ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጎናዊ ሳዕቤን ክታበት ኣስትራዜኔካ ተራእዩ'ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, LIA TADESSE TWITTER PAGE
ኢትዮጵያ ንዜጋታታ ትህቦ ብዘላ ዓይነት ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣስትራዜኔካ ዛጊት ኣብ ጥዕና ተኸተብቲ ዘጋጠመ ጎናዊ ሳዕቤን ጥዕና ከምዘየለ ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።
ኣብቲ ሚንስትሪ ላዕለዋይ ኣማኻሪን ብሄራዊ ኣተሓባባሪ ክታበት ኮቪድ-19ን ዶክተር ሙሉቀን ዮሃንስ ከምዝበሎ እቲ ክታበት ካብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣገልግሎት ከምዝውዓለ ኣብሪሁ።
"እቲ ክታበት ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 7 መጋቢት'ዩ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። 2.2 ሚልዮን ክታበት'ዩ። ካብ ዝኣቱ ኣብ ሰሙኑ ድማ ኣብ ኩለን ክልላት ምኽታብ ተጀሚሩ። ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ውሱናት ወረዳታት እንተዘይኮይነን ዳርጋ ናብ መብዛሕቲኤን እቲ ክታበት ዝበጽሓሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ" ኢሉ።
ኣብዚ እዋን ንሰብ ሞያ ጥዕና ዕድሚኦም ልዕሊ 65 ዓመት ንዝኾኑ፣ ሕዱር ሕማማት ንዘለዎምን ኣብ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ዓይነታት ስራሕ ንዝተዋፈሩ ሰብ ሞያን እቲ ክታበት ይወሃብ ከምዘሎ ዶክተር ሙሉቀን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ክሳብ መዛዘሚ ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 2021 ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት 42 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክበጽሓ ትጽቢት ከምዝገብሩ ዝገለጸ እቲ ኣማኻርን ኣተሓባባሪን፡ 'ኮቫክስ' ብዝተበሃለ ዓለማዊ ምትሕብባር ኣቢሉ ከምዝቐርበሎም ኣረዲኡ።
"ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ክሳብ መዛዘሚ ወርሒ ግንቦት ክበጽሓና እንጽበዮ ብዝሒ ክታበት 7.6 ሚልዮን ብልቃጥ እዩ። በዚ መሰረት እቲ ቐዳማይ ዙር 2.2 ሚልዮን ኣትዩ'ሎ። ስለዚ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምናልባት ከኣ ክሳብ ሰነ እንጽበዮ ኣስታት 5.4 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት'ዩ ዝኸውን" ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ግን ካብቲ ክሳብ መዛዘሚ 2021 ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ትጽቢት ዝግበረሉ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።
"ምኽንያቱ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ክሳብ መዛዘሚ እዚ ዓመት ኣስታት 42 ሚልዮን ክታበት ኢና ንጽበ" ይብል ዶክተር ሙሉቀን።
እቲ 42 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣብታ ኣስታት 110 ሚልዮን ህዝቢ ከምዘለዋ እትግለጽ ኢትዮጵያ 20 ሚኢታዊት ህዝቢ ጥራይ ዘኽትብ'ዩ። ስለዝኾነ ድማ ተወሰኽቲ ክታበት ኣብ ዝርከበሎም ኣማራጽታት ይስራሕ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS
ኣብዚ እዋን ምስ ክታበት ኣስትራዜኔካ ብዝተሓሓዝ ዝለዓል ሓደ ጎናዊ ሳዕቤን ጥዕና ኣሎ። ነቲ ክታበት ኣብ ዝወሰዱ ገለ ሰባት ምርጋእ ደም ከምዘጋጠመ'ዩ ዝዝረብ። እቲ ምርጋእ ደም ነቲ ክታበት ስዒቡ ዘጋጥም ምዃኑ ንምርግጋጽ ድማ መጽናዕትታት ይካየዱ ኣለዉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ጎናዊ ሳዕቤን ይህሉ'ዶ?
ኣስትራዜኔካ ዝበሃል ክታበት ብደረጃ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ዝጀመረኦ ዓይነት ክታበት እዩ። ኣብ ዝተወሰና ሃገራት ኣውሮጳ ድማ ምስ ምርጋእ ደም ብዝተሓሓዝ ንቕድመ ጥንቃቐ ብዝብል ንግዚኡ ደው ኣቢለንኦ ነይረን" ይብል ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ላዕለዋይ ኣማኻሪን ብሄራዊ ኣተሓባባሪ ክታባት ኮቪድ-19 ንዝኾነ ዶክተር ሙሉቀን ።
ደሓር ግን ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኤጀንሲ መድሓኒት ኣውሮጳ ከምኡ'ውን ተቖጻጸርቲ መድሓኒት ብሪጣኒያ ዘውጽእዎ መረዳእታ እቲ ዝተገለጸ ጸገም ምስቲ ክታበት ከምዝራኸብ ዘረጋግጽ ብቑዕ መርትዖ ስለዘይተረኸበ መብዛሕቲኤን ካብተን ኣቋሪጸንኦ ዝነበራ ነቲ ክታበት ክህባ ከምዝጀመርኦ ድማ ሓቢሩ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ብዙሓት ነቲ ክታበት ይወስድዎ ኣለዉ። ክሳብ ሕዚ ግን ከምዚ ዓይነት ጸገም ጥዕና ኮነ ካልኦት ጎናዊ ሳዕቤናት ኣየጋጠመን። ግን ከኣ ከምቲ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ክታበት ዘጋጥሙ መጠናዊ ዝኾኑ ፎኪስ ቃንዛ፣ ሕበጥን ከቢድ ዘይኮነ ሕማም ርእሰን ወጻኢ እቲ ዝበሃል ዘሎ ጸገም ጥዕና ኣየጋጠመን" ኢሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ መዓልታት ካብ ቻይና ዝተለገሰላ ልዕሊ 300 ሽሕ 'ሲኖፍራም' ዝተበሃለ ዓይነት ክታበት ከምዝተቐበለት ይዝከር።
ዛጊት ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 132 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ኮይኖም ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 75 ሚልዮን ከምዝሓወዩ ይግለጽ። ኣስታት 2.9 ሚልዮን ሰባት ድማ ሞይቶም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







