ኮቪድ- 19 ፡ ዶንግያ ክትብሃል ዝጸንሐት ብራዚል፡ ክታበት ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ብራዚል ክልተ ዓይነት ክታበታት ኣብ ህጹጽ እዋን ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ብተቆጻጸርቲ ኣካላት እታ ሃገር ፍቃድ ስለዝረኸበ፡ ኣብታ ሃገር ምኽታብ ተጀሚሩ።
እቶም ተቆጻጸርቲ ኣካላት ብኦክስፎርድ ዝፈረየ ኣስትራ ዜኒካን ኣብ ቻይና ዝፈረየ ሲኖቫክን እዮም ብቕዓቶም ዘተኣማምን እዩ ብምባል ኣብ ጥቅሚ ክውዕሉ ፍቃድ ሂቦሞም ዘለዉ።
እቲ ክታበት ኣፍልጦ ምስ ተውሃቦ ሓንቲ ነርስ እታ ናይ መጀመርታ ኣብ ብራዚል ዝተኸተበት ክትከውን ክኢላ ኣላ፡ እቲ ክታበት ናብ 27 ክፈለ ግዝኣት ብራዚል ክከፋፈል ከምዝጀመረ'ውን ተሓቢሩ።
ብራዚል ሓንቲ ካብተን ብኮቪድ-19 ብኸቢድ ዝተሃሰያ ሃገራት ኮይና ብብዝሒ መልከፍቲ ንኣመሪካን ህንድን ተኸቲላ ኣብ ሳልሳይ እያ ተሰሪዓ ዘላ።
እንተኾነ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር ኣብ ምጅማር እዚ ክታበት ዶንግያ ተባሂላ ክትንቀፍ ጸኒሓ እያ።
ፕረዚደንት ብራዚል ጄር ቦልሶናሮ ካብ መጀመርታ ኣብ ልዕሊ ክታበት ትሑትን ዝንቡዕን ኣመለኻኽታ ስለዝነበሮ እቲ ለበዳ ንኸስፍሕፍሕ ግደ ነይርዎ እዩ ይብሃል እዩ።
ብፍላይ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ፡ ነታ ሃገር ብኸቢድ እዩ ሃስይዋ።
ሰብ መሲ ብራዚል ትማሊ ሰንበት 551 ሞት ከምዝተመዝገበ ብምሕባባር፡ ኣብ ዘሓለፈ ሽዱሽተ መዓልታት ልዕሊ 1000 ክምዝገብ ምጽንሑ ገሊጾም።
ብራዚል ክሳብ ሕጂ 209,000 ሞት ከተመዝግብ እንከላ ብብዝሒ ሞት ብኣመሪካ ጥራይ እያ ተበሊጻ ዘላ።
ኣብ ብራዚል ክሳብ ሎሚ 8.4 ሚልዮን ሰብ ብኮቪድ ተለኺፉ ኣሎ።
ሚኒሰትር ጥዕና እታ ሃገር ኢድዋርዶ ፓዝዋላ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነታ 211 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ብራዚል በብደረጅኡ ኩሉ ሰብ ንኸኽተብ ነቲ መስርሕ ክታበት ብክልተ ማእከላት ባዩመዲካል ብራዚል ተማእኪሉ ከምዝካየድ ገሊጹ።
እቲ ኣኒቫሳ ዝተብሃለ ናይ ብራዚል ተቆጻጻሪ ኣካል ንኽልተ ዓይነት ክታበታት ኣብ ጥቅሚ ክውዕሉ ምሉእ ፍቃድ ምስ ሃበ ኸኣ ሞኒካ ካላዛናስ ዝተብሃለት ጓል 54 ዓመት ነርስ ኣብ ብራዚል እታ መጀመርታ ክታበት ክትውጋእ ዝኽኣለት ክተከውን ክኢላ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተመራመርቲ ብራዚል እቲ ኣብ ቻይና ዝፈረየ ኮሮናቫክ ዝተሰመየ ክታብተ 50.4 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ እዩ ምባሎም ዝዝከር እዩ።
ኮሮናቫጀክ ኣብ ቻይና፡ ኢንዶኒዥያን ቱርክን ኣብ ጥቅሚ ውዒሉ ዘሎ ክታበት እዩ።
ኣብ ብራዚል ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸበ ምስ ተረጋገጸ፡ ተቆጻጸርቲ ኣካላት ነቲ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ክታበት ኣብ ትቅሚ ንኽውዕል ኣፍልጦ ክህብዎ ደፋኢ ሓይሊ ኮይንዎም ክኸውን ክምዝኽእል እዩ ዝጥርጠር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







