እስራኤል፡ ዕውት ክታበት ኮቪድ ብምክያድ ናይ ምንቅስቃስ እግዳታት ተፉኵስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል በቲ ብመጽናዕቲ 95.8 ሚኢታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘረጋገጸቶ ብፋይዘር ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዕውት ክታበታት ድሕሪ ምክያድ፡ ኣንቢራቶ ዝጸነሐት እገዳታት ተፍኵሶ ኣላ።
ኣብ'ታ ሃገር ካብ ሎሚ ሰንበት ኣትሒዞም ኣብያተ ንግዲ፡ ደኳኩን፡ ኣብያተ መጻሕፍትን ኣብያተ መዘክርን ክኽፈቱ እዮም፡ እቲ ናብዘን ትካላት ዝኸይድ ሰብ ግን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብርን ኣካላዊ ርሕቀት ክሕሉን ክግደድ እዩ።
ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ናብራ ደቂ ሰባት ናብ'ቲ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮ ንኽምለስ እዚ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
እስራኤል 49 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ብምኽታብ ብብዝሒ ዝኸተበቶም ሰባት ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።
እታ ሃገር ኣብ 27 ታሕሳስ 2020 እያ ሳልሳይን ዝተረረን ዕጽዋ ኣዊጃ፡ እቲ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ አዋርሕ ዝተኣወጀ ምሉእ ዕጽዋ ኸኣ ክሳብ ሎሚ ከምዘለዎ ጸኒዑ ጸኒሑ።
ብመሰረት እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ሓዲሽ ሕጊ ምንቅስቓስ፡ ነበርቲ እስራኤል ናብ ዓበይቲ ማእከላት ዕዳጋ (ሞላት) ከይዶም ንብረት ክሽምቱ፡ ናብ ናይ ቱሪዝም ማእከላትን መካነ እንስሳን ክብጽሑ ክፍቀደሎም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካብዚ ብተወሳኺ ማእከላት ምህናጽ ኣካላት (እንዳ ጂም) ሆቴላትን'ውን ምሉእ ንምሉእ ክኽፈቱ እዮም።
እንተኾነ፡ ሰባት ናብዞም ዝተጠቐሱ ማእከላት ንኽኣትዉ ከምዝተኸተቡ ዘረጋግጽ 'ቀጠልያ ፓስፖርት' ተባሂሉ ዝተሰመየ ወረቐት ክድልዮም'ዩ።
እቶም ኣቐዲሞም በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ'ሞ ዝሓወዩ፡ ንግዚኡ ምኽታብ ስለዘየድልዮም እቲ ቀጠልያ ፓስፖርት ተዋሂብዎም ኣሎ።
እቲ ቀጠልያ ፓስፖርት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘገልግል ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ክልተ ግዜ ምስ ተኸተበ ከምዝውሃቦ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቲ ቀጠልያ ፓስፖርት ብመተግበሪ (ኣፕሊኬሸን) ዝተደገፈ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ እስራኤል ውድድር ስፖርት ዝካየደለን ሜዳታት ብ75 ሚእታዊት ናይቲ ክሕዘኦ ዝኽእላ ብዝሒ፡ ተዓዘብቲ ከአንግዳ ተፈቒዱለን ኣሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ግን ንዝምጽእ ክልተ ሰሙን ተዓጽዩ ከምዝጸንሕ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ሚኒሰትሪ ብቀዳም ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ኣብቶም ክልተ ግዜ ዝተኸተቡ መጠነ መልከፍቲ ብ95.8 ሚኢታዊት ከምዝወረደን ፡ ክታበት ፋይዘር 98 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምዝረኸብዎን ጠቒሱ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር እታ ሃገር በንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ዝምጽእ ክልተ ሰሙን 95 ሚእታዊት ልዕሊ 50 ዕድሚኦም እስራኤላውያን ከቲቦም ክውድኡ ትጽቢት ከምዘሎ ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







