ኮሮናቫይረስ፡ ሕሙማት ኮቪድ ንጭንቀትን ምርሳዕን ዘለዎም ተቓላዕነት ከምዝወሰኸ መጽናዕቲ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ንሕማማት ጭንቀት፣ ምርሳዕ፣ ሕማም ኣእምሮን ስትሮክን ዘለዎም ተቓላዕነት ወሲኹ ከምዝተርኣየ መጽናዕቲ ሓቢሩ፡፡
ካብቶም መጽናዕቲ ዝተገበረሎም እቶም ሲሶ፡ ቅድም ክብል ዝነበሮም ስነ ኣእምሮኣውን መትናውን ጸገማት ከምዝደገሶም ወይ ድማ ሓድሽ ከምዘማዕበሉ እቲ መጽናዕቲ የረድእ፡፡
እቶም ኮሮናቫይረስ በርቲዕዎም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ወይ ኣብ ጽኑዕ ክንክን ዝነበሩ ድማ ዝገደደ ተቓላዕነት ከምዘለዎም ተገሊጹ፡፡
አቶም ተመራመርቲ፡ ንጽዕንቶታት ጭንቀትን እቲ ቫይረስ ኣብ ኣእምሮ ዘብጸሖ ቀጥታዊ ጉድኣትን እዮም ኣጽኒዖም፡፡
ተመራመርቲ ዩናይትድ ኪንግደም፡ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ኮሮናቫይረስ ናይ ዝተትሓዙ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት፡ ካብቶም 14 ልሙዳት ጸገማት ኣእምሮን መትንን ንገሊኦም ኣማዕቢሎም እንተኾይኖም ንምርኣይ ኤልክትሮኒካዊ መረዳእታ ሕክምና ኣጽኒዖም፡፡
ካብቶም ዝተጸንዑ ልሙዳት ሕማማት ኣእምሮ፡ ናይ ሓንጎል ውሽጢ ደም ምፍሳስ፣ ፓርኪንሰን፣ ስትሮክ፣ ናይ ምርሳዕ ሕማምን፣ ዘይምርጋእ ኩነተ ኣእምሮን( ሙድ ዲስኦርደር) ጭንቀትን ይርከቡዎም፡፡
ካብዚኦም ጭንቀትን ዘይምርጋእ ኩነት ኣእምሮን እቶም ብሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተትሓዙ ሰባት ብበዝሒ ዝተርኣዩ ኮይኖም፡ ምስ ምሕማም ወይ ናብ ሆስፒታል ምኻድ ዝፈጥሮ ጭንቀት ዝተሓሓዙ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ፡፡
ሕማማት ስትሮክን ምርሳዕን ድማ ብቐጥታ እቲ ቫይረስ ዘስዕቦም ባዮሎጂካዊ ጽዕንቶታት ወይ ሰብነትና ብሓፈሻ ነቲ ቫይረስ ካብ ዝህቦ ግብረ መልሲ ዝነቅል ክኾን ከምዝኽእል ይሕብሩ፡፡
ኮቪድ-19 ሕማም ፓርኪንሰንን ጊልያን ባሬ ሲንድረምን እንተጋድድ ግን ኣይተርኣየን፡፡
እቲ ኣብ መጽሄት ላንሴት ሳይካትሪ ዝተሓተመ መጽናዕቲ ትዕዝብታዊ እዩ፡፡ ስለዚ እቶም ተመራመርቲ መንቀሊ እቶም ሕማማት ኮሮናቫይረስ እዩ ኢሎም ክውስኑ ኣይከኣሉን፡፡ ከምኡ እውን እቶም ሰባት ኮሮናቫይረስ ሒዙዎም እንተዘይነብር፡ እቲ ሕማም ኣይመጋጠሞምን ኢሎም ኣይደምደሙን፡፡
ኮይኑ ግና፡ ብኮቪድ ዝተትሓዙ ሓደ ጉጅለ ምስ ሰዓልን ካልኦት ናይ ምትንፋስ ጸገም ዘስዕቡ ሕማማትን ዘለዎም ክልተ ጉጅለታት ብምውድዳር፡ ኮሮናቫይረስ ዚያዳ ምስ ዝተፈላለዩ ሕማማት ኣእምሮ ተተሓሓዙ ከምዝተረኸበ ተመራመርቲ ዩኒቨርሰቲቲ ኦክስፎርድ ደምዲሞም፡፡
እቶም ዝተጸንዑ ሰባት ድማ ብዕድመ፣ ጾታ፣ ዘርእን ኩነታት ጥዕናን ብምፍላይ ንምውድዳር ብዝጥዕም መልክዕ ተመዲቦም ነይሮም፡፡
እቲ ቫይረስ ናብ ውሽጢ ኣእምሮ ከምዝኣቱን ጉድኣት ከምዘብጽሕን ዘመላኸቱ መረዳእታታት ከምዝተረኸቡ እውን ካብቶም ተመረመርቲ ሓደ ዝኾነ ፕሮፌሰር መሱድ ሓሰን ገሊጹ፡፡
ካብ ቀጥታዊ ጉድኣት ብተወሳኺ፡ ምርጋእ ደም ስለዘስዕብ ንስትሮክ ከቃልዕ ከምዝኽእል ዝገልጽ እቲ ፕሮፌሰር፡ ሰብነትና ነቲ ቫይረስ ንምክልኸል ዘካይዶ ቃልሲ ድማ ኣእምሮ ከጎድእ ከምዝኽእል ሓቢሩ፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







