ኣብ እዋን ኮቪድ ብኽብሪ ዝተቐብረ ዲፕሎማት ኣፍወርቂ ኣብራሃ

- Author, ሳሙኤል ገብረሂወት
- Role, Editor BBC Tigrinya
ኮቪድ - ንብዙሓት ስድራቤታት፡ ፍቱዋቶም አሕዲጉዎም ኣሎ። ንገሊኦም ኣቡኦም ኣዲኦም፡ ንገሊኦም ሓዎም ሓፍቶም፡ ንገሊኦም ውላዶም፡ ጓሎም ወይ ወዶም፡ ንገሊኦም ትኽ ትንፋስ ዓርኮም መሓዝኦም፡ ንገሊኦም ናይ ቃልሲ ብጻዮም ብጸይቶም፡ መሳርሕቶም መማኽርቶም - ኮቪድ ንብዙሓት እዩ ኣሰምቢሩ። ንዓይን ብጾተይን እኳ ንፈትዎን ነኽብሮን ኩሉ ሰዋስውን ቅጽላት ክገልጾ ዘይበቅዕ ፍተው ናይ ቃልሲ ብጻይ፡ ምቕሉል ዓቢ ሓው፡ ምኩር ዲፕሎማት ገዲም ተጋዳላይ ኣፈወርቂ ኣብርሃ አሕዲጉና።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ብኮቪድ ዝተጠቕዑን ዝሞቱን ብዙሓት እዮም። ኣብ ለንደን ጥራሕ እኳ ንኣፈወርቂ ሓዊስካ ኣስታት 30 ኤርትራውያን አሕዋት ሞይቶሙናስ፡ ብሰንኪ ኮቪድ ንቡር ሓዘንን ቀብርን ተነፊጉዎም ብውሑዳት መቕርብን ፈተውትን ዝተቐብሩ ኣለው።
እዚ ለበዳ ካብቲ ኣዝዩ ሕማቕ ዝገብሮ፡ ሰባት በቲ ዝለመዱዎ ኣገባብ ንሕሙማቶም ክበጽሑ፡ ንዝሓዘነ ከጸናንዑን ንዝሞተ ክቐብሩን ዕድል ስለዝነፍግ እዩ። ሕማምን ሞትን ገዲም ተጋዳላይ፡ ምኩር ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብርሃም እውን ከምኡ'ዩ ኣጋጢሙዎ።
ብዙሕ እነልዕሎን እነዕልሎን ዛዕባ ስለዝነበረና ካብ መገሻይ ንኣፈወርቂ ክረኽቦ ተሃንጥየ እየ መጺአ። እንተኾነ ንለንደን ምስኣተኹ ኣፈወርቂ ብኮቪድ ተጠቒዑ ኣብ ሆስፒታል ምእታዉ ተነጊሩኒ።
ኣፈወርቂ ጥራሕ ግን ኣይነበረን፡ ካልኦት ሰለስተ ቀረባ አዕሩኽተይ ብኮቪድ ኣብ ከቢድ ቅልስ ነይሮም - ሰለስቲኦም ከኣ ኣኣብ ቤቶም ሞት ርእዮም ተመሊሶም። ኣፈወርቂ ግን ንኣስታት ወርሒ ነቲ ቫይረስ ተቓሊሱዎ ሎሚ ጽባሕ ሓውዩ ክምለስ እዩ እናተባህለ ሃንደበት ዕረፍቱ ተነጊርና - ሰምቢድና ቀዚዝና።
ኣፈወርቂ ሞይቱ ምስተባህለ ከኣ "ሕጂ እያ ፋጥና ሞይታ" ኢልና። ውርይቲ ድምጻዊት ፋጥና አሕመዲን ንኣፈወርቂ በዓልቲ ቤቱን ኣደ ክልተ ደቁን እያ።
ኣፈወርቂ ኣብ 1996 ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ዓዲ ኢንግሊዝ ጄኔራል ኮንስለይት ኮይኑ ተመዲቡ ምስ መጽአ፡ በዓልቲ ቤቱ ፋጥና ብ1997፡ ኣብ ለንደን ብእግራ ጽርግያ እናሰገረት ብመኪና ተሃሪማ ብኸቢድ ሰንኪላ። ኣብ ሆስፒታል ንነዊሕ እዋን ሕክምናዊ ሓገዝ እኳ እንተተገብረላ ዝለመሰ መሓውራ ግን ክድሕን ኣይከኣለን። ብኸምዚ ከኣ ፋጥና ክሳብ ሕጂ ን23 ዓመታት ኣብ ዊልቼር ክትነብር ተገዲዳ።
ብሰንኪ'ዚ ከኣ ኣፈወርቂ ስርሑ ገዲፉ ምሉእ ግዜኡ ንበዓልቲ ቤቱ ከልዕልን ክኣልን ተወፍዩ፡ ንብዙሓት ከምዚ ኸማይ ጽንዓትን ጽሮትን፡ ፍቕርን ክብረትን እንታይ ምዃኑ ብግብሪ ምሂሩ፡ ንፋጥና ኢደ እግራን መሓውራን ኮይኑ ክሳብ ዕለት ሕልፈቱ ተላኢኹዋ።

ኣፈወርቂ ብ11 ግንቦት ምስ ዓረፈ ኩነታት ኮቪድ ምስ ሃድአ አሕዋትን ፈተውትን ካብ ርሑቕን ቀረባን ንኪፋነውዎ ዕድል ንኪረኽቡ ብማለት ንኣስታት ሽዱሽተ ሳምንቲ ኣብ መጽንሒ ሬሳ እዩ ወሪሑ።
ብ27 ሓምለ 2020 ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ክፍጸም ምስተወሰነ ከኣ፡ አሕዋትን ፈተውትን ኣቐዲሞም ካብ ኣመሪካን ኤውሮጰን ኣብ ቀብሪ ፍቱዎም ክውዕሉ ንለንደን በሪሮም።
ሰኑይ ንግሆ 09፡30፡ ሬሳ ኣፈወርቂ ዝሓዘት ብዕምበባ ዝማዕረገት መኪና ቀብሪ፡ ናብታ ብኮቪድ ምስተታሕዘ ሕክምናዊ ሓገዝ ረኺቡ ቀልጢፉ ክምለስ ምዃኑ ተኣማሚኑ ዝገደፋ ቤቱ መጽአ። ስድርኡን አሕዋቱን ብጾቱን ኣብ ኣፍ ደገ ወጺእና ብብኽያት ተቐቢልናዮ።
እቲ ድልዱል ዝሰብነቱ፡ ልበ- ባሕሪ ምቕሉል ተዋዛያይ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሬሳ ሳንዱቕ ተዓሺጉ ምርኣይ ከቢድ እዩ። ወዮ ደኣ ረሳዕቲ ኬይናን እምበር ነብሲ ወከፍ እንሰምዖ መርድእ ሕልፈት፡ ነብሲ ወከፍ እንርእዮ ናብ መቓብር ዘምርሕ ሬሳ ደቂ ሰባት ኣብታ ዘይትነብር ህይወትና ነባርን ተዘካርን ታሪኽ ክንሓድግ ዘዘኻኽር እዩ።
ከምቲ ንቡር ባህሊ ስርዓተ ቀብሪ ከኣ ካህናት፡ ኣብ ቤት መዋቲ መጺኦም ጸሎት ድሕሪ ምግባር ጸሎተ ፍትሓት ናብ ዝግበረሉ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ለንደን ኣብ ሃሪንገይ ናብ እትርከብ "ኣዋር ሌይዲ ኦፍ ሙስወል" ዝተባህለት ብ1917 ዝተመስረተት ቤተክርስትያን ኣሰንዮሞ ተጓዒዞም።
ሬስኡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክበጽሕ እንከሎ ከአ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣብ እዋን ሕማሙን ሓዘኑን ክበጽሑዎ ዘይከኣሉ ብዙሓት መቕርብን ፈተውትን ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስትያን ተሰሪዖም፡ ኣፎም ብማስክ ሸፊኖም ከም ቀደም ተላጎቦም ዘይኮነ ተፈናቲቶም " ሓወየ መዓረየ!" እናበሉ ተቐቢሎምዎ።
ኣብ እዋን ኮቪድ ከምዚ ናይ ኣፈወርቂ ገይሮም ሰቦም ክቐብሩ ዕድል ዝረኸቡ ስድራ-ቤታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ብፍላይ እቲ ለበዳ ኮቪድ ጥርዚ በጺሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝዓረፉ ግዳያት፡ ኣብ ቀብሮም ዘሰንዮም ዘይረኸቡ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ሕማምን ሕልፈትን ኣፈወርቂ ኣብ ንቡር እዋን እንተዝነብር በጻሕቱን ቀበርቱን 20 ማይቤት ዳስ እውን ኣይምኣኸሎምን። ብሕብረተሰቡ ፍትውን ቅቡልን ዝነበረ ኣፈወርቂ ከኣ ኣብዚ ሕማቕ ናይ ኮቢድ ኣጋጣሚ እውን እቲ ዝግባእ ክብሪ ረኺቡ እዩ ክበሃል ይከኣል።

ካህናት እታ ቤተ ክርስትያን፡ መምርሒ መንግስቲ ብምኽባር፡ እቲ ሰብ ኮፍ ዝብሎን ዘይብሎን መናብር ፈላልዮም ኣፈናቲቶም እዮም ኣሰናዲኦሞ። ነብሲ ወከፍ እቲ ናብ ቤተክርስትያን ዝኣቱ ዝነበረ ቀባራይ ከኣ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣፈወርቅን መልእኽቲ ፋንዎ አሕዋቱን መቕርቡን ፈተውቱን ብጾቱን ዝሓዘት መጽሔት እናተዓደሎ በቶም ኣወሃሃድቲ ተመሪሑ፡ ድሕነት ገዛእ ነብሱን ከባብን ንምሕላው እቲ ዝግባእ ጥንቃቐ ክገብር እናተመኽረ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ወድዩ ርሕቀቱ ሓልዩ ጸሎተ ፍትሓት ክከታተል መመቓምጦኦ ሒዙ።
ቀባራይ ልዕሊ እታ ቤተ ክርስትያን እትሕዞ ቑጽሪ ምስ በጽሐ እቶም ብዙሓት ቀባሮ ኣብ ግዳም ኮይኖም ጸሎተ ፍትሓት ክከታተሉ ተገዲዶም። ብቐንዱ እውን እቲ ኣብ ዘይንቡር እዋን ዝተራእየ ብዝሒ ቀባሮ፡ ኣቓልቦ ፖሊስ ከይስሕብ'ሞ ምትዕንቓፍ ከይፍጠር ስክፍታ ስለዝነበረ፡ ብዝተኻእለ መጠን ሰባት ርሕቀቶም ሓልዮም ሕግን መምርሕን ኣኽቢሮም እዮም ንቐብሩ ኣፈወርቂ ኣማዕሪጎሞ።
ሬሳ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብዕምበባ ዝኽሪ ዝማዕረገ ቅድመ መንበረ ታቦት ቦትኡ ምስ ሓዘ። ካህናት ጸሎተ ፍትሓት ጀሚሮም። ወንጌል ተነቢቡ፡ "ኦ እግዞኦ መሃራ ወተሰሃላ ለነፍሰ ገብርከ ኣፈወርቅ" ተባሂሉ።
እቲ ፍትሓት ምስተጠናቐቐ ከኣ፡ ኣፈወርቂ እንታይ ዓይነት ሰብ ከምዝነበረ ዝገልጽ ካብቲ ባሕሪ ዝኾነ ሰፊሕ ታሪኹ ሕጽር ዝበለ ዝኽሪ ፋንዎኦ ተነቢቡ። ዊንታን ፌሩዛን ደቁ፡ " ባባየ! እናበላ ንወላዲአን ዝነበረን ፍቕርን ክብርን ልቢ ብዝትንክፍ ቃላት ገሊጸን። አሕዋቱን መቕርቡን እውን " ኮኾብና ብሰላም ዕረፍ ኣብ መቓብርካ ቕሰን!" ኢሎም ተፋንዮሞ።
ብድሕሪኡ ሬሳ ኣፈወርቂ ግሩማት ጸዓዱ ኣፍራስ ኣብ ዝመርሑዎ ሰረገላ ክብሪ ተሰቒሉ ብዕምበባታት ማዕሪጉ፡ ስድራ ቤትን ፈተውትን ዝሓዛ መካይን እናዓጀቡዎ፡ ኣብ ገፊሕ ግሩም ፓርክ ኣብ እስሊንግቶን ኤንድ ሳንታፓንክርያስ ኣብ ዝተደኮነ መካነ መቃብር ኣምሪሑ።
እቲ ሬሳ ክሓልፍ እንከሎ ከኣ ኩለን ኣብ ጽርግያ ዝጸንሓ ተሽከርከርቲ ደው ኢለን ብኽብሪ የሕልፈኦ ነይረን።

ንኣፈወርቂ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ሆስፒታል፡ ድሕሪ ሞቱ ከኣ ንቤቱ ከይዱ ገጹ ክኸድንን ንሕዙናት ከጸናንዕን ዕድል ዘይረኸበ ሕብረተሰብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብመጠኑ ኩነታት ኮቪድ ኣብ ዝሃድኣሉ እዋን ንኣፈወርቂ ክፋነዎ ናብቲ መካነ መቓብር ስለዝወሓ ብሚእቲታት ዝቑጸር ሰብ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መካነ መቓብር ተሰሊፉ ነይሩ።
እንተኾነ መምርሒ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዓባይ ብሪጣንያ እዚ እዋን ንሓደ መዋቲ ክሳብ 25 ቀረባ ቤተሰቡ ጥራሕ ክቐብሩዎ ስለዝእዝዝ ኣፈወርቂ ብካህናትን ቀረባ ቤተሰቡን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። በዓልቲ ቤቱ፡ ደቁን አሕዋቱን፡ ብጾቱን ፈተውቱን ከኣ ኣብ መቓብሩ ሕቋፍ ዕምበባ ኣምቢሮም። ኣብ ሓመድ ድበኡ ዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ከኣ ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ጀሚሩ ክሳብ ዝፍጸም ናብ መላእ ዓለም ብፈይስ ቡክ ላይቭ የመሓላልፍዎ ስለዝነበሩ፡ ፈታውን ኣኽባርን ኣፈወርቂ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብኦን ላይን ተኸታቲሉዎ እዩ።
ኮቪድ፡ ንጽላት ጥዕናን ቁጠባን ዘይኮነ፡ ንብዙሕ ማሕበራዊ ህይወት እውን ብኣሉታ ጸልዩዎ እዩ። ብምትእኽኻብ ሰባት ዝደምቕን ዝጽብቕን መርዓን ሓዘንን፡ ፈለማ ብፍቕዲ ኣጻብዕ ብዝቑጸሩ ሰባት፡ ሕጂ ናህሪ ኮቪድ ምስ ሃድአ ከኣ ምስ ልዑል ጥንቃቐን ምፍንታትን ብውሕድ ቁጽሪ ከምዝፍጸም ኮይኑ ወግዑን መዓርጉን ተሓዲጉ ኣሎ።
ኣብ ንቡር ኩነታት እንተዝኸውን ኣፈወርቂ፡ ንእስነቱ ንቓልሲ ሓርነት ከምዝወፈየ ተጋዳላይን ከም ክቡር ዲፕሎማትን ብኣሽሓት ፈተውቱን ኣኽበርቱን ብሰልፊ ተኹስን ምተፈጸመ። ዝናን ቅያን መዋቲ ዝነግሩ መላቐስቲ ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ነጸለኦም ተወንዚፎም ስርሑን ተግባሩን፡ ባህሪኡን ጠባዩን እናተንተኑ፡ ሓረግ ወለድኡ እናጠቐሱ "ወየ-ወየ! እናበሉ ታሪኹ ምተንተኑ።

ግን ኮቪድ ንቡዙሕ ነገር ቀያይሩ ኣሎ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከም ኣፈወርቂ ብኮቪድ ዝተፈልዩ አሕዋትን ኣሓትን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ገሊኦም ንፍትዋቶም ብማዕዶ እዮም ተሰናቢቶሞም። ኣብ ቀብሮም ክውዕሉ፡ ፍቕሮምን ናፍቖቶምን ክገልጹሎም፡ ከልቅሱ፡ ክሓዝኑ፡ ዕድል ኣይገበሩን።
በዚ ከኣ ንብዙሓት ድርብ ወጽዓ ድርብ ሞት ኮይኑዎም ሕጊ ብምኽባር ኣኣብ ቤቶም ኮይኖም ብተሌፎን እናተጸናንዑ እዮም ተፋንዮሞም።
መርድእ ኣፈወርቂ ካብ ዝንገር ክሳብ ሓመደ ድበኡ ዝፍጸም፡ ንፋጥናን ደቆምን ከጸናንዑ፡ ብቐጻሊ ካብቲ ቤት ዘይተፈልዩ፡ እቲ ኮቪድ ዘሕደገና ክብርታት ሕብረተሰብ ክዕቅቡ ዝጸዓቱ ብጾትን ፈተውቱን ብስም ኮሚዩኒቲ ክብርን ምስጋናን ዝግበኦም እዩ።
"ኣብዛ ዓለም ወዲ ሰብ ብሞት'ዩ ዝመዓራረ" ዝብል ብሂል ኣሎ። "ሞት ዘይተርፍ እዩ'ሞ ግን ቀብርና ኸኣ የጸብቐልና" ዝብል ካልእ ዘረባ እውን ኣሎ።
ስድራ መዋቲ፡ ሰቦም ብኽብሪ ምስዝቕበር ሩፍታን ዕግበትን ይስመዖም። ስድራ ኣፈወርቂ ከኣ ዕድል ገይሮም ኣብዚ ከቢድ ናይ ኮቪድ እዋን፡ ነቲ ሃገራዊ ቀብሪ ዝግበኦ ፍቱዎም፡ ብዘዕግብ ኣገባብ ኣብ ዘልኣለማዊ ቤቱ አዕሪፎምዎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







