ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ሃገራት ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ምሃብ ጠጠው ኣቢለን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ንግዚኡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ምሃብ ጠጠው ከም ዘብላ ተገሊጹ።
እዚ ብምኽንያት ሓሓሊፉ ዘጋጠመ ምርጋእ ደም ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ 6.8 ሚሊየን እቲ ክታበት ዝተውሃቦም ሰባት ሽዱሽተ ናይ ሕማም ጸብጻባት ከም ዝበጽሑዎ ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝጀመሮ ሓድሽ ፍርያት ደው ኣቢሉ ይርከብ።
ክታበት ኣስትራ ዘኔካ'ውን ተመሳሳሊ ምኽንያት ከም ዝቐረበሉ ይፍለጥ።
ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ኣመሪካ "ንጥንቃቐ" እቲ ክታበት ምሃብ ንግዚኡ ጠጠው ክብል ኣለዎ እንትብል፡ ሓደ ሕሙም ብምኽንያት ምርጋእ ደም ክመውት እንከሎ ካልእ ኣብ ጽኑዕ ኩነታት ከም ዝርከብ ገሊጹ።
እቶም ሽዱሽተ ሰባት፡ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 48 ዘለው ኮይኖም እቲ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም ኣብ ውሽጢ 13 መዓልታት ምልክታት ምርግእ ደም ከምዝተራእዮም ተሓቢሩ።
ብመሰረት ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ዝሃቦ መምርሒ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ጠጠው ክብል ብምግባር፡ ድሕነቱ ንምርግጋጽ ተወሳኺ መርመራ ይግበር ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ሃገር ኮይና፡ ልዕሊ 31 ሚሊዮን ዜጋታታ በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው ልዕሊ 562 ሽሕ ከኣ ሞይቶም።
ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ብኣመሪካዊ ትካል ዝተረኸበ ኮእኑ፡ እቲ ክታበት ኣብ ቤልጅም ብዝርከብ ጨንፈር እቲ ኩባኒያ'ዩ ፈርዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለው ካልኦት ክታበታት ክልተ ግዜ ዝውሰዱ ኮይኖም፡ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ግን ሓደ ግዜ ጥራይ ዝወሃብ'ዩ።
ብዙሓት ሃገራት፡ እዚ ክታበት ንክጥቀማ ሚሊዮናት ክታበት'ኳ እንተኣዘዛ ኣብ ውሑዳት ሃገራት ጥራይ'ዩ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ጸዲቑ።
ኣመሪካ ብብዝሒ ክታበት ፒፋይዘር -ባዮንቴክን ሞዴርናን ክትጥቀም እንከላ፡ ጄ ኤንድ ጄ ንሸውዓተ ሚሊየን ህዝቢ ጥራሕ ክወሃብ መምርሒ ወጺኡ ነይሩ።
ካልእ እዚ ክታበት ንዜጋታታ ምሃብ ጀሚራ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ዋላ'ውን ምርጋእ ደም ዘጋጠሞ ተጠቃሚ ምህላው እንተዘይተረጋገጸ እቲ ክታበት ምሃብ ግን ጠጠው ኣቢላቶ ኣላ።
ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣስታት 300 ሽሕ ሰራሕተኛታት ጥዕና እቲ ክታበት ወሲዶም'ዮም።
ውድብ ጥዕና ዓለም ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎን ካብ ተቖጻጸርቲ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝቐርበሉ ጸብጻብ ይጽበ ምህላውን ገሊጹ።
ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከኣ፡ "ኩሎም ኣሉታዊ ክስተታት" ንሰብ መዚ ጥዕና ኣካፊልና ኢና ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







