ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሆስፒታላት ብራዚል ሕጽረት ኦክስጅን ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ብራዚላዊት ከተማ ማናውስ ዝርከባ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ዝሕከሙለን ሆስፒታላት ብሕጽረት ኦክስጅንን ተስፋ ብዝቖረጹ ሰራሕተኛታትን ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዘለዋ ተገሊጹ፡፡
ኣብታ ኣብ ግዝኣት ኣማዞናስ እትርከብ ከተማ ልዑል ሞትን መልከፍትን ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ብሕጽረት እታወትን ሓገዝን ‘‘ብዙሕ ሰብ’’ ክመውት ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም፡፡
ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ልዕሊ 205 ሽሕ ዜጋታታ ዝቐበረት ብራዚል፡ ካብ ኣመሪካ ቐጺላ ዝለዓለ መጠን ሞት ዝተመዝገበላ ሃገር እያ፡፡
ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዋ ዘሎ ብራዚል፡ ኣብ ጃፓን እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ብዙሓት ሰባት ካብ ግዝኣት ኣማዞናስ ዝተበገሱ ኮይኖም ተረኺቦም እዮም።
እታ ኣብ ቀዳማይ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ብዙሕ ሰብ ዝሞታ ግዝኣት፡ ሐዚ እውን ብሓያል እያ እትጥቃዕ ዘላ፡፡
ኣብታ ግዝኣት ህጹጽ እዋን ዝኣወጀ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ግዝኣት ናብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ሬሳ መጽንሒ ኮንቴነራት ክቐርቡ ተገይሩ እዩ፡፡
ጃሴም ኦረላና ዝተባህት ተመራማሪት፡ ኣብ ከተማ ማናዉስ ዝርከባ ገለ ሆስፒታላት ኦክስጅን ከምዘይብለንን ገሊአን ካዓ ሕሙማት ዝዕፈኑለን ኮይነን ከምዘለዋን ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪባ፡፡
ኣብ ገለ ሆስፒታላት ድማ ዝገብርዎ ዝጠፈኦም ሰብ ሞያ ሕክምና ህይወት ንምድሓን ብሰብ ብዝሰርሕ መተንፈሲ ክጥቀሙ ከምዝተርኣዩ ጋዜጣታት እታ ሃገር ሓቢረን፡፡
ኣብ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ሰብ ዝተኻፈሎ ቪድዮ ድማ ሓንቲ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ‘‘ ኣብ ሕማቕ ኩነታ ኣለና፤ ኦክስጅን ዝበሃል የለን፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ይሞቱና ኣለዉ’’ ብምባል ሰባት ሓገዝ ክገብሩ ክትሓትት ተራእያ እያ፡፡
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣማዞናስ ዊልሰን ሊማ ብተመሳሳሊ፡ እታ ግዝኣት ‘‘ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ እቲ ለበዳ’’ከምዘላ ብምሕባር፡ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር ናይ ምሸት ክልከላ ከምዝተኣወጀ ኣመልኪቱ፡፡
ሓደ ሓላፊ ጥዕና፡ እታ ግዝኣት ካብ እተፍርዮ ኦክስጅን ዝያዳ ሰለስተ ዕጽፊ ከምዘድልያ ዝገለጸ እንትኾን፡ ምኽትል ፕረዚደንት ብራዚል ድማ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኦክስጅንን ሕሙማት መጓዓዓዚ ስትሬቸራትን ናብታ ከተማ እንተጓዓዕዙ ዘርእይ ምስሊታት ኣብ ትዊተር ጠቂዑ፡፡
ኣብታ ግዝኣት ጽኑዕ ክትትል ዘድልዮም ሕሙማት ብዙሓት ብምዃኖም፡ ገሊኦም ናብ ካልኦት ግዝኣታት ከምዝውሰዱ ድማ ሰበስልጣን ንሮይተርስ ተዛሪቦም፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







