሩ ጎሓፋት ዝረኽበሉ ማያት እቲ ውቅያኖስ ነታ ጠርሙዝ ከም ዝረኸባ ተዛሪቡ።
"ከልዕሎ ከለኹ ኣብ ውሽጡ ወረቐት ምህላው ኣስተብሂለ። ዝኾነ ጽቡቕ ነገር ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ከኣ ሒዘዮ ናብ ኣደይ ከይደ" ኢሉ።
ኣዲኡ ሞሊ ሳንቶስ እቲ መልእኽቲ ካብ ማስቸተስ ከም ዝመጽአን ቅድሚ ናብ ኣዞረስ ምምጽኦም ዝተወለደሉ ከባቢ ምዃኑን ነጊራቶ።
እቲ መልእኽቲ መን'ዩ ልኢኹዎ ዝብል ንምፍላጥ ሃንቀውታ ዝሓደሮ ክሪስቲያን ምስ ኣዲኡ ብምዃን ኣብቲ ጠርሙዝ ዘለው መምርሒታት ክኽተሉ ይውስኑ።
ኢሜይል ድማ ልኢኾም። ግን ድማ ሲን ነታ ጠርሙዝ ረሲዑዋ ስለ ዝነበረ ዝተልኣኸሉ መልእኽታት ኣይከታተልን ነይሩ፤ ስለዚ ኣይመለሰሎምን።
ድሓር ኣዲሱ ንክሪስቲያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ እቲ መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትጽሕፍ።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሲን እታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝልኣኻ መልእኽቲ ከም ዝተረኸበት ዝሕብር ዜና ኣብ ጋዜጣ የንብብ።
"ምስ ርኣኹዎ፡ እንታይ? እየ ኢለ" ክብል ንመላፍንቲ ቢቢሲ ዝኾነ ሲቢኤስ ተዛሪቡ።
እቲ ጠርሙዝ ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ንሱን ኣዝማዱን ኣብ 2018 ዝደርበዩዎም ጠራሙዝ ምዃኑ ገሊጹ።
"ክልተ ጠራሙዝ ብዙሕ ከይጸንሓ'የን ተረኺበን። ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ግን ከምኡ ከም ዝገበርና'ውን ፈጺመ ረሲዐዮ'የ" ይብል።
"ሕጂ ግን ክርስዖ ዘይኽእል ዝኽርን መሓዛን ኣጥርየ ኣለኹ ክንራኸብ ኢና ኢለ ይሓስብ። ፍሉይ ኣጋጣሚ'ዩ" ኢሉ ሲን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







