ዝተቐበረ ነታጒ ብጨና ዝፈሊ ተሸላሚ መዳልያ ወርቂ ዝኾነ ኣንጭዋ ጥሮታ ወጺኡ

ተሸላሚ ሜዳልያ ወርቂ ኣንጭዋ

ምንጪ ስእሊ, APOPO

ብጅግንነቱ ዝነኣድን ተሸላሚ ሜዳልያ ወርቂ ዝኾነን ኣብ መሬት ዝተቐበረ ነታጒ ብጨና ዝፈሊ ኣንጭዋ ጥሮታ ወጺኡ።

እቲ ኣንጭዋ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስራሕ እዋኑ፡ ኣብ ካምቦድያ 71 ነታጉትን ካልኦት ተፈንጀርቲ ነገራትን ረኺቡ እዩ።

ኣማሓዳሪት ማሌን፡ እቲ ኣፍሪቃዊ ወዲ 7 ዓመት ኣንጭዋ ኣብ ዝለዓለ ዕድሚኡ ስለዝበጽሐ፡ ኣብ ስርሑ’ውን ምዝሕሓላት እናረአየ ብምምጽኡ ድሌቱ ምምላእ ከምዘደሊ ገሊጻ።

እዛ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ሃገር፡ ክሳብ ሽድሽተ ሚልዮን ዝበጽሕ ነቶግቲ ኣለዋ ተባሂሉ ይግመት።

ማጋዋ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ እዚ ኣንጭዋ ኣብ ቤልጂም ሕጋዊ ኮይኑ ብዝተመዝገበን ኣብ ታንዛንያ ዝርከብን ኣፓፓ ዝተብሃለ ትካል እዩ ሰልጢኑ።

እቶም እንስሳት ናይ ሓደ ዓመት ስልጠና ምስተውሃቦም፡ ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቐት ይጸሓፈሎም።

ኣፓፓ፡ ካልእ ናይ ኣናእሽቱ ኣናጹ ጉጅለ፡ ኣብ ማእከል ነታጒ ካሞቦድያ ከምዘሰልጠነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ።

እቶም ሓደሽቲ ኣናእሽቱ ኣናጹ ነቲ ስራሕ ክሳብ ዝለምዱ ድማ እቲ ጥሮታ ዝወጽእ ኣንጭዋ ንሒደት ሰሙናት ኣብ ስራሕ ክቕኒ ምዃኑ ተፈሊጡ።

“ናይ ማጋዋ ብቕዓት ዝብጻሕ ኣይኮነን። ምስኡ ብምስረሐይ ድማ ኩርዓት ይስመዐኒ” ኢላ እታ ኣመሓዳሪት።

“ማጋዋ ንእሽቶ እንተኾነ’ኳ፡ ህዝብና ካባና ዝጽበዮ ድሕነት ክስመዖ ኣብ ምግባር ዓቢ ኣስተዋጸኦ ገይሩ” ክትብል’ውን ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ህይወት ንምድሓን ብዝገበሮ ኣበርክቶ ተሸላሚ ሜዳልያ ወርቂ ኮይኑ’ሎ።

ማጋዋ ፡ 77 ዓመት ካብ ዝቑጸረ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ሽልማት ሜዳልያ ወርቂ ዝረኸበ ናይ መጀመርታ ኣንጭዋ እዩ።