ኮሮናቫይረስ፡ ንብዙሓት ዘዘራርብ ዘሎ ኢሜይል ዶክተር ፋውቺ እንታይ ሒዙ?

ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መጀመርታ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሓላፊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ዝልኣኾም መልእኽታት [ኢሜይላት] ሕጂ ኣዘራረብቲ ኮይኖም ኣለው።

እዚ ኣማኻሪን ሓላፍን ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሸውዓተ ፕሬዝደንታት ኣመሪካ ዝነበረ ሙኩር ክኢላ፡ ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻርን ግብረ መልሲ ምሃብን ኣብ ቅድሚት ክዋሳእ ዝጸንሐ እዩ።

ወዲ 80 ዓመት ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ በቲ እዚ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ዝሰርሖ ስራሕቲ ናእዳን ምፍጣርካ ዘጽልእ ነቐፌታን በጺሑዎ'ዩ።

እቲ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝጽሓፎ ኢሜይል ልዕሊ 3 ሽሕ ገጽ ከም ዘለዎ ዋሽንገተን ፖስት፣ ባዝፊድ ኒውስን ሲኤንኤንን ገሊጾም ኣለው።

ኣብቶም ዝጽሓፎም መልእኽታት ኣብ ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ዝነበረ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጠሚቱ ምስ መንግስቲ፣ ሰብ መዚ ጥዕና ውሽጢ ዓድን ወጻእን፣ ማዕከናት ዜና፣ ፍሉጣት ሰባትን ተራ ኣመሪካውያን ዜጋታትን ዝነበሮ ዝርርባት የርእዩ።

እቶም ኢሜይላት እንታይ ይብሉ?

ቤተ ፈተነ ውሃን

ዶክተር ፋውቺን መሳርሕቱን ኣብ መጀመርታ መዓልታት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ፡ ኮቪድ-19 ኣብ ውሃን ካብ ዝርከብ ቤተ ፈተነ ቻይና ዝለሓዂ'ዩ ዝብል ግምት ነይሩዎም።

ክኢላታት እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ዝወጽአ ናይ ምዃን ተኽእልኡ ዝተሓተ'ዩ ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነዚ ውዱቕ ገይሮምዎ'ዮም፤ ክሳብ ሕጂ'ውን ነዚ ዘረጋግጽ መርትዖ ኣይቀረበን።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ግን ምንጪ እቲ ቫይረስ ንምርግጋጽ ዝተዋደደ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ኣይተገበረን ዝብል ነቐፌታ ክቐርብ ስለ ዝጀመረ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ግምታት ዳግም ህይወት ዘሪኡ ክትዕ ኣልዒሉ ይርከብ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ካብ ዳይሬክተር መጽናዕቲ ባዮሜዲካል ኣመሪካ ናብ ዶክተር ፋውቺ ዝተልኣኸ መልእኽቲ "ዘይተለመዱ ባህሪያት" እቲ ቫይረስ 'ዝተፈብረኸ' ምዃኑ ዘመላኽቱ'ዮም ብምባል ንፋውቺ ብስልኪ ክረኽቦ ከም ዝደሊ ይሕብር።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2020 ድማ ካብ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ፍራንሲስ ኮሊንስ ዝተላኣኸ መልእኽቲ ንዶክተር ፋውቺ "እዋኑ ናይ ውዲት ትንታነ ቦታ ዝረኸበሉ'ዩ" ብምባል ክጭቕጭቖ ይንበብ። ናብኡ ዝተልኣኸ መልሲ ግን ሙሉእ ንሙሉእ ተነክዩ።

ኣብዚ ዓመት ወርሒ ግንቦት ከኣ ዶክተር ፋውቺ እቲ ቫይረስ ብተፈጥሮ ዝመጽአ'ዩ ዝብል "ከም ዘየእመኖ" ብምግላጽ መርመራ ይካየድ ዝብል ከም ዝድግፍ ገሊጹ።

ኣብ ዙርያ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍጫን [ማስክ]

ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክህሉ ዝግብኦ መምርሒ ዝምልከት ኣብ ምንዳፍ እዩ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ማስክ ክንጥቀም ኣለና/ የብልናን ዝብል ሓያል ክትዓት ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020፡ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ዝነበረ በዓል መዚ ኣብ ዝገበሮ መልእኽቲ ኢሜይል ዶክተር ፋውቺ "መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ በቲ ቫይረስ ዘይተትሓዙ ሰባት ንምክልኻል ዘይኮነ እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ንከየመሓላልፉ ንምክልኻል ክውዕል ኣለዎ" ኢሉ።

ወሲኹ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን "እቲ ቫይረስ ኣብ ምክልኻል ውጽኢታዊ ኣይኮነን" ይብል።

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ድማ ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ቻይና ዝሰርሕ መሓዝኡ ሃገራት ምዕራብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይምጥቃም "ዓብዪ ጌጋ" ይፍጽማ ኣለዋ ኢሉ ብዝብል ብስሕተት ኣብ ሚዲያ ሽመይ ተረቚሑ ዝብል መልእኽቲ ልኢኹሉ።

ዶክተር ፋውቺ ኣብ ዝጽሓፎ መልሲ "ተረዲኡኒ፤ ጸገም የብሉን። ብሓባር ክንፈትሖ ኢና" ኢሉ።

ካብ ኩሎም ሸነኻት ዝቐርቡ ሕቶታት

ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ዝርግሕኡ እናወሰኸን ዓብዪ ስግኣት እናሕደረን ዝመጽአ ቅልውላው ጥዕና መልሲ ክደሊ ምስ ጀመረ ዶክተር ፋውቺ ካብ መላእ ኣመሪካ ዝቐርቡ ሕቶታት ኣኪቡ።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ዶክተር ፋውቺ ኣብ ዙርያ ማሕበራዊ ሚዲያታት ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝዝርግሑዎ ሓበሬታን ንሓተትቲ ዝወሃብ መልስን ጠሚቱ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ክሳተፍ ዓዲሙዎ።

ኣብ 1980ታት ለበዳ ኤችኣይቪ ኣብ ምክልኻል ንዶክተር ፋውቺ ተሓባባሪቱ ዝነበረት ተዋሳኢት ሞርጋን ፈየርቻይልድ ኣብ ወርሒ ለካቲት እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል ክትብል ሓቲታቶ ነይራ።

"ህዝቢ ኣመሪካ ክሰግእ የብሉን፤ ግን ድማ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝሕግዙ መምርሒታት ኣካላዊ ርሕቐት፣ ብርሕቐት ምስራሕ፣ ንግዝኡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸው ዝብሉ መምርሒታት ከተግብር ምድላው ክገብር ኣለዎ" ኢላ ኣብ ትዊተር ብምጽሓፍ ክትትሓጋገዞ ሓቢሩዋ።

ድሕሪኡ ምስ ቢል ጌትስ ብቴሌፎን ዝተዘራረበ ኮይኑ፡ ድሕነትን ጥዕናን ዶክተር ፋውቺ "ኣዝዩ ኣተሓሳሲቡኒ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

እቶም ኢሜይላት ብተወሳኺ፡ ዶክተር ፋውቺ ብፕሬዝደንት እታ ሃገር ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ጸቕጢታት ይበጽሖ ኣሎ ዝብሉ ሕሜታት ዘደዓዕሱ'ዮም።

"ብዝኾነ መዐቀኒ ልጓም ኣይተገብረለይን" ክብል ንሓደ ዘይተነጸረ ሰብ መልእኽቲ ጽሒፉ እዩ።

ገለ ናይ ላግጺ እዋናት

እቶም መልእኽታት ፋውቺ ካብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ኢንተርነት ዝወሃቡ ዝነበሩ ርኢይቶታት ቅሳነት ከም ዝኸልኡዎ ይገልጹ።

ሓደ መሳርሕቱ፡ ብከመይ ሓደ ድኳን ዝነበሮ ኣቕሓ ሸይጡ ወዲኡ ዝብል ናቱ ስእሊ ዝተለጠፎ ዛንታ ክልእኸሉ እንከሎ "ናይ ብሓቂ ሕልሚ ክኸውን ኣለዎ . . . ተስፋ ይገብር እዚ ኹሉ ቀልጢፉ ክሓልፍ . . . ፈጺሙ ደስ ኣይብልን" ክብል መሊሱሉ።

ኣብ ካልእ ኢሜይል ከኣ 'ፋውቺ ረስኒ' ይብል እሞ "ህዝብና ዓሻ ስለ ዝኾነ ርእስኻ ክትዅሶ'ዩ" ዝብል ባጫ ዝተሓወሶ መልእኽቲ በጺሑዎ።

ብኻልእ ወገን ተዋሳኢ ብራድ ፒት ኣብ ሓደ ናይ ኮሜዲ ስራሕ ንዶክተር ፋውቺ መሲሉ ድራማ ሰሪሑ'ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምኽንያት እዞም ኢሜይላት፡ ገለ ሕሉፋት ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ነቶም ኢሜይላት እናጣቐሱ ዶክተር ፋውቺ ካብ ስርሑ ክእለ ይጉስጉሱ ኣለው።

ወትሩ ምስ ዶክተር ፋውቺ ዘይቃዶ ሪፐብሊካን ሴናተር ራንድ ፖል፡ እቶም መልእኽታቱ "መታለሊ" ምዃኑ ዘረጋግጹ'ዮም ክብል ነቒፉዎ።

ካልኦት እዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ብዝሰርሖም ስራሓት ኣብ ዝጽሓሓፎም ዝነበሩ መልእኽታት ዝተኸተሎ መገዲታትን ዝንኣዱ'ውን ኣለው።